Home SACTTISM ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ ( ሰነዳት ግበረሽበራ-...

ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ ( ሰነዳት ግበረሽበራ- ወ-ጥሩፍነት 3ይ ክፋል)

1326
0
SHARE

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!

ንዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ጉጅለ ኢሳይያስ ኣመልኪተ፡ ኣብ ዘዳለኹዎ 2ይ ክፋል ጽሑፍ፡ ንሓገዝ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ደ/ሱዳን፡ ጁቡቲን ዝምልከት ሓበሬታ ዘርጊሐልኩም ነይረ፡፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ካብ ምምስራት ኤማሰ (ሕቡእ ሰልፊ) ጀሚሩ፡ ብድፊኢት ኢሳይያስ ኣብ ጽግዕተኝነት ዝተመረኮሰ ስነ-ሓሳብ ተኸቲሉ’ዩ፡፡ እዚ ሓዱሽ ስነሓሰባዊ ውድቀት፡ ንኹሉ መትከላት ብረታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር፡ ጎድናዊ ሳዕቤናት ኣኸቲሊሉ ኢዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ሃገርና ኤርትራ ይትረፍ”ዶ ንህዝባ ንካልእ ዝተርፍ ጸጋታት ከምዘይተዓደለት፡ ኢሳይያስ ኣብ ዘይሕጋዊ ቁጠባዊ ንጥፈታት ዝተሰረተ ኣጀንዳታት ሰሪዑ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ጥራይ ከይተወሰነ፡ ክሳብ ኮንጎን ምብራቕ ኤውሮጳን መሓውራት ዘርጊሑ ተንቀሳቒሱ’ዩ፡፡

ብፍላይ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ኣብ ናይ ጽግዕተኛነት ኣጀንዳ ከፈጽም ከምዘይክእልን፡ ኣብቲ ዞባ ብጀካ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተመስረተ፡ ሕጋዊ ቁጠባዊ ምትእስሳር፡ ካልእ ኣማራጺ ዕጽው ምኻኑ ምስተረድአ፡ ኢሳይያስ ስነ-ሓሳባቱ ብጎነጽ ንምትግባር ብኢደ ዋኒኑ ንሃገርና ኣብ መጋርያ ኩናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክሸማ ወሰነ፡፡ ኣብ ቀጥታዊ ኩናት ኣሉታዊ ሳዕቤናት ምስ ኣጓነፎ ከኣ፡ ተዘዋዋሪ ኣጀንዳታት ኣሊሙ፡ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ወትሃደራዊን ንዋታዊን ሓገዛት ክገብርን፡ ከም ወኪሎም ኮይኑ ከገልግልን ኢዩ መረጹ፡፡ ንሎሚ ኣብ ሓገዝ ንግበረ ሽበራውወን ጉጅለታት ሶማል ዝምልከት ሓበሬታ የስዕበልኩም፡፡

ሓራካት ኣልሸባብ ኣል ሙጃሂድን (Harakat al-shabaab al-mujahideen)

ንልዕሊ 20 ዓመታት፡ መንህብ ኩሎም ጥሩፋት ጉጅለታት ዝኾነት ሶማል፡ ዳግማይ ንምሕራርን ኣብ ከባቢታት ቀይሕ ባሕርን ህንዲ ውቅያኖስን ዝነበረ ምንቅስቓስ ቅርሰና ንምእላይ፡ ብማሕበረሰብ ዓለም ፍሉይ ጠመተ ምስ ረኸበት፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ውን ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ሶማል ሓደስቲ “ዲፕሎማሲያዊ” መደባት ከሰላስል ጀመረ፡፡ ዳርጋ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ኣብ ሶማል፡ ብህዝቢ ሶማልን ብኣህጉራውያን ውድባትን ተቐባልነት ዘለዎም ውድባት ምሕብሓብን ምሕጋዝን ምስ ጀመራ፡ ብወገን “መንግስቲ ኤርትራ” ግን ነቶም ንጹጋት ግበረሽበራውያን፡ “ከም ሓርነታዊ ሓይልታት” ተቐቢሉ፡ ኣስማት ኣጠሚቑ፡ ሓገዛት ክገብርን ኣንጻር ወያነን ስትራተጅካዊ ረብሓ ናይ ዘለወን ካልኦት ሃገራት ድሌት ከማልእ ብቀጥታን ብተዘዋዋሪን መደባት ክዓምምን ኢዩ ዝመረጸ፡፡

ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልስና ዘይፍለጡ ኣዳኸርቲ ሰብ ግዜ “ቆጣቑጢ” ሰሪዑ፡ ክሳብ ሶማል፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጓንዳን ዝተዘርግሑ፡ መርበባት ስለያ ዘርጊሑ ዕግሽግሽ ክብል ተራእዩ፡፡ ኣብዚ እዋናት ኢዩ፡ እቶም ኣብ ጸብጻባት ኣህጉራውያን ውድባት ዝተረቑሑ፡ ከም በዓል ብ/ጀ ጎይቶኦም ጠዓመ (መቐለ)፡ ኮ/ል ኣማኒኤል ኪዳነ (ወዲ ኪዳነ)፡ ሌ/ኮ ግርማጽዮን የውሃንስ (ሃጸይነት)ን ካልኦትን ዝኣመሰሉ እሙናት ክግብሉ ዝጀመሩ፡፡

ብጀካ እቶም ዝጸንሑ ጽሑፋት፡ ኣብ ማሕበራዊ ቤ/ት ካድር ናቕፋ ዝቐርቡ ስልጠናታት ውን፡ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣድሂቦም ንህዝቢ ከምእምን በዘኽእል መገድታት ትሕዝቶታት ከዳልው ኢሳይያስ ኣዚዙ ኔሩ፡፡ የማነ ማንኪን ዓብደላ ጃብርን ኣብ ዝህብዎ ኣስተምህሮታት “…ብወያነ ትምራሕ ኢትዮጵያ፡ ዋላ ናብ 10 ክፍልታት ትፈናጨል፡ ፋሕፋሕ ትበል! ኣየግድሰናን፡፡ ወያነ ዝዳኸመሉ ኩሉ መገድታት ክነናድን ክንሰርሓሉን ኢና፡፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዘምጸኣልና ስኑዕ ጸለመታት ሓዲግና፡ ሶማላውያን ኣብ ግዜ ሽግርና ሰብ ውዕለትና ስለዝነበሩ፡ ንሕና ውን ንሰናይ ዳግመ ምቋም ሶማል፡ ክንሰርሕ ኢና፡፡ ናይ ማንም ምፍርራሕን ጉትጎታን ከይዓገተና፡ ንዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል ሓገዝ ካብ ምውፋይ ኣይንበኩርን፡፡ ኣብ ሶማል እንኽተሎ ፖሊሲ፡ ንሶማላውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንወያነ ዘንቀለ ‘ፖሊሲ ገረብ ብሓኽላ’ ውን ኢዩ፡፡” ዝብሉ መደረታት ይስምዑ ነይሮም፡፡ ድሕሪ’ዚ፡ ፈለማ ንኣልኢትሃድ ቀጺሉ ከኣ ንእስላማዊ መጋባእያን ኣልሸባብን ዝተብሃሉ ዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል ሓገዛት ክግበር ተጀሚሩ፡፡

ኣብ ታሪኽ ሃገርና ሪእናዮም ዘይንፈልጥ “ጨሓማት” ኣኽረርቲ፡ ኣብ ኣስመራ፡ ባጽዕ፡ ዓሰብን መደበራት ታዕሊምን ክዕንድሩ ጀሚሮም፡፡ ምስ ኣልቃዒዳ (ደሓር ውን ምስ ዳዓሽ) ርክብ ዝነበሮም ሓሰን ዳሂር ኣዌይስ፡ ሸኽ ሸሪፍ ኣሕመድ፡ ሙኹታር ሮቦ፡ ዓሊ ራገ፡ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳነ ዝተብሃሉ ሓለፍቲ ‘ቶም ጥሩፋት ጉጅለታት፡ ኣብ ሆቴላት ኢንተር ኮንቲኔታል፡ ኒያላ፡ ሬድሲ፡ መዕረፊ ተፈሊዩሎም፡ ምቕናይ ምሕዳሮም ኣብ መሬትና ኮነ፡፡ ሓ/ኣየር ከም ሓደ ውግዓዊ ዕማም፡ ነዞም ጥሩፋት ናብ ዓሰብን፡ ባይዶዋ (ሶማል)ን ከመላልሶም ተኣዚዙ፡፡ ወትሃደራዊ መደበር ታዕሊማት ዊዓ፡ ዒን፡ ኣፋምቦን ኪሎማን፡ ካብ ምብራቓዊ እዚን ካብ ማእከል ስልጠና ፍሉይ ሓይልታት ዊዓን፡ ዝተዋጽኡ ኣባላት ከዚኑ፡ ንዓኣቶም ክዕልሙ መደባት ተዋሂብዎም፡፡ ካብ ሩስያ ብናይ ወጻእ ሸርፊ ዝተዓደጉ ዘይሕጋውያን ወነንቲ ነፈርቲ፡ ብጸላም ናብ ዓሰብ እንዳተመላለሱ ነቶም ተዓለምቲ ናብ መቋደሾ፡ ባይደዋን ኪስማዮን የብጽሕዎም ኔሮም፡፡ ብፍላይ ኣንቶኖቭ 24/5K544 ዝብል call sign ዘለዋ ነፋሪት ብተደጋጋሚ ተዋፊራ ኢያ፡፡

ኣብ ዞባዊ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ “ብማዕረ ምጽልላው” ዝብል መርሓ ተሪፉ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ብሓደ ገጽ ምስ ጁቡቲ፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ምስ ሶማል ዘይተኣደነ ወጻኢታት እንዳተሓለበት ብተዘዋዋሪ ኣብ መጋርያ ኩናትን ዝተሸመት ሃገርና፡ ስማ ኣብ ጸብጻባት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተቆጻጻሪ ጉጅለ፡ በርጌሳውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ክርቋሕ ጀሚሩ፡፡ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ኢሳይያስ ዝኽተሎ ንኹለን ጎረባብቲ ሃገራት ተናኻኺፍካ፡ ዞባዊ “ጎብለል” ምኻን ዝብል ድጉል ጥሙሕ (ambition) ብጭብጥታት ተቓሊዑ፡፡
ኣቐዲመ ኣብ ትሕቲ “ኣግራብ ምስ ዝውድኡ ቆጣቑጢ ይረኣዩ” ዝብል ኣርእስቲ፡ ብ3 ክፋላት ዝዘርጋሕኹዎ ጽሑፋት፡ ኣብ www.sacttisim.com ክትውከሱ እንዳሓበርኩ፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተዘርግሑ ንዕጡቋት ጉጅለታት ሶማል (ሒዝቡል ኢስላም-ARS፡ እስላማዊ ግንባር ሶማል፡ ኣል ኢትሃድን ኣል ሸባብን) ካብ ዝግበሩ ዝነበሩ ሓገዛትን ወትሃደራዊ ታዕሊማትን ገለ ተወሳኺ ጭብጥታት ክውስኸልኩም፡፡

• ፈለማ ጉዳይ ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ሶማል፡ ከም ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ገይሩ ክጥቀመሉ ምስ ሓሰበ፡ ኣብ ሶማል ቀጥታዊን ተዘዋዋሪን ረብሓ ምስ ዘለወን ሃገራት ወኪል ኮይኑ ኢሳይያስ ምስ በዓል ኣሕመዲን ነጃት ክውል ልዝብ የካይድ ኔሩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ስትራተጅካዊ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን መስመር ነዳዲ ባቢኤል መንደብን መትረብ ስዊዝን ሃገራዊ ረብሓ ዘለወን ሃገራት ኢራን፡ ምስሪን ቀጠርን ሓሪዩ ኣብ ጉዳይ ሶማል ኣእዳወን ክሓውሳ ብምእማን ዘይተኣደነ ኣታዊታት ረኺቡ’ዩ፡፡

• አእግሪ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሶማል ምእታው፡ ኣብ ወርሒ 7/2006፡ 7 ወትሃደራዊ መኮነናት ንኣል-ሸባብ ብዝተፋለየ ወትሃደራዊ ማዳያት ከስልጥኑ፡ ናብ መቋደሾ ተላኢኾም ‘ዮም፡፡ በቲ እዋን ብቴሌግራም ናብ “ጠዊል” (ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ናይ ኢሳይያስ ናይ ሬዲዮ መጸውዒ ኮድ ስም) ተባሂሎም ዝተልኣኹ መልእኽታት ከምዝሕብርዎ፡ እቶም መኮነናት ኣብ ሶማል ንክልተ ወርሒ ናይ ስልቲ፡ ታንኪ፡ ነተጉቲ፡ ስቲንጀር፡ ካርታን ሓበሬታን ስልጠና፡ ኣፍደወ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ከምዝተውሃቦም ተሓቢሩ፡፡ ኣብቲ እዋን ዝሰልጠኑ ብዝሒ ኣባላት 367 ከምዝነበሩን፡ ኣብ ምእላዮም በዓል መቐለን ወዲ ኪዳነን ከምዝተሳተፉ፡ ናይ ተኮስትን ተተኮስትን ሕጽረታት ከምዘጓነፎም ውን ተገሊጹ፡

• ኣብ ሓደ ናይ ሬዲዮ መልእኽቲ (ብ Data com) እቶም ጋዜጠኛታት (ተስፋልደትን ሳልሕ ጋማን) ደንጊዮም ከምዝበጽሑን፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ከምዝኣተውን ይገልጽ፡፡ (ኣብ ቀረባ እዋናት እዞም ጋዜጠኛታት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተፈትሑ ይሕበር ኣሎ)

• ክሳብ 2007 ወርሒ ሰለስተ 2314 ኣባላት ኣልሸባብ፡ ብፍላይ ከኣ ጉጅለ ዳሂር ኣዌይስ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰልጢኖም ‘ዮም፡፡ ኣብ ወርሒ 10/2008፡ ቁጽሮም 20 ዝኾኑ ፍሉያት ዕጡቋት ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ኣብ ባጽዕ ናቫል ቤዝ፡ ብኣዚዩ ሚስጢራዊ ኣገባብ ሰልጢኖም ኢዮም፡፡ እዞም ዕጡቋት ናይ “ነብስኻ ምጥፋእ” (Suicide mission) ውሳነ ከምዝወሰኑ ዝተኣመነሎም ኮይኖም፡ ኣብ ሶማል ኣትዮም ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ሞቋደሾ ኣብ ዝርከቡ ትካላትን ዕደጋን፡ ነብሰ ቅትለት ብምፍጻም “ቅያ” ክሰርሑ ዝተወደቡ እዮም፡፡ እዞም ኣባላት ናይ ካርታ፡ GPS፡ ነተጉትን ንገሊኦም ድማ ናይ ፈጣን ጃላቡን ስልጠና ዝወሰዱ ኮይኖም፡ ብትእዛዝ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ካብ ሓ/ባሕሪን ሃንደሳ ምክልኻልን ዝዓለምዎም ኣባላት 1. ሜጀር ተስፉ ስዩም- ማንጃግሮ (ሓላፊ ስለያ ሓ/ባሕሪ)፡ 2. ሌ/ኮ ሰለሙን ኢያሱ -ወዲ ኢያሱ (ካብ ሃንደሳ ምክልኻል)፡ 3. ም/ተለንተ ተስፋኣለም ባይረ- ወዲ ባይረ (ኣባል ሓ/ባሕሪ)፡ 4. ገብረሂወት ዓንደ- ወዲ ዓንደ (ኣባል ሓ/ባሕሪ ክፍሊ ካርታን ሓበሬታን)፡ 5. ሳልሕ ዓሊ (ኣባል ስለያ ሓ/ባሕሪ ከም ትርጁማን)፡ 6. ጀማል ዓሊ (ኣባል ጸረ ስለያ ሓ/ባሕሪ)ን 7. ተለንተ ኣደም ዝተብሃለ ካብ ክፍሊ ጎስጓስን ሓበሬታን እዮም፡፡ ነዚ ስውር መደብ ብሓላፍነት ክከታተልን ክመርሕን ዝተመዘ፡ ሓለቓ ስታፍ ሓ/ባሕሪ ነበር ብርጋዴር ጀነራል ፍጹም ገብረህይወት (ወዲ መምህር) ነይሩ፡፡

• ንፍሉይ ድብያን መጥቃዕትን ዝለኣኹ ኣባላት ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ናብ ሶማል ብባሕሪ ካብ ደሴት ሓሌብ ይብገሱ ነይሮም፡፡ ደሴት ሓሌብ ካብ ዓሰብ ንደቡባዊ ምብራቕ፡ ኣስታት 91 ኪ/ሜ ብመሬት ርሒቓ እትርከብ፡ ኣብ 1988 ብደርግ ዝተደኮነት ምጭውቲ ደሴታዊት ከተማ ኢያ፡፡ ብኣግራብን ብጽቡቕ ቅዲ ብዝተሃንጸ ህንጻታት እተወቀበት፡ ንበጻሒ እትስሕብ ደሴት ኢያ፡፡ እዛ ደሴት ጀላቡን ማእከለዎት መራኽብን ክዕሸጋሉ ዘኽእል፡ ክልተ ጀቲ ትውንን፡፡ እቲ ሓደ ጀቲ ንኣገልግሎት ሓሬና ምህናጽ ጀላቡ፡ ዘገልግል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ጀቲ ኣብ ልግስ ዝበለ ቦታ ዝተደኮነ ኮይኑ፡ ንሓይልታት ሓ/ባሕሪ ዝተገዝአ ኢዩ፡፡ ምህናጽ ጀላቡ ሓሬና፡ ክንዮ እቲ ቀንዲ ዕላምኡ፡ ከም መነሃርያ ሓገዝ ንኣልሸባብ ዘገልግለሉ እዋን ውን ኔሩ ኢዩ፡፡ ብትእዛዝ ሓላፊ ስለያ ምብራቓዊ እዚ ነበር ሌ/ኮ ግርማጽዮን የውሃንስ (ሃጸይነት)ን ብሓለፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ዞባ ደ/ቀ/ባ ነበር ደብሩ ኪዳነ (ተኾሳተር)ን፡ ንተቓወምቲ ሶማል ዘገልግላ፡ ናይ ጣውላ ጀላቡ፡ ኣብ ሓሬና ከምዝጽገናን ክሳብ መደብ ስራሕ ዝወሃበን ከኣ፡ ምስ ካፒተናተን ኣብ ሓሬና ክጸንሓ ይግበር ነይሩ፡፡ ብድሕሪኡ ብበጣሕ ንብረት ምስ መጸ፡ ኣብቲ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ጀቲ ተራጊፉ፡ ብኡ ንብኡ እተን ጀላቡ፡ ብጽልማት ግዒዘን ከምዝጸዓና ይግበር፡፡ እዚ ብኣዚዩ ጥንቁቕ ሚስጢር ክተሓዝ ኢሳይያስ ይእዝዝ ኔሩ፡፡ እተን ንኣልሸባብ ዝወሃባ ጀላቡ፡ ዓቢ ናይ መጽዓኒ ሳልቬታ ዘለወን፡ ብጠዋሉ ዝተስርሓ ኮይነን፡ ብየመናውያን ካፒተናት ከኣ ይምርሓ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ኢንተርናሽናል መስመር ከም ገፈፍቲ ዓሳ የመናውያን ኣምሲልካ፡ ናብ ሶማል ንምሕላፍ ኢዩ፡፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ኤርትራ ባንዴራ ይግበረለን፡፡ ካብኡ ምስ ሓለፋ ከኣ፡ ናይ የመን ባንዴራ ተገይሩለን ብለይቲ ለይቲ ይጓዓዛ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ከኣ፡ ንብረት ኣብ ሶማል ኣራጊፈን ይምለሳ፡፡ እቶም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ኣባላት “ነብሰ ቅትለት”፡ ብዕለት 21 ጥቅምቲ 2008 ብዩሱፍ ኣብሳሜ ዝተብሃለ መራሕ ጋንታ ተመሪሖም፡ ብሓሌብ ኣቢሎም ናብ ሶማል ዝተልኣኹ ኢዮም፡፡

• ጉዳይ ሶማል ካብ ዞባ ሓሊፉ፡ ኣህጉራዊ ጠመተ ኣብ ዝረኸበሉ እዋናት፡ ኣብ ሞንጎ እቶም መሪሕነት ጉጅለ ዕጡቋት ኣልሸባብ፡ ምፍንጫል ተፈጢሩ፡፡ ንክልተ ዓመታት ዝኣክል፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ኢንትርኮንቲኔታል ሆቴል ሸናዕ ክብል ዝጸንሐ፡ ሸኽ ሸሪፍን ብጾቱን፡ ንኢሳይያስ ራሕሪሖም፡ ንዕርቂ ናብ ጁቡቲን ኢትዮጵያን ኣትዮም፡፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ሶማል ዝነበሮ ተስፋታተት ማህሚኑ ተሪፉ፡፡ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ” ዝመረጸ ኢሳይያስ፡ 3ተ ዜጋታትና ኣብ ሶማል ምስተማረኹ ውን “ኣይንፈልጦምን” ክብል ኢዩ ተሰሚዑ፡፡ ኣታ መን ክሓፍረሉ! የለኹምን ዲኹም ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና? ካልእ ይትረፍ ብማእከላይ ቤ/ጽ ሚ/ሪ ምክልኻል ዝዳሎ፡ ናይ መደብ “ዋልታ” ኣዳላዊ ዝነበረ፡ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ ንጋዜጠኛ ሳልሕ ጋማ ከይተረፈ፡ “ኣይፈልጦን” ምባሉ ሃየንታ ዶ ኣይኮነን? ኩሉ ምስተፈደሖ ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመታት እንሆ ኣንጻሮም ክዋጋእ ከምዘይጸንሐ፡ ንሓዱሽ ግዚያዊ መንግስቲ ሶማል “ከም ህጋዊ መንግስቲ ተቐቢልናዮ ኣለና” ኢሉ ብኣፈኛታቱ መግለጺታት ከውጽእን መግለጺታት ሓዘን ክልእኽን ተዓዚብናዮ ኣለና፡፡

• ኩሉ ዝመገዱ ኣባጓይላ ኢሳይያስ (A man of all destinations)፡ ሓደ ግዜ፡ ከም ብጻጸ ዝተነኽሰ ተመን፡ ካልእ ግዜ ከኣ ከም ኣንበሳ እንዳተለዋወጠ፡ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ሃገርና፡ ካብ ዞባዊ ናብ ትሕተ ሃገራዊ፡ ካብ ምምልላእ ናብ ምጉድዳል፡ ካብ ሕብረት ናብ ምፍንጫል፡ ካብ ክልተኣዊ ናብ ጉጅላዊ ርክባት እንዳውረደ፡ ነታ ሃገር ምስ ሰሜን ኮርያ ክተመሳሰል ቀሲብዋ ኢዩ፡፡ ሕጂ ውን ሓድጊ እቶም ጉጅለታት ኣል ሸባብ ዝኾኑ፡ ከባቢ 30 ኣባላት ጉጅለ ኣልሸባብ ኣብ ዊዓ ብሎክ ሓልሓል ኣለው፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ወትሃደራዊ ታዕሊም ኣባላት ኣልሸባብ ዝተሳተፉ እቶም ቀንዲ ሓለፍቲ ዝስዕቡ ኢዮም፡፡ 1. ሌ/ኮ ጀማል መሓመድ (ሓላፊ ማ/ስ/ፍሉይ ሓይልታት ዊዓ፡ 2. ካፒተን ተኹሉ ወልደስላሰ (ም/ሓላፊ ማ/ስ/ፍሉይ ሓይልታት ዊዓ) 3. ካፒተን ሮሞዳን ኣሕመድ (ኣዛዚ ብሎክ ሓልሓል) 4. ካፒተን በረኸት ሃይለ (ኣዛዚ ብሎክ ዓራግ)፡ 5. ካፒተን ሳልሕ ዑሞር (ኣዛዚ ብሎክ ፈንቅል) 6. ሳልሕ ብልዖ – ወዲ ብልዖ (ኣባል ብሎክ ሓልሓል) ‘ዮም፡፡

ኣብ 4ይ ክፋል ኣብ ሱዳን ዝተዋፈሩ ኣባላት ስለያን ዝተኻየዱ ስርሒታትን፡ ኣብ ታዕሊም ንየመናውያን ጥሩፋት ጉጅለታት ሑቲን ካልኦትን ዝምልከት ሓበሬታ ክፍንወልኩም ኢየ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ሕጂ ውን ኣብ ውሻጠ ህግደፍ ኮይንኩም በቢእዋኑ ሓበሬታ ተስንቑኒ ሓለፍትን ካልኦትን ግዱሳት ዜጋታት ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡
ወደሓንኩም
ንኹሉ ንምብጻሕ ሼርን ላይክን ኣይተውሕዱ፡፡

By: SACTTISM

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.