tisdag, mars 19, 2024

About us

GET IN TOUCH FOR ANY QUESTION

ጻዕርና ጻዕሪ ህዝብና ብምዃኑ ኣብ ሃገርና ፍትሕን ዲሞክራስን ክሳብ ዝራጋገጽ ቀጻልነትዩ ጻዕርና።
ካብ ትማሊ ኣትሒዝና ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ጽባሕ ኣብ ናይ ወብ ሳይት ምንቅስቓስ ንኣስትታት ንልዕሊ 18 ዓመት እንዳ ኾነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ ሌላ ወብ ሳይትታትና፡ ainfalale.com ነበር * nselam.com * radionselam.com * ኢየን። 

 

ዲዮ ንሰላም (radionselam.com) ብ2017 ወርሒ 2 ዝጀመረት ቀጻልነት ዘለዎ እዋናውን ሕሉፉትን ናይ ኤርትራውያን ደርፍታት ብዘይ ምቁራጽ ን24 ሰዓታት እትፍኑ መቓልሕ ህዝቢ’ያ። ኣብዚ መርበብ እዚ መኸተ ኣንጻር ዲክታቶር ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውልቀ መላኺ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ደርፍታት ጥራይያ ትፍኑ። 

ሰላም (nselam.com) ኣብ 2005 ኣብ ዝጀመረትሉ ግዜ ድሕሪ’ቲ ናይ ኣይንፋላለ ብዘጋጠመ ኩነታት ንኽትትካኣ ዝሓዘቶ ዕላማ ንምቅጻል ኣንጻር ውልቀ መላኺ ለውጢ ንፍትሒ ንምምጻእ ዝተመስረተት  ወብ ሳይት ኢያ።

ይንፋላለ (ainfalale.com) ብ2002 ወርሒ 3 ናይ መጀመሪያ ወብ ሳይትና ነበረት። ኣብ 2005 ብዘጋጠመ ናይ መይል ጸገም ብገለ ተክኒክ ጉዳይ ናይ ዓመታዊ ክፍሊት ዶመይን ማዓልቱ ስለ ዝሓለፈ ከይተኸፍለ ብምሕላፉ ainfalale.com ከተቋርጽ ኪኢላ። ኣይንፋላለ ኣብ ዝተመስረተትሉ ግዜ እንዳ ህግደፍ  በንጻሩ ኣይንፋላለ.ኦሪግ (ainfalale.org) ብዝብል መስሪቶም ነበሩ። ዳትካም(.com) ክገብሩ ስለ ዘይካኣሉዮም ብ ዳትኦሪግ(.org) ክምስርቱ ተገዲዶም።

Domen (ዶመይን) ምስ Web hosting (ናይ ወብ ሳይት ሰርቨር) ሓደ ከምዘይ ኮነ ክፍለጥ ኢካኣል። ክልተ በበይኑ ትካላት’ዩ። ናኣሽቱ መዲያታት ይኹና ዓበይቲ ከምእኒ ስኤንኤን፡ ቢቢሲ፡ ኣልጀዚራ ካልኦትን ዝኣመሰላ ወብ ሳይትታት ነታ ዶመይን ኣይውንኖኦን ኢየን። ዶመይን ሓደ ነብሱ ዝኻኣለ ዓለማዊ ትካል እዩ። ዶመይን ማለት ናይ ሓንቲ ወብ ሳይት ሓባሪ ሽም መጸውዒ ዳት (.) ኢዩ። ገለ ንምጥቃስ እከለ.com , እከለ.org , እከለ.net ወዘተ ካልኦትን ሓደ ዓይነት ኣስማት ወብ ሳይት ክትገብር ትኽእል ኳ እንተኾንካ ሓደ ዓይነት ዶመይን ዳት ዘለዎ ወብ ሳይት ኣይካኣልን’ዩ። ንኣብነት እንዳ ህግደፍ ዘጋጠሞም ንምጥቃስ፡- ainfalale.com ኣቐዲማ ትሕስቲ ስለ ዝነበረት ainfale.org ክፈጥሩ ተገዲዶም ዝነበሩ። ሓንቲ ወብ ሳይት ከምገለ ኢላ ዓመታዊ ክፍሊት ዶመነኣ እንተዘይ ከፊላ Web hostingኣ ካብ ሰርቨራ ውሕስነት የብላን፡ ጥራሕ ዘይኮንስ ነታ ainfalale.com ንኣብነት ሽም ዓመታዊ ክፍሊታ ድሒራ ኳ እንተኸፈለቶ ነታ ሽም ኣይትትካኣ፡ ካልኦት ኣይሕዝዋ፡ ሓሪራ ጥራሕያ ትተርፍ፡ (ማልት ካብ ስራሕ ወጻኢ)። ainfalale.org , ainfalale.net ካልኦት ዳትን ክትገብር ግን ይካኣል’ዩ።