Home SACTTISM ሰነዳት ኣንበብቲ ኲናት ኤርትራን ጅቡትን ኣበጋግስኡን ምዕባለኡን ክሳብ ነሓሰ 2008 ኣብ ...

ሰነዳት ኣንበብቲ ኲናት ኤርትራን ጅቡትን ኣበጋግስኡን ምዕባለኡን ክሳብ ነሓሰ 2008 ኣብ ዝነበረ ግዜ

1207
0
SHARE

በቢዕለቱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣንበብቲ ካብ ዝለኣኹለይ ጽሑፋት፡ ሓደ ንሎሚ ቀቅድሚ 3ይ ክፋል ጽሑፍ ናባኹም ከብሎ መሪጸ ኣለኹ፡፡ ነዚ ጽሑፍ ንዝለኣኸለይ ግዱስ ዜጋ ኣቐዲመ ምስጋናይ እንዳገለጽኩ፡ ካብ ተዘክሮታተይ ሓደ ከም መእተዊ ተወኪሰ፡ ብቐጥታ ናብቲ ጽሑፍ ክወስደኩም፡፡

ንዓመታት “መተካእታ ፕረሲዳንት ሃገረ ኤርትራ ክኸውን እዩ” እንዳተብሃለ ዝተዘርበሉ፡ ሚኒስተር ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ፡ ካብቶም ኢሳይያሳዊ “ስብእና” (Personal cult) ንምዕባይ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ሜላታት ሓደ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት “ግዙኣት” ጋዜጠኛታት ብምዕዳግ፡ ንኢሳይያስ ቃለ መሕተት ክግበረሉ ምግባር እዩ፡፡ ብከምዚ መልክዕ፡ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ናብ ውሽጢ ሃገርና ኣትዮም፡ “ህውታተ” ኢሳይያስ ለቓቒሞም ከይዶም ’ዮም፡፡ ካብቶም ብኸውሊ ብኢሳይያስን ብዓሊ ዓብዱን ዝትግበሩ መናውራታት ሓደ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ቃለ መሕተት እቶም ጋዜጠኛታት ሃንደበት ካብ ዝተሓበርዎ ሕቶታት ወጻእ ምስ ዝሓቱ፡ ዓሊ ዓብዱ ብስራሕ ወይ ከኣ ብካልእ ኣመሳሚሱ፡ ነቲ ቃለ መሕተት ምቁራጽ እዩ፡፡

ብከምዚ መልክዕ ኣብ ጥቅምቲ 2010፡ ናብ ሃገርና ዝኣተወ ቀጠራዊ ጋዜጠኛ ኣሕመድ ዓሊ ግን ኣይግድን፡፡ በቲ እዋን፡ እዚ ጋዜጠኛ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዚያዳ ተቐባልነት ዘለዋ ንጋዜጣ ኣልወጠን ወኪሉ ምስተዓደመ፡ ዘይተሓሰበ ኣድራጋ ሕቶታት ብዛዕባ ቁጠባ ሃገር፡ ምቋም ባይቶ፡ ቅዋምን ምርጫን፡ ናጻ ፕረስ፡ ጉዳይ እሱራት ጉጅለ 15፡ ርክብ ምስ ሱዳንን ሓገዝ ንተቓወምቲ ጉጅለታት ደቡብ ሱዳንን ዝምልከት ሕቶታት ብምልዓል፡ ንኢሳይያስ ኣብ ወጥሪ ሸሚምዎ ነይሩ፡፡ በቲ እዋን ዋላ ዓሊ ዓብዱ እናሻዕ ነቲ ቃለ መሕተት ከቋርጽ፡ ምልክት እናገበረ ውን፡ እቲ ጋዜጠኛ ብትሪ ተቓዊሙ ነቲ ቃለ መሕተት ቀጺልዎ፡፡ ካብ ጋዜጠኛ ኣል ጀዚራ ጀንዳተን ቀጺሉ፡ እዚ ብቋንቋ ዓረብ ዝተኻየደ ቃለ መሕተት፡ ንኢሳይያስ ዘዋጠረ ብምንባሩ፡ በቲ እዋን ከምቲ ልሙድ ድሕሪ”ቲ ቃለ መሕተት ንዓሊ ዓብዱ ውን ብጽፍዒት ተሳሂልዎ ኢዩ፡፡ ብዙሓት ዜጋታት ኢሳይያስ “ይተሃራረም” ኢዩ ክበሃል እንከሎ ክሳብ ሕጂ ዘይኣምኑ ኣለው፡፡ እንተኾነ ኩሉ ዘርከበ ሚኒስተርን ወትሃደራዊ ሓላፊ ከምዝፈልጦ፡ ኣብ ዓለም ዕድመ ንዝደፍኡ ሓለፍትን ሚኒስተራትን ከይተረፈ ኢዱ ወስ ዘብል፡ ብዝጋምቤቲ ዘውድቕ ከም ኣድጊ ዝራጋሕ፡ እንኮ መራሒ ሃገር ሕጂ ውን ኢሳይያስ ጥራሕ ኢዩ፡፡

እምበኣር ምስታ ካብ ሓደ ግዱስ ዜጋ ዝተለኣኸትለይ ጽሑፍ ምትእስሳር ዘለዎ፡ ንጉዳይ ኩናት ምስ ጅቡቲ ኣመልኪቱ እቲ ጋዜጠኛ ኣልወጠን ንዝሓተቶ ሕቶ ዝሃቦ መልሲ ብምስዓብ፡ ናብቲ ጽሑፍ ከስግረኩም፡፡ ኢሳይያስ እቲ ኩናት ብናይ ካልኦት ኣጀንዳ ተሳዊሩ ዝተሰንዐ ምኻኑ ብምዝኽኻር፡ ብዛዕባ ኣበጋግስኡ ክዛረብ እንከሎ፡ “…ንሕና ኣብቲ ናቶም ሓሸውየ ክንኣቱ ኣይንደልን፡፡ እዚ ኩናት ንዓይ ውን ሃንደበታዊ ኢዩ ነይሩ፡፡ ከመይ ከምዝተጀመረ ዝፈልጦ የብለይን፡፡ ኣነ ውን ከም ህዝቢ ፈለማ፡ ካብ ሓው ልኡል ሸኽ ሓምድ ቢን ኸሊፋ እየ ሰሚዐዮ፡፡” ብምባል ከይሓፈረ ክሕሱ ኢዩ ተሰሚዑ፡፡ ኣብ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ፍጻመ ከምዘይፈልጥን ኣብ መገሻ ከምዝነበረን ኢዩ ዝዛረብ፡፡

ኣብ 2ይ ክፋል ጽሑፍ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2008 ኢሳይያስ ናብ ዶብ ጅቡቲ ተጓዒዙ ከም ዝነበረ ገሊጸልኩም ኔረ፡፡ እምበኣር ንጉዳይ ኩናት ጅቡቲ ዝምልከት ኣብ 2ይ ክፋል ዝሓበርኩኹም ሓበሬታ ዚያዳ ብጭብጥታት ዝድርዕ፡ ኢሳይያስ ኣብ ቅነ ናጽነት ውን፡ ናብ ከባቢታት ዓሰብ ዘካየዶ ጉዕዞታት ኣስንዩ፡ ንኩናት ጅቡቲ ዘዘኻኽር ካብ ሓደ ግዱስ ዜጋ ዝበጽሓኒ ጽሑፍ ከኣ እንሆ፡፡

ኣብ ሰሙን ቅነ-ነጻነት ኤርትራ: ማለት ኣብ ግንቦት 2008፡ (ካብ ዕለት 26 -28) ፕረሲደንት ኢሳይያስ ናይ ኣስመራ መደርኡ ምስ ኣካየደ፡ ናብ ዓሰብ ኢዩ ኣምሪሑ። ኣብቲ ቅነ’ቲ፡ ሃማደኤ ኣብ ከተማ ዓሰብ፡ ጉባኤ ኔርወን፡፡ ኣብኡ ንገለ ደቓይቕ ኣላጊስወን ይኸውን ይብል። ቀንዲ ዕላማ ጉዕዞኡ፡ ናብ ዓሰብ ግን፡ ጉዳይ ሃማደኤ ከምዘይነበረ ስዒበ ክገልጾ ክፍትን ኢየ። ቅድሚ ክለተ መዓልቲ፡ ፕረሲደንት ክመጽእ ስለዝኾነ ምሳሕ ኮነ ቡን ንኽዳለወሉ ብሜ/ጀ ሃይለ ሳሙኤልን (ሽዑ ኣዛዚ ስርሒት 4 ነበር)፡ ወ/ሮ ጽገሬዳ (ኣማሓዳሪት ዞ/ደ/ቀ/ባሕሪ)ን ተሓቢሩ ኔሩ።

ሑመድ ካሪካረ፡ ቻይና፡ መብራህቱ ማኢል -ወዲ ማኢል (ሓላፊ ኩባንያ ገደም) ዝርከብዎም ሓለፍቲ ኣኸቲሉ ብመኪና ናብ ዓሰብን ሓሌብን ደበኽ በለ። ብኡ መጠን ከኣ ኣብ ዓሰብ ራስ ገምቦን ደሴት ሓሌብን ዘድሊ መስተንግዶ ተገይርሉ። ተመሲሑ፡ ቡኑ ሰትዩ ተፋንዩ። ኢሳይያስ ካብ ዓሰብ ናብ ሓሌብ ምስተበገሰ ግን፡ ወ/ሮ ጽጌረዳ ነቶም ዝምለከቶም ደዊላ፡ ንሳ ከምዘይትመጽእ፡ ምኽንያቱ “ምስኪናይ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኮለል ክብል ስለዝቐነየ፡ ደኺሙ ኣሎሞ ኣብዚ ኣዕሪፉ ክቕኒ መዕረፊ ከዳልወሉ ኣብ ዓሰብ ተሪፈ ኣለኹ” ብምባል ሓበረቶም። ነዓይ ዝገረመኒ ከኣ፡ ካልኣይ ቻይና (ሓለቓ ስታፍ ስ/ዞ-4 ንዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል ኣማኒኤል ሃንጀማ፡ ብዛዕባ ምምጻእ ፕረሲደንት ናብ ዓሰብ ኮነ ሓሌብ ዘይፈልጥ ምናባሩ ኢዩ። በቲ እዋን ሃንጀማ ናብ ሓሌብ ንክዛወር ከይዱ፡ ኣራፊዱ ብጃልባ ናብ ዓሰብ ምስ ተመለሰ ኢሳይያስ ከኣ ናብ ሓሊብ ገጹ ኣምሪሑ።

ኢሳይያስ፡ ካብ ሓሌብ ምስ ተፋነወ፡ ምስ ጭፍርኡ ብቐጥታ ናብ ራስ-ዱሜራ ኢዩ ኣምሪሑ። ኣብኡ ንቻይና ካብ ነፍሲ ወከፍ ክ/ሰ ሓሓንቲ ቦጦሎኒ፡ (ብድምር 4 ቦጦሎኒታት) ብምምዛዝ፡ ኣብቲ ብጂፒኤሱ ዓቂኑ ዘርኣዮ ቦታ፡ ሰራዊት ከስፍርን ድፋዓት ክኹዕትን፡ ካሪካረ ከኣ ከምኡ ሓንቲ ቦጦሎኒ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ክመዝዝ ተኣዚዞም። ንጽባሕ ዑደት ኢሳይያስ፡ ንኹለን ኣባላት ሃማደኤ፡ መስተንግዶ ንኽዳሎ ከኣ ጽገሬዳ መምርሒ ኣውሪዳ። ኣብ ሓሌብ ተመሲሐን ሳዕሲዐን ናብ ራስ ዱሜራ ከይደን። በቲ እዋን ገና ሰራዊትና ኣይገዓዘን ኔሩ።

ካብ ራስ ዱሜራ ኣስታት 20 ኪ.ሜ ናብ ጅቡቲ ርሒቖም፡ ውሑዳት ሰራዊት ሃገረ ጅቡቲ ኣብ መዓስከሮም ይቕመጡ ኔሮም ኢዮም። እዚ መዓስከር ካብ ቅድም ዝነበረ ኢዩ። እዞም ሰራዊት ጅቡቲ ናይ ቀረብ ዝስተ ማይ ሽግር ስለዝነበሮም፡ ብመንገዲ ኣቶ ዓብደልቃድር ዳዉድ (ደርደር ረሓይታ ወይ ንጉስ ዓፋር ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ጅቡቲ) ምምሕዳር ደሴት ሓሌብ ንክፈቕደሎም ሓቲቶም። ብኡ መጠን ከኣ ካብ ሓሌብ 40 ኪ.ሜ ርሒቑ፡ ኣብ ዝርከብ ምንጪ ማይ ፎራሽ፡ ሓንቲ ቦጥ ኣብ ሳልስቲ ንክወስዱ ተፈቒድሎም ኔሩ። ይጥቀሙ ከኣ ኔሮም። ኣብ ረሓይታ (ኣብ ጥቓ ዶብ እትርከብ ደርደር ዓፋር ዝነብረላ መሬት ኤርትራ) ከኣ፡ ገለ ኣባላት ስለያ ዞ/ስ 4ን ፖሊስን ይቕመጡ ኔሮም። ቅድሚ ምብጻሕ ኢሳይያስ፡ እቲ ከባቢ ዶብ ርጉእን፡ ህዝቢ ካብን ናብን ጅቡቲ ብመካይን ዝመላለስሉ ዝነበሩ፡ ናይ ሰላም ሃዋህው ኢዩ ኔሩ። እንተኾነ ምምጻእ ስለያ (ድሕሪ 2006) ናብ ረሓይታ፡ ህዝቢ ጽቡቕ ኣይረኸበን ኔሩ።

ህዝቢ ረሓይታ መነባብሮኡ ሙሉእ ብሙሉእ፡ ኣብ ፍርያት ባሕሪ ዝተመርኮሰ ኢዩ። ዓሳ ገፊፎም ናብ የመን ብምኻድ፡ ነዳዲኦም ኮነ ኣስቤዝኦም ሒዞም ኢዮም ዝመጹ ኔሮም። ድሕሪ ሓይልታት ስለያ ኣብ ረሓይታ ምምዳቦም ግን፡ “ዓሳ ከይትገፉ፡ ንመንብረኹም መንግስቲ ረዲኤት ክህበኩም ኢዩ” ተባሂሉ፡ ምእታው ምውጻእ ስኢኖም፡ ከቢድ ጥሜት ኣንጸላሊውዎም ኔሩ። ገለ ሃገራውያን ኣባላት ስለያ ግን፡ እቲ መነባብሮ ህዝቢ ረሓይታ ስለዘተሓሳሰቦም፡ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ኮይኖም፡ ሓደ ሓደ ግዜ ሸለል ይብልዎም ኔሮም። ኣብቲ ግዜ”ቲ፡ ህዝቢ ዓፋር ብወከልቶም ኣቢሎም፡ “ከተልምሱና ዲኹም ደሊኹም ንሕና ብረዲኤት ኣይንነብርን ሰሪሕና’በር” ክብሉ ጉዳዮም ናብ ኢሳይያስ እውን ኣቕሪቦም ነይሮም፡፡ ብድሕሪኡ ንደርደር ሓላፊ ዓፋር ብትእዛዝ ኢሳይያስ ካብ ዞ/ደ/ቀ፡ መኪና ከምእትወሃቦ ኮይኑ፡፡ ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ከኣ፡ “ግፈፉ ግን ኣብ ዓሰብ ናብ እትርከብ ፕሮሰሲንግ ፕላንት ኣረክብዎ ገንዘብ ክወሃበኩም ኢዩ” ተባሂሎም። ኣብዚ ክልተ ሽግራት ተኸሲቱ፡ እታ ናይ ዓሰብ ኩባንያ ብሰንኪ መሳለጥያ፡ መዝሓሊታትን ዘይርጉእ ቀረብ ጸዓትን፡ እቲ ፍርያት ዓሳ ናብ ዕዳጋ ከይቀረበ ይጎሓፍ ኔሩ።

እቲ ዝወሃብ ገንዘብ ንገፈፍቲ ዓሳ ረሓይታ ከኣ፡ ንመጓዓዝያኦም ከማን ክሽፍን ዘይክእል መጠን ኮይኑ፣ በዚ ምኽንያት ከኣ፡ እቲ ምግፋፍ ዓሳ ደው ኢሉ። ምኽንያቱ ንገፈፍቲ ዓሳ ረሓይታ፡ ካብ ናብ ዓሰብ ናብ የመን ይቐርቦም። እንተኾነ፡ ጀላቡ ህዝቢ ረሓይታ፡ ካብ ዶብ ኤርትራ ቅሩብ ርሒቐን፡ ኣብ መሬት ጅቡቲ ዓስኪረን። ደርደር ረሓይታ፡ ኣብ ጅቡቲ ዓቢ ጽልዋ ስለዝነበሮ፣ መንግስቲ ጅቡቲ ኣይተንከፎምን። ብለይቲ ዓሳ ገፊፎም፡ ኣብ የመን ብምሻጥ፡ ገለ ኣታዊ ክገብሩ ጀሚሮም። እቲ ዘሕዝን ግን፡ ዜጋታትና (ገፈፍቲ ዓሳ ረሓይታ) ደው ነከብሉ፡ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን፡ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ክሳብ ቀጽሪ ሓሌብን ገማግም ባሕርን እናቐረቡ፡ ሃብቲ ባሕርና ይምዝምዙ ኔሮም። ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ፡ ከምቲ ዝድለ ክቆጻጸርዎም ኣይከኣሉን ኔሮም።

ኢሳያስ ትእዛዙ ኣብ ራስ ዱሜራ ምስ ኣመሓላለፈ፡ እዚ ኹሉ ምድላዋት ወ/ሮ ጽገሬዳ ጎስይዎ፡ ብቐጥታ ኢዩ ናብ ባጽዕ ኣምሪሑ። ብድሕሪ’ዚ 4 ቦጦሎኒታት ዞ/ስ 4ን፡ ሓንቲ ቦጦሎኒ ሓ/ባሕርን ናብ ራስ ዱሜራ መጺኤን ድፋዕ ክሰርሓ ተኣዚዘን። እዘን ኣሃዱታት እዚኤን፡ ብዘይ መሳርሒ ብተብተብ ድፋዕ ክኹዕታ ተኣዚዘን። እቲ መሬት ተሪር ስለዝነበረ ከኣ፡ ንምኹዓቱ ተሸጊሮም። ሓደ መራሕ ቦጦሎኒ ናብ ሓሌብ ከይዱ፡ ኣባላት ሓሊብ ሓጻዊን ቆሪጾምን ኣብሊሖም፡ ቡንታታትን መለንኪኖን ሂቦምዎ። ንዕኡ ርእዮም እቶም ዝተረፉ መራሕቲ ቦጦሎኒታት’ውን በብወገኖም ካብ ሓሊብ መሳርያታት የምጽኡ ኔሮም። ድሕሪ ናይ ገለ ሳምንታት ሃልኪ ግን፡ ስጋብ ቡልደዞራት ከምዝሳተፋ ኮይነን ኢየን።

እዚ ብኢሳያስ ዝተገብረ ሰራዊት፡ ኣብ ራስ ዱሜራ ምስፋርን ድፋዕ ምኹዓትን ንጅቡቲ ኣሰንቢድዎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ማዕረ ጀነራል ተላኢኹ “እንታይ ተረኺቡ?” ኢሉ ክሓትት መጺኡ፡፡ እንተኾነ ዝረኸቦ መዘና ኣይነበሮን፡፡ ምስቶም ኣዘዝቲ ቦጦሎኒታት (እቲ ዝለዓለ ናይ ም/ትለንተ ማዕርግ ዝሓዙ) ተራኺቡ። ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ምስ ቻይና ንክራኸብ ንክነግርሉ መዓልቲ ቆጸራ ብምግባር፡ ናብ ዓዱ ከይዱ። ከም ቆጸራኡ መጺኡ፡ እንተኾነ ቻይና ኣይተረኸበን፡፡ (ከም ሳክቲዝም በቲ እዋን ንጉዳይ ጅቡቲ ቻይና ዝነበሮ መርገጺ ኣንጻር ኢሳይያስ ከምዝነበረ እፈልጥ) ሕጂ”ውን ምስቶም ኣዘዝቲ ቦጦሎኒታት ጥራይ ተራኺቡ ተመሊሱ። ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ ገለ ሰራዊት ጅቡቲ ናብቲ ድፋዕ ዝስረሓሉ ዝነበረ ጫፍ ራስ ዱሜራ መጺኦም፡፡ “ፕረሲደንትና ዑመር ገለ ዑደት ክገብር ስለዝኾነ ኣብዚ ሓለዋ ክንገብር ኢና” ኢሎም። ኣዘዝቲ ቦጦሎኒታትና ከኣ፡ “ንሕና ምስ ጅቡቲ እንታይ ጸገም ኣለና? ደሓን ንሕና ዘይንሕልዎ” ኢሎሞም። ሰራዊት ጅቡቲ “ኣይፋልን!” ስለዝበሉ ግን፡ ጉዳዮም ብሬድዮ ንላዕሊ ተመሓላሊፉ፡፡ “ደሓን ሓለዋ ይግበሩ” ዝብል ትእዛዝ መጺኡ።

ፕረሲደንት ዑመር ገለ፡ ኩሉ ኩነታት ምስፋር ሰራዊት ኤርትራን ምኹዓት ድፋዕን ተዓዚቡ፡ ናብ ዓዱ ተመሊሱ፡፡ እቶም ንሓለዋ ዝመጹ ሰራዊት ግን ኣይተመለሱን። “ተመለሱ እባ!” እንተበልካ፡ “ኣብ መሬትና ኢና ዘለና ናበይ ክንምለስ!” ኢሎም ኮፍ ኢሎም። እዚውን ብሬድዮ ተመሓላሊፉ፡፡ ደሓን ግደፍዎም ተባሂሉ። እቲ ናብ ጅቡቲ ዝጥምት ድፋዓት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከኣ፡ ብድሕሪ ሰራዊት ጅቡቲ ስለዝኾነ (ሰራዊት ጅቡቲ ኣብ መንጎ ስለዝኣተዉ)፡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ። ብዘይካ ኣብ ገለ ቦታታት ናብ ባሕሪ ዝጥምት ቅርጺ መሬት ዝፈጠሮ ጋግ፡ ክልቲኡ ሰራዊት ተሓዋዊሱ ይነብር ኔሩ። ሰራዊትና ብደጀን ሸነኽ ሓድሽ ድፋዕ ምኹዓት ጀሚሩ። (ከም ሳክቲዝም ኢሳይያስ በቲ እዋን ብተኸታታሊ ምስ ኣዛዚ ሚኪአለ ወልዳይ -ወዲ ወልዳይ ርክብ ሬዲዮ ይገብር ከምዝነበረ እዝክር)

ኣብቲ ናብ ባሕሪ ዘንቆልቁል፡ ድፋዕ ሰራዊትናን ሰራዊት ጅቡትን ቅርጺ መሬት ዝፈጠሮ ጋግ ኔርዎ። ሓደ መዓልቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብድሕሪት ኣብ ማእቶት (ምኹዓት ድፋዕ) እንከሎ፡ ሓደ ካብቶም ዋርድያ ሃዲሙ፡ ናብ ሰራዊት ጅቡቲ ኣትዩ። ነዚ ዝሰምዑ ክልተ ኣዘዝቲ ቦጦሎኒ፡ ደድሕሪኡ ተኸቲሎም ናብ ድፋዕ ጅቡታውያን ብምኻድ፡ ንክወሃቦም ሓቲቶም፡፡ እንተኾነ፡ እቶም ሰራዊት ጅቡቲ ኣብዮም ኣየረከብዎምን። ብድሕሪኡ እቶም ኣዘዝቲ 5 ቦጦሎኒታት፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ህድማ ዘትዮም፡፡ “ድሕሪ ሕጂ ክሃድም ዝተረኣየ ብጥይት ይተሃረም” ዝብል መምርሒ ካብ ላዕሊ ከምዝመጾም ተዘራሪቦም፡፡ ዘገርም ኢዩ! ክልቲኡ ሰራዊት ተሓዋዊሱ ንኣስታት 2 ኣዋርሕ ቀጺሉ።

ብድሕሪ’ዚ ምስ ናህና ኣሰላልፋ ዝመጣጠን ኣብ ሰራዊት ጅቡቲ፡ ተደረብቲ ሰራዊት ምምጻእ፡ ጥይትን ኣጽዋርን ምጉራት፡ ብፍላይ ከኣ ዘይንቡር ካብ ውሽጢ ድፋዕ ዘይምውጻእ ዘይልሙድ ተርእዮ ምሽብሻብ ስለዝነበረ፡ ብእዋኑ ንላዕሊ ተሓቢሩ። እንተኾነ፡ ብሓለፍትና “ስቕ ኢልኩም ጥራይ ማእቶትኩም ቀጽሉ” ዝብል መልሲ ተወሃበ። ሓደ መዓልቲ ሰራዊትና ካብ ማእቶቱ ሰዓት 6 ናይ ምሸት ተፈዲሱ፡ ገሊኡ ናብ ድፋዑ እናተጎዓዘ፡ ገለ ከኣ ክሕጸቡ ናብ ባሕሪ እናወረዱ፡ ገለ ከኣ መኣዲ እናተቐረቡ እንከለዉ፡ በታ ናይ ቅድም ቦታ ሓደ ዋርድያ፡ ናብ ሰራዊት ጅቡቲ ስለዝሃደመ፡ ልክዕ ሰዓት 06:10 ድ.ቀ ብወገን ሰራዊትና ጥይት ተተኲስዎ። ጅቡታውያን ከኣ ተዳልዮም ስለዝጸንሑ፡ ነዚ ዕድል ተጠቒሞም በድራጋ ጠያይቲ ብኹሉ ወገናት ብምፍናው፡ እቲ ኲናት ተጀሚሩ። እቲ ዘሕዝን ናብቲ ናብ ረሓይታ ዘጠምት ዝባን ራስ-ዱሜራ፡ ጸቢብ ስለዝኾነ ክልቲኡ ሰራዊት ተሓዋዊሱ ኢዩ ዝነብር ኔሩ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ኣብ ሰለስተ መኣዲ ተቐሪቦም ንዝነበሩ ብጾትና፡ ቡምባ ኢድ ብምእታው ሰዊኤንኦም። ኣብ ካልእ ቦታታት ብሰንኪ ዝነበረን ናይ ተኹሲ ተመኩሮ፡ ነቲ ዝነበረን ዕድል ብዝግባእ ኣይተጠቐማሉን። ኣብዚ ኲናት’ዚ፡ እቲ ዝለዓለ ዕጥቂ ሰራዊትና ኣርፒጂ ጥራይ ኢዩ ኔሩ። ብመሬት ምስ ረሓይታ ዘራኽብ ኣፍደገ ተቖጻጺረንኦ፡፡ ብባሕሪ ከኣ፡ ካብ ኤርትራ ኣቐዲሞም ዝዓደግወን ክልተ ፒሲታት ጌረን ዓጽየንኦ። ሰራዊትና ተኸርዲኑ፡ ዝኣቱ የለ ዝወጽእ የለ ኮይኑ። ምዑታት ዝኾኑ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ እኳ ኣብኡ እንተነበሩ፡ በተን ነኣሽቱ ጀላቡ ኣንጻር ፒሲ ክዋግኡ ርኡይ ጸገም ኔሩ። እተን ዕጥቂ ሓይሊ ባሕርና ዝኾና ፒሲታት ሓ/ባሕርና ግን፡ ነዳዲ ስለዘይነበረን ኣብ ሓሌብ ተዓሺገን ነበራ።

ምግባት ዝኣመሉ ኮ/ወልዱ ባርያ (ሓ/መ/ጋራጃት ነበር)፡ ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንነዳዲ ሓ/ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ስለዘእተዎ፡ ጀላቡ ሓይሊ ባሕሪ ብፍላይ እተን ዓበይትን ኣድማዕትን፡ ኣብ ሓሌብ ተዓሺገን ኢየን ኔረን። ንሰን ከምቲ ንወልዱ ባርያ ዝርደኦ፡ ብ50 ወይ 60 ሊትሮ ዝንቀሳቐሳ ኣይኮናን። ዘገርም ኢዩ! ኣብቲ ኲናት ዝተጀመረሉ ሰዓት ማለት 06:10 ድ.ቀ፡ ሰራሕተኛታት መንግስታዊ ጋራጅ ዓሰብ፡ ካብ ስራሕ ተፈዲሶም ስለዝነበሩ፡ ንዝተኸበ ሰራዊትና ንምድሓን ውጉኣትና ንምውጻእን፡ ነተን ፒሲ ሓይሊ ባሕርና ዝኸውን ነዳዲ ክርከብ ኣይተኸኣለን። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ገለ ዝተኸዘነ ነዳዲ ናይ ትካል ሓሬና ምፍራይ ጀላቡ ስለ ዝነበረ፡ ንክልተ ፒሲታት 10 000 ሊትሮ ነዳድን ማይን መሊአን፡ ሓይሊ ባሕርና ኣብ ከባቢ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ተበጊሶም። ነተን ፒሲታት ጅቡቲ ኣሳጒጎም ብባሕሪ መንገዲ ብምኽፋት፡ ንሰራዊትና መስተርሆ ከፊቶም። ብመሬት ግን ከይተኸፍተ ስጋብ ሰዓት 4 ወጋሕታ ሓደረ።

ሰራዊት ጁቡቲ ነዚ ናይ መሬት ምዕጻው ብልጫታት ተጠቂመን ስለዘትከላ፡ ኲናት ክሳብ ከባቢ ሰዓት 4 ናይ ወጋሕታ ቀጺሉ። ብድሕሪኡ ግን ጅቡቲ ሃዲመን፡ ሰራዊትና ግን ንከይስዕበን ብላዕሊ መምርሒ ስለዝመጾ፡ ስድሪ’ውን ንቕድሚት ኣይሰጎመን። ሰራዊት ተኸርዲኑ ሓዲሩ ክነሱ፡ ካብ ግንባር ቡሬ’ውን ረዲኤት ኣይረኸበን።

ንጽባሒቱ ሰዓት 1:00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ታንክታት ካብ ግንባር ቡሬ መጺኤን ኣብ ረሓይታ ከይበጸሓ፡ ነቲ ኣብ መንጎናን መንጎ ጅቡቲን ዝነበረ ሃጓፍ ቦታ ክኹዕታ ኣምስየን። ዘገርም ድራማ ኢዩ ኔሩ!፡ ነገሩ “ዝብኢ ምስከደ ከልቢ ይነብሕ” ከምዝብልዎ ኢዩ። ማለተይ ሰራዊትና ናይ ምድሓን ዕላማ እንተዝህሉ ኔሩ፡ ሰራዊትና ንኣስታት 10 ሰዓታት ተኸርዲኑ፡ ናይ ሞትን ሕየትን ብክላሽንን ኣርፒጂን ጥራይ እናተዋግኤ ኣይምሓደረን። ግንባር ቡሬ ርሑቕ ኣይኮነን፡ ብፍላይ ታንክታትና ዝዕርዳሉ ቦታ ከኣ ዝቐረበ። ሸለልትነት ዝበዘሖ፡ ኤረ ኮነ ኢልካ ሰራዊትና ንምጥፋእ ዝተሃንደሰ ከይከውንውን ዘጠራጥር ዘሕዝን ኲናት ኢዩ ኔሩ። መንግስታዊ ገራጃት ንጽባሒቱ ልክዕ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ፡ ሓንቲ ቦጥ (ኦራል) ነዳዲ ሰዲዶም። ኲናት ሰዓት 4 ወጋሕታ ዝተወድኤ፡ ነዳዲ ግን ሰዓት ትሽዓተ ቅድሚ ቀትሪ መጺኡ። ምምሕዳር ሓሬና ነዳዲ ንሓይሊ ባሕሪ እንተዘይህቦም ኔሩ እቲ ኲናት ከመይኮን ምኾነ ኔሩ?

ኹናት ምስ ጅቡቲ ብምስጢር ኢዩ ተታሒዙ ኔሩ። ብዙሓት ሓለፍቲ እንከላይ ገለ ስታፋት ሓ/ምክልኻል፡ ካብ በለዛ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንክፈልጡ ንዓሰብ እናደወሉ ገለ ዘይተማለኤ ሓበሬታ ይረኽቡ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እቲ ዘገረመኒ ክሳብ ኣስታት ሰለስተ ወርሒ፡ ናይዚ ፍጻመ ሓሊፉ ከሎ፡ ሚ/ምክልኻል ኤርትራ፡ ናብዚ ግንባር ጅቡቲ ገጹ ኣይተቐልቀለን። ቻይና’ውን እንተኾነ ዝተወሰና መዓልታት ጥራይ ኢዩ ተዛዊሩ። ነቶም 5 ቦጦሎኒታት ዘማእክል ናይ ቀረባ ሓላፊ ኣይነበሮምን። ባዕሎም ልቢ ኣዕብዮም ብዝገብርዎ ምርድዳእ ጥራሕ ኢዮም ናይ ሓባር ስራሕ ዝሰርሑ ኔሮም። (ኮ/ል ሚኪኤለ ወልዳይ በቲ እዋን ኣብ ራሓይታ ምስ ዳርዳር ብሓባር ነይሮም፡፡)

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ! ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ግዱሳት ዜጋታት፡ ኣብ ዘዘለውዎ ኮይኖም ሓበሬታ ንህዝብና ከፍልጡን፡ ቃልሲ ከበራብሩን እንዳተላበኹ፡ ናይዚ ግዱስ ዜጋ ጽሑፍ ውን፡ ንኹሉ ክባጻሕ ሃየ ሼር -share- በልዎ፡፡ …
3ይ ክፋል ይቕጽል………

 By: SACTTISM

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.