Home ዜና ትግርኛ “ሻንጆርጆ ፈሪሳ!!ወይ ዓንያ????????

“ሻንጆርጆ ፈሪሳ!!ወይ ዓንያ????????

1166
0
SHARE

ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!
ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንዲያና 13 ሕዳር 2017

ሕቶን፡ ርእይቶን ንክቡር ዶክተር ተስፋ ገርግስ ገርብረ መድህን ወስት ቪርጂንያ!!!!!!

(ዕባይ ዓድ ወግሪ)!!!!!!

“ዘየደቅስ ነጊሮም ድቅስ ይሓድሩ” ስለ ዝኾነኒ ኣብዚ እዋን ክጽሕፍ ተገዲደ፡ እዚ ዘለናዮ እዋን ዘበነ ጸነተ፡ ዘበነ ድንቁርናን፡ ዘበነ ማአሰርትን፡ ዘበነ ስደትን፡ ዘበነ ባርነትን፡ ዘበነ ዕብሰትን፡ ዘበነ ጥምየትን፡ ዘበነ ሕሰምን መከራን፡ ዘበ ዉርደትን፡ ዘበን ዓመጽን…ወዘተ። ኣብ ጓል ዘረባ ዝእቶ ግዜ ኣይኮነን።

ክቡር ዶክተር ተስፋይ፡ ኣብ መርበብ ሓበረታ “ንስኒትና (Nsinita)” ብዕለት 17 ጥቅምቲ 2017 ዘስፈሮ ጽሒፍ መሰረት ብምግባር እየ። ኣብ ሓተታኡ “ሳንጆርጆ” ካብ እትምስረት 1902 ጀሚራ፡ዘፍረየቶም ንኡዳት ተማሃሮ፡ ካብ ግዜ ጣልያን መሰረተ ታሪኻ፡ ተረኸ። እቲ መወከሲ ዝተጠቕመሉ ብዶክተር ጰጥሮስ ስብሃቶ ዝሃቦ መደረ፡ ኣብ 2009 ዝተገብረ ምትእኽኻብ ተማሃሮ ሳንጆርጆ እዩ። ኣብ ብዙሓት ሰብ ባጀላ ኤርትራውያን መወከሲ ዝጥቀሙ ዉሑዳት እዮም። የተዓዛዝብ ድማ። ካብቶም ዝተጠቕሱ ደገዝማትታት፡ ክልተ ብሉጻት ጀነራላታት ነበሩ፡ ለፍተናንት ጀነራል ሃይለ ባይከዳይ ምስ ሓዎም፡ ዘይምጥቃሶ ደጊምካ የታዓዛዝብ፡ ታሪኽ ምዝባዕ የምስሎዶ?።

ካብ ግዜ እንግሊዝ ክሳብ ግዜ ደርጊ 1941 ክሳብ 1975 ዝፈረዩ፡ ከም መወከሲ ብዉሑዱ፡ ካብቶም ኣብ ቃልሲ ምእንተ ነጻነት ዝተገብረ ተጋድሎ ካብ “ማሕበር ሸውዓተ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር” ብሉጻትን፡ ጅግንነትን፡ ተወፋይነት፡ መስዋእትነት፡ ማእሰርትን፡ ስቓይን፡ ስደትን፡ ብባዕዲ ኮነ ብሰውራ ኤርትር ዝኸፈሉ ዉሑዳት ኣይኮኑን።

ክጥቀሱ ምተገብኦም ዝብል፡ ኪዳነ ክፍሉ (ከበደ)፡ ወልደዳዊት ተመስገን፡ ስዩም ዑቕባ ሚካኤል፡ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ጀነራል ብርሃነ ገርዝጊሄር፡ ተስፋይ ተኽለዝጊ፡ ገረብርሃን ዘርኤ፡ ጀነራል ቢትወደድ ኣብርህ፡ ስዉእ መሲሕ ኣዳላዊ ‘ጥሒሻ” ብህግደፍ ዝሓቐቐ….ወዘተ።

ሕቶ? ንኽቡር ዶክተር ተስፋይ?

ክቡር ዶክቶር ካብቶም ኣስመራ ከረምቲ ከረምቲ ዝመላለሱ ብዓል ጸጋን፡ ብዓል ክእለትን እዩ። ስለ ዝኾነ “ሳንጆሮ” ዝዝክራ ሰኢና እቶም ኣብ ስደት እትነብሩ፡ ዘይተሔድስዋ? ዝብል ምኽርን ምሕጽኖትን ካብ ኣብ ኤርትራ፡ ዘለዉ ሰበ ስልጣንን፡ ተገደስት፡ ከም ዋዛን ቁምነገርን ተበገሰ።

ኣብ ኤርትራ፡ ግዱሳት “ህንጸት ሳንጆርጆ” ዝብል ጎስጎሱ፡ ካብ ኣብቲ “ኣብ ዓድሓሎ ዝነበር፡ዋና ኤርትራ” ንታሕቲ ኣጆኹም፡ ኣጆኹም ተባህለ።

ገንዘብ ብብዝሒ ዝርከብ፡ ኣብ ስደት ብዘለዉ ብዙሓት ብሳንጆርጆ ዝተማህሩ ስለ ዘለዉ፡ መልእክቲ ይሰደድ ተባህለ።ደወል ተደወለ፡ ነጋሪት ተደግመ!!! ተሰካም ቡስጣ፡ ክቡር ዶክተር ተስፋገርግስ ነበረ። ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ፡ ንዝርከቡ ኣረኪቡ ከደ። ካብ 2007 ክሳብ 2009 ጎስጓስ ተገብረ።

“ተፋቐር ከም ሓው፡ ተሓሳሰብ ከም ጓና” ከም ዝብሃል፡ ሽማግለ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ቆመት።ተሓታትነት፡ ግሉጽነት፡ብሕጊ ዝጥየቁ፡ ብሓላፍነት እትሕተት፡(NGO_San Giorgo Development Inc.( 501c3) ብሕጊ መንግስቲ ኣመሪካ ተጀመረ። ብ2009 ኣብ ኣርሊግቶን ቪርጊኒያ ዝተገብረ ምትእኽኻብ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ደቂ ሳንጆርጆ ፈተውትን (1000) ተሳተፉ። ንኤምባሲ ኤርትራ መንበር ተሓዚኡሉ ከምዝነበረ እዝክር። ገንዘብ ድማ ልዕሊ $200,000 ከምዝተወፈየ ዝዝከር እዩ።

ካብ ገለገለ ፈተውቲ “ ከይተቛርጹ ዋላ ጽባሕ ሻዕብያ ወገናዉያን እንተበለኩም፡ ሳንጆርጆ ትንሳኤ ህዝቢ ኤርትራ፡ ክትኮነና እያ” ዝበሉኒውን ነበሩ።

 

ሕቶይ??

ክቡር ዶክቶር፡ ድሕሪ እዚ ዝተገብር ዕዉት ምትእኽኻብ ሳንጆርጆ፡ ኣብ ዋሺንግቶን ዝነብር፡ብኣቶ ብርሃነ ዝተባህለ ኣባል ኤርትራ ኤምባሲ፡ ኣብ ራድዮ ወጺኡ “እዚ ብስም ሳንጆርጆዶ!  ማይደዓሪትዶ! ዓዳዊ ምትእኽኻብ ተቐባልነት ክዋሃቦ ኣይግባእን ከምዝበለ ትዝክርዶ?

ስዒቡ፡ እቲ ኣብ መንደፈራ ዝነበረ ኣማሓዳሪ ካብ ስልጣኑ ተኣልየ፡ ወዮ ሓዲሽ ኣማሓዳሪ፡ ከምዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ከምዝለኸ ክዝርዝር።

1.   ሳንጆርጆ መንግስቲ ክሃንጻ እዩ።

2.   ብስም ሳንጆር ኣኼባ ከይትገብሩ።

3.   ዝተኣከበ ገንዘብ ኣብ ቀረባኹም ዘሎ ኤምባሲ ኤርትራ ኣረክቡዎ።ዝብል ትእዛዝ ካብ መንደፈራ ተላእከ።

ክቡር ዶክተር! እዚ ትእዛዝ መንግስቲ፡ ኣበይ በጽሔ? መንግስቲ ባዕለይ ክሰርሖ አየ ኣይተባህለን ድዩ?  እዚ ካልኣይ ቡስጣ ካብ መን ተላእከ? መልሲ ካብ ክቡር ዶክተር ንኩላትን እጽበ።ዘይ ሓፍር ዘይሃንኽ መንግስትን፡ ሰዓብቱ ሰብ ባጀላ፡ ወረ ዘይስተሩ፡ ስቕተበለ ሰብ ድቃስ ይኸልእካ።

ርእይቶይን ትዕዝብተይን ኣብ ሰብ ግዜን! ሰብ ባጀላ ኤርትራ!!!!!!!!!

ሰብ ባጀላ ክብሎም እመርጽ፡ ሰብ ባጀላ ኤርትራዉያን፡ ከምቲ ኣብ መላእ ዓለም መሰታኦም ዝኾኑ ሰብ ባጀላ፡ ክወዳደሩ ዘይምኽኣሎም እዩ። ልዕሊ 80% ካብ ሚእቲ ሰብ ባጀላ ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ፡ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ከቀባጥሩሉን፡ ክሕለቕሉን፡ ክምሕሉሉን ይርከቡ።

ንክቡር ዶክተር ተስፋገርግስ ዝነበረኒ 1971 ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ኣዳራሽ ህዝባዊ ንሮ እድገት ዝተገብረ ኣስተምህሮ፡ ብምዝካር አየ። ኣብቲ እዋን ተማሃራይ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሴ ዩኒቨርሲቲ ኮይኑ ንመንደፈራ ንሓደ ዓመት ኣገልግሎት ኣብ ዝመጸሉ እዩ።

ኣብ መንጎ ሰማዕትን፡ መሃርትን ኮይኑ መደብ ይመርሕ ነበረ። ሓለንጋይ ተስፋይ፡ ጽፈትን ኣምልኾ ቛንቛ እንግሊዝ ዝድነቕ ነበረ። ኣብ ሕቶን ርእይቶን፡ ምስ ስዉእ ሙሴ ተስፋሚካኤል ብሻዕብያ መንካዕ ኢሉ ዝተቐትለ ተራጸሙ። ሙሴ ልብን ቀልብን ተማሃሮ ሳንጆሮ ሃነን ኣበለና።

እዚ ክቡር ሓወይ ምስ ዕድመን፡ ስደትን፡ ስለ ዝተራኸብና፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክርእዮ ከለኹ ኣብ ዉሽጠይ ሕርኽርኽ ይብለኒ። ንሱ ድማ ኣብ መንደፈራ ዝነበሮ ዘንጸባርቕ ኮኾቡ፡ ሕብሩ እናሃሰሰ፡ ብርሃኑ እናደበነ፡ ናብ ጠቐር ተቐይሩ ብርኣየይ እዩ።

ኣብዚ ሕግን ስርዓትን፡ ኣልቦነት ዘበነ ህልቀት፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ፈቐዳኡ፡ መሰሉ ስኢኑ፡ “ኣይ ንቕድሚት ኣይንድሕሪት፡ ኣይርግኦ ኣይጸባ” ኮይኑ ኣብ ዓለም ተዘሪኡ ዓወንወን እናበለ ኸሎ!!! ኣዋልድ ኤርትራ መጻወቲ መኮነናትን፡ በደዊን፡ ረሻይዳን ኮይነን፡ ተገዲደን ክጠንሳን፡ ክሓርሳን፡ ክግረፋን ክጭቆናን ስቕ ኢልካ ምርኣይስ፡ ኣብ ምንታይ ይቑጸር?።

መንእሰይ ኤርትራ ወዶም ከነ ጓሎም፡ ኣብ ሲናን፡ ኣብ ሰሃራን፡ ኣብ ልብያን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ክርሸኑን፡ ክጥብሑን፡ ልቦም ኮላሊቶም፡ ክሽየጥ ክልወጥ፡ ወዲ ሰብ ከም ኣድገ በቕሊ ኤርትርዊ ክሽየጥ ይውዕልን ይሓድርን ኣብዘለወሉ አዋን፡ ንዓለም ዘስደምም ወሪዱ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ሳንጆርጆ ዝተማህረ ስቕ ኢሉ ክርኢ የስደምም።

ሰብ ባጀላ፡ ዓመት ዓመት እናተመላልሱ፡ “ሃገር ትለምዕ ኣላ” ክብሉ ይስምዑ።

እዚ ክቡር ዶክተር!! ሓደ ሰንበት፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ክሰብኽ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ፡ ካናዳ ገጠመኒሞ! እዋእ ሕጂ ድኣ እንታይ ኢለ ክጽውዓካ? ኣባ ተስፋገርግስ!!!!

ኣባ ተስፋገርግስ!!

ስብከት ክጅምር እንከሎ፡ ክብርቲ ወላዲቱ ብ2009፡ ንመንደፈራ ምስ ከደ ዝተማሕጸንኦ ቃላት 10 ነጥብታት፡ ገሩ ስብከቱ ጀመረ። ንወላዲቱ ነብሰን ይምሓር።

እዚ ዝስዕብ ቃላት ሰንዘራሉ ካብ ዝዝክሮ፡ “ተስፋይ ወደይ!! ምጾታት ኣኺሉ፡ ፍትሒ ጠፊኡ፡ ፍቕሪ ጠፊኡ፡ ሓውን ንሓው ክባላዕ ጀሚሩ፡ ጥልመት፡ ክሕደት በዚሑ…ወዘተ።”

ኣባ ተስፋይ ኣብ ስብከቱ ነዚ ወሪዱ ዘሎ “ ስርዓተ ማፍያ ኤርትራ” ብሓጥያት ህዝቢ ዝመጸ እዩሞ፡ ጾሎት ንግበር እዩ። ኣይትቃወሙ፡ ሕቶ ኣይተብዝሑ፡ ቃልሲ ኣየድልን እዩ።

ኣባ ተስፋ ምስ ግዜን እማንን ዝቀያየር እምነት ሕብርን ዝኾኑ ኮይኑ ይራኣየኒ፡ እዚ ናተይ ትዕዝብተይ አዩ። ተማሃራይ ኮነንካ “ፋኖ ተሰማራ፡ በዱር በገደሉ!! እንደ ሆቺሚኒ እንደ ቸኮቨራ” ብለኒንን ማርክስ ይማሓል ይጠሓል ከምዘይነበረ። ሕጂ ኩሉ ሓሊፉ ተማሂርካ፡ ኣብ ዝብጻሕ ምስበጻሕካ፡ ተመርዕኻ ወሊድካ ዘሚድካ፡ ደቕኻ ኣምሂርካ ኣብቂዕካ፡ ብዕድመውን 70 ዓመታት ዘሕለፉ ሰብ ባጀላ፡ ህዝቦም ሃገሮም ኣብ ዝርመሰሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ማፍያዊ ስርዓት ወጊኖም ክትርኢ ምስምንታይ ይቑጸር።

ኣባ ተስፋይ ኣብ ዝሓዝዎ መጽሓፍ “ጠምየ ዓንገልኩኒ፡ ተኣሲረ በጻሕኩኒ፡ ጸሚኤ ኣስተኹምኒ…ወዘተ”። ንፍትሕን ንሓቅን፡ ንግሉጽነትን፡ ተሓታትነትን፡ ሕጋውነት፡ ቅዋምን ዘይብላ ሃገር እናፈለጡ፡ ኮነ ኢሎም ህዝቢ ከዔውኑን፡ ከደናግሩ ክትርኢ የሕዝን። ብደም ኤርትራውያን ዝተጻሕፈ ኣብ ከውሒ ሲናይ “እዚውን ክሓልፍ እዩ” ከምዘሎ ተረሲዑ፡ ዘገርም እዩ። ሕጂንከ! ሰብ ባጀላ ካብ ሂወት ሰብ፡ ንብረ ወይ ንመንደቕ፡ ክሳብ ክንደይ ክብሪ ከምዝህቡ መግለጺ እዩ።

እምበኣር ክቡር ዶክተር/ኣባ ተስፋይ!!

ክብርቲ ወላዲትካ ዝሃባኻ ምኽሪ ደጊምካ ክትሰምዖን፡ ከተስተማቕሮን ይላበወካ።

“ሰብ ኣሓን ስቕ ኢሎም፡ ሰብ ቆራብቲንከ፡ ይዋግኡ” ኮይኑ ኣሎ።

ሳንጆርጆ መዘከርታ ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ምኻና ክገልጽ ይፈቱ። ሳንጆርጆ ደብሪ ፍልጥት ከም ምኻና መጠን፡ ኮነ ኢሉ ማፍያዊ ስርዓት ኢሳያስ ስለ ዘፍረሳን ዘዕነዋን “ምልክት ጥልመትን፡ ምልክት ዕንወትን፡ ምልክት ድንቁርናን፡ ምልክት ድኽነትን ህዝቢ ኤርትራ እያ” ከም ስልማትና ንወስዶ። ስናጆርጆ ማፍያዊ ስርዓት ምስ ፈረስ ክትህነጽ እያ ዝነበራ ክብራን መዓርጋን ክምለስ እዩ። ኣብዚ ስዓት እዚ ቡስጣታት ማፍያ ምስካምስ መድለየዶ? መእምር ቦኽር ከምዚ ይብል “ቆልመጽመጽ”። “ናይ ሞት ይጽናሕ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ” በሉ ኣባ ትኳቦ ። 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.