Home SACTTISM መልእኽቲ ዓፍራ ንዝረገጹ ኣዳኸርትን እዋናዊ ቅጥዕታት ሚ/ሪ ምክልኻልን

መልእኽቲ ዓፍራ ንዝረገጹ ኣዳኸርትን እዋናዊ ቅጥዕታት ሚ/ሪ ምክልኻልን

1210
0
SHARE

ኣብ ታሪኽ ዓለም ወዲ ሰብ ከይዱ ከይዱ ወይ ናይ ምንባር ወይ ድማ ናይ ምቕጻል ተስፋ ክህልዎ ንቡር እዩ፡፡ ተስፋ ማለት ብሓጺሩ ኣብ ኣማዕዲኻ ትሪኦ ጽባሕ ክነብር እየ ኢልካ ብእምነት ወይ ብምእማን ኣብ ሎሚ ኮይካ ዝተፈላለየ ውጥን ምሕንጻጽ ማለት’ዩ፡፡ ተስፋ ኣብ ውልቃዊ ትምኒትን ባህግታትን ጥራይ ዝምርኮስ ውጥን ዘይኮነ፡ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ንጽባሕ ዘንብር ጥዕና፡ ሞራል፡ ፍናንን ምስ ዝህልወካ ጥራይ እትሓስቦ ክውንነት’ዩ፡፡ ተስፋ ኣብ ውልቃዊ ናብራ ደቂ ሰባት ጥራይ ዝንጸባረቕ ናይ ህይወት ኩነት ዘይኮነ፡ ከም ጉጅለ፡ ውዳቤን ሃገርን’ውን ብጥርኑፍ ዝውጠን፡ ናይ ዘይንፈልጦ ጽባሕ ውህሉል ትልሚ እዩ፡፡ ካብቲ ብጠላማት ህግደፋውያን ተማሪሩ፡ ንኣጻምእ በረኻታት ሳህራ ሰጊሩ፡ ኣብዛ ካልኢት እዚኣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተደርቢዩ፡ ብሓገዝ ኣምላኻ ናብ ኤውሮጳ ክበጽሕ እየ ኢሉ ዝሓስብ ሓደ ኣማኒ ዜጋ ጀሚሩ ክሳብ ብሰንኪ ሽርሒታት ህግደፍን ሰንኮፍ ኣተኣላልያን ፍናኑ ኣትሒቱ ካብ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝረሓቐ ኤርትራዊ ዜጋ ኩሉ፡ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ብተስፋ ዝነብር ወዲ ኣዳም ‘ዩ፡፡ ኣብዛ ዓንኬል ዘለው ደቂ ሰባት ብሓፈሻ፡ ንስውኣቶም ዘይረስዑ ኣብ ቅዱስ ዕላማ ዝርከቡ ሰብ ተስፋ ንሓርነት ‘ዮም፡፡

ብካልእ ወገን ንዓና ንኤርትራውያን፡ እቲ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙ፡ ስቓይ ወገኑ ዘይስቆሮ፡ ሰብ ይኹን ጉጅለ ድማ፡ ተስፋ ዘይብሉ ምስ ነብሱን ምስ ህዝቡ ከብድን ሕቖን ዝኾነ፡ ንጹግ ዘይወዲኣዳም ‘ዩ፡፡ ነዞም ብመልኣከ ሞት ተኸቢቦም ናይ ኣፍ ሞት ሃተፍተፍ ዝብሉ ሰባት፡ ከም ትሕቲ ህልዋት ልዕሊ ምውታት ተስፋ ዝረሓቖም ሰባት ገይርና ንግደፎም፡፡ ሕጂ’ውን እታ መልሓሶም ባዕላ ሚሒር ከም ፈትሊ ቀጢና ትዛረቦ ስኢና ሰማዒ ዘይብሉ ሃተፍተፍ ትብል ኣላ፡፡ ስለዚ ክቡራት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን በዞም ተቋመርቲ ከይተሃመልና ንኺድ ደኣ ናብ ሓርነትን ናብ ስምረትን፡፡

እቲ ካብ ቕዱስ ዕላማ ተበጊሱ፡ ንህዝቢ ኣብ ጎኑ ኣዕሲሉ፡ ትማል መሬታዊ ናጽነት ዘበሰረ ህዝባዊ ግንባር፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ቸቸ ዝበለ ህግደፍ ባዕሉ መሲልዎም፡ ዝተገርሁ ዜጋታት ሓዲግና እቶም ብፍላጥ ምስ ህግደፍ ወጊኖም፡ ስቓይ ህዝብና ዕሽሽ ኢሎም ዘለው፡ ሰብ ረብሓ ኣዳኸርቲ ግን ጽባሕ ተሓተቲ ስለዝኾኑ፡ ኣብ ዘዘለናዮ ኮይና ብኣግኡ ንፍለዮም፡፡ ሓፋሽ “ይንቃሕ ፡ይወደብ ይተዓጠቕ” ተባሂሉ ኣብ ዓራርብ (ሳሕል) ዝተዳለወ ጽሑፋት ኣብ “ቅዳድ ባኮ ጸባ ሳልሳይ ዓለም” ተሓንጢጡ ናብ ተጋደልትን ህዝብን ይፍኖ ከምዘይነበረ፡ ሕጂ ብሉጽ ቴክኖሎጂ ተፈጢሩ ክንሱ፡ ነቲ ንህዝቡ ከንቅሕን ከበራብርን ንዝተበገሰ ዜጋ፡ “ናይ ፌስቡክ ተቓለስቲ” ብምባል ክሰምዩ ያኢ! ህርድግ ምባሎም ሃየንታ ዘይብሎም ሰባት ምኻኖም የምስክሩ ኣለው፡፡ ዕድመ ነዚ ብሉጽ ዘመን እንሆ ግዜ ተለዊጡ፡ ህዝቢ ብሉጽ ሜላታት ተጠቒሙ፡ ጉድን ኣበር ጉድን ጣልማያት ህግደፋውያን፡ ኣብ ጀጅብኡ ይበጽሖ ኣሎ፡፡ ደጊም ኣብ ዓለም ኮይንካ ሓንቲ ጸሓይ እንዳተጸለኻ፡ ካብ ዓለም ትሕበኣሉ መድረኽ የለን፡፡ ስለ’ዚ ኩላትና ይጠቅም እንብሎን ንፈልጦ ዘበለን ዘዝወዓልናሉን፡ ምእንቲ ፍትሕን ርትዕን ኢልና ሕጂ ውን ነቲ ውጽዕ ህዝቢ ክነፍልጦ ኢና፡፡ ኣንቱም ጽንቃቕ ተስፋ ዝረሓቐኩም ኢሳይያሳውያን ከኣ፡ ከምቲ ለባማት ዝብልዎ “ብዘመነ ውቤ ዝጸመመስ ውቤ እንዳበለ ሞተ” እዩ እሞ ከም ልማድኩም “ንኺድ ጥራይ…! ተምጽዎ የብልኩምን…ሓለንጊ ሰውራ…” እንዳበልኩም እታ መቑሕ ፍትሒ ናብ ኢድኩም ክንወድያ ኢና… ሕጂ ‘ውን ግዜ ለኩሉ!

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!!

መርኣያ ሸበድበድ ዝኾኑ ቅጥዕታት ኣብዚ ቅንያት ዳግማይ ተዳሊዮም ናብ ኣሃዱታት ክዝርግሑ ተዳሊዮም ኣለው፡፡ እዞም ቅጥዕታት ንዓመታት ኣባላት ሓ/ምክልኻል ብተስፋ ክጸንሑ “ገለ ዶ ይገብሩልና ይኾኑ?” ኢሎም ክሓስቡ ዝተዳለው’ዮም፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት “ገንዘብ ክወሃበኩም እዩ ዝጥዕመኩም ባንኪ ምረጹ፡ ሓምሳ ሺሕ ናቕፋ ክወሃበኩም እዩ” እንዳተብሃሉ ማእለያ ዘይብሉ ቅጥዕታት መሊኦም ክሰዱ ተገይሩ’ዩ፡፡

ከምቲ ልሙድ ሕጂ ውን ኣብ “ሓዱሽ ዓመት ብሓላፍነት፡ ብማዕርግ፡ ብግድምና፡ ብትምህርቲ ብዝተገብረ ሚዛን መሰረት ዝለዓለ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረልኩም እዩ” ዝብል መናውዒ ዕምሪ ስልጣን ብገለ ሓለፍትን ብ03 ን ክፍኖ ተገይሩ ኣሎ፡፡ ገለ ካብቶም ናብ ሓ/ም ክወርዱ ዝተዳለው ቅጥዕታት እነሆ፡፡ ብዛዕባ ዕሱማን ጠዊላ ዝምልከት ጽሑፍ ምስ ፈነውኩ ቀጺሉ ንሚ/ሪ ምክልኻልን ጎባልል ወትሃደራውያን ሓለፍትን ዝምልከት ሓበሬታ ብተኸታታሊ ምፍናው ክጅምር ምኻነይ እሕብር፡፡

By: SACTTISM

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.