Home SACTTISM እዋናዊ፡ ዛዕባ ሓድሽ ውዳቤታት ግዝያዊ መንግስቲ ኢሳይያስ ካብ ዓዲሃሎ

እዋናዊ፡ ዛዕባ ሓድሽ ውዳቤታት ግዝያዊ መንግስቲ ኢሳይያስ ካብ ዓዲሃሎ

1654
0
SHARE

ከመይ ቀኒኹም ክቡራት!

ቅንያት ቅዱስ ዮውሃንስ ከመይ ሓሊፉ? ርሑስ ቅንያት ኣውደኣመት ክኾነልኩም ደጊመ ይምነ፡፡ ሎሚ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ከም እዋናዊ ዛዕባ ክፍንወልኩም መሪጸ ኣለኹ፡፡

ኣብ ታሪኽ ሃገራት ዓለም፡ ካብቶም ኣዚዮም ግፍዐኛታት ዝበሃሉ ውልቀ መለኽቲ ሓደ፡ ሶላዝ ሳር ወይ ድማ ብሳጉኡ ፖል ፖት ዝተብሃለ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢሲያዊት ሃገር ካምቦድያ ነበር’ዩ፡፡ ካመር ሮግ ተባሂሉ ንዝፍለጥ ሰውራ መሪሑ ብ17 ሚያዝያ 1975 ንርእሰ ከተማ”ታ ሃገር ፖነም ፐነህ ምስተቆጻጸረ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ተራእዩ ዘይፈልጥ ግፍዕታትን ስቅያትን ፈጺሙ ዝሓለፈ መራሒ ኔሩ፡፡ ብስም ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ “ብናጻ ጉልበት” ዘተኣታተዎ መደብ “ጥሙር ሕርሻ” (Collective farms through forced labour) ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ደልሃመት ኣጥሒልዋ እዩ፡፡ ነቲ ዝተሓንጸጸ ፖሊሲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ዳርጋ ኩሎም ዜጋታት’ታ ሃገር ካብ ከተማታት ኣውጺኡ፡ ናብ በረኻታት ብምስፋር፡ ግዳይ ሞት፡ ስቓይ፡ ማእሰርትን መግረፍትን ገይርዎም’ዩ፡፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ብኣዚዩ ዘስካሕኽሕ ፍጻመታት ዝተሰነደ ሰውራ ካምቦድያ፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ውን ታሪኽ ሰውራ ካምቦዲያ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ንስልጠና ካድራት ከም ኣብነት ይጥቀመሉ ነይሩ፡፡ ኣነ’ውን ኣብ ሳሕል ካምቦድያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወታሃደራዊ ክዳን ንተጋደልቲ ይዕደል ከምዝነበረ ይዝክር፡፡ እዚ ብፍላይ ድሕሪ “ምፍቃድ መርዓ” ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ክምርዓው እንከለው ነቲ ካምቦዲያ ክዳን ገልቢጦም ይኽደንዎ ነይሮም፡፡

“ታሪኽ ንባዕሉ ይደግም” ከም ዝበሃል፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ድማ፡ ኣብ ሃገርና ምስ ፍጻመታት ሰውራ ካምቦድያ ዝመሳሰሉ ተግባራት ክረኣዩ ጀሚሮም ኣለው፡፡ ክሳብ ቀረባ፡ ኣብ ታሪኽ ዓለም ስሩዕ ቤ/ጽሕፈቱ ሓዲጉ፡ ኣብ በረኻ ዝሰፈረ መራሒ ሃገር፡ መራሒ ሰውራ ካምቦዲያ ፖል ፖት ጥራሕ ነበረ፡፡ ካብ 2013 ጀሚሩ ድማ ኣባጓይላ ኢሳይያስ ታሪኽ ፖል ፖት ክደግም፡ ምውዓል ምሕዳሩ ኣብ ዓዲሃሎ ጌሩ፡ ካልእ ታሪኽ ይስንድ ኣሎ፡፡ ክልቲኦም መራሕቲ ዝፍጽምዎም ዓይነት ስውር ገበናትን፡ ዝኽተልዎም ፖሊሲታትን፡ ዳርጋ ሓደ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ፡፡ ኢሳይያስ ከም ኣካል “ልምዓታዊ ዞባታት” ኢሉ ዝጽውዖ ፖሊሲ፡ ኣብ 2014 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕተት፡ “ሰብ ናብ ማይ ዘለዎ ይኸይድ’ምበር፡ ማይ ናብ ሰብ ኣይከይድን እዩ” ድሕሪ ምባሉ፡ ዘላቒ ፍታሕ ቀረብ ማይ ህዝቢ ኣስመራ ዝፈትሕ ንክመስል፡ ባዕሉ ናብ ማያት ክወርድ ጀመረ፡፡ ወረ! ነቲ ማያዊ ወፍሪ ዝተዓዘቡ ዜጋታት፡ ኣብ መናድቕ ፌስቡክ “መዋእሉ ኣብ ዕቋር ማያት ክሰኣል ግዚኡ ዘሕልፍ መራሒ” ክብሉ ክጨርቅሉ ተሰሚዖም’ዮም፡፡ ብዝኾነ ኢሳይያስ ቤ/ጽ ጣባ ሓዲጉ፡ ናብ ዓዲሃሎ ካብ ዝሰፍር እንሆ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡

ቤ/ጽ ዓዲሃሎ ውን፡ ንቤ/ጽሕፈታት ጣባን ጎርጉሱምን ተኪኣ፡ ዕዮ ካብ ጀመረትሉ ዕለት ጀሚሩ ሳጓ ወጺኡላ፡ “ታባ ኢሳይያስ” ተሰሚያ ኣላ፡፡ ዝኸበርኩም ኣሕዋት! ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዝሰማዕናዮም “ፖሊሲታት” ምቕያር ወረቐታዊ ባጤራ፡ “ዓለም ለኸ ኤርትራዊ መኸተ ንፍትሒ”፡ “ድየሳ መሬት”፡ “ውዕል ኣካራይን ተኻራይን”፡ “ምሕያል ግንባር”ን ካልኦትን ካብ ታባ ኢሳይያስ ዘዓዲሃሎ ዝተፈነው’ዮም፡፡ “ንምስሳን ጽሩይ ዝስተ ማይ ህዝቢ ኣስመራን መጋቢ ማይ ንዲጋ ማይነፍሒ” ተባሂሉ ኣብ 2013 ወርሒ 10 ዝተበጋገሰ ዲጋ ዓዲሃሎ ካብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ሓሊፉ፡ መኸወሊ ኢሳይያስ’ውን ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኣብ ዓዲሃሎ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ምልስ ኢልና ምስ እንዕዘብ፡ ምስ ፍጻመታት 2001 ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ምምስሳል ከምዘለዎ ይበርሃልና፡፡ ኣብ 2001 ድሕሪ ፍጻመ ጉጅለ-15፡ ኢሳይያስ ብዝሓደሮ ክቱር ፍርሕን ራዕድን፡ ሲቪላዊ ምምሕዳራት ጎሲዩ፡ ኣብ ወትሃደራዊ ጎባልል ክዕቆብ ተራእዩ ነይሩ፡፡ በቲ እዋን ዝተወጥሑ፡ ወትሃደራውያን ሓለፍቲ እንሆ ክሳብ ዘለናዮ ዓመት፡ እቶም ኣብ ምክልባት ህዝብናን ምጉሕጓሕ ጸጋታትናን ዝተዋፈሩ’ዮም፡፡ ሕጂ ድማ ድሕሪ 16 ዓመታት፡ ዓለማዊ ተነጽሎ ኣብ ዝሓየለሉን፡ ህዝባዊ ተቓዉሞታት ኣብ ዝበረኹሉ እዋናት፡ ከምቲ ኣብ 2001 ዝገበሮ ኣብ ዓዲሃሎ ኮይኑ ሓዱሽ ዘይእውጅ ውዳቤ መንግስትን ግንባርን ሓንጺጹ ኣሎ፡፡

ብመሰረት’ዚ “ሓዱሽ ውዳቤ መንግስቲ” ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ስርሓት፡ ኣብ ሚዛን ሓለፍቲ፡ ኣብ ምምሕዳር ዓቕሚ ሰብን ፋይናንስን፡ ኣብ ርክባት ምስ ፕረሲዳንትን ምምሕዳራዊ ጽፍሒታትን፡ ሃገርና ናብ ፍጹም ወትሃደራዊ እዝን ቁጽጽርን ናብ ዘስጋግር መስርሕ ተሸሚማ ኣላ፡፡ ሙሉእ ትሕዝቶ ሓዱሽ ውዳቤ “መንግስቲ ኢሳይያስ” ዝስዕብ’ዩ፡፡

ሀ) ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ንሃገራዊ መርሓ

ኣብ ትሕቲ ኢሳይያስ ብቐጥታ ንኹሎም ሃገራዊ መደባትን ዕዮታትን ክመርሑ 5ተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ተመዚዞም ኣለው፡፡ እዞም ሓለፍቲ፡

1. ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ (ዋና ጸሓፊ ህግደፍ)
2. የማነ ገብረኣብ (ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ)
3. ዑስማን ሳልሕ (ወጻኢ ጉዳያት ሚኒሰተር)
4. ወልደሚካኤል ኣብርሃ (ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር)
5. ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ (ሓላቓ ስታፍ ሓ/ም/ኤርትራ) እዮም፡፡ እዞም ሓለፍቲ ንኹሎም ሃገራዊ ዕማማት ክዓሙን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ኩሎም ሚኒስተሪታት፡ ቤት ጽሕፈታት፡ በዓል መዚታትን ኣገልግሎታትን፡ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ክሳተፉ ተመዚዞም ኣለው፡፡ በቲ ዝወጸ ሓዱሽ ሰርኩላር መሰረት፡ ‘ቶም ካልኦት ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ሓለፍቲ ግንባርን ሚኒስትሪታትን ብቐጥታ ምስዞም ሓለፍቲ’ምበር ምስ ኢሳይያስ ክራኸቡ ኣይፍቀደሎምን፡፡

ኣብ ትሕቲ’ዚ ሓዱሽ ላዕለዋይ ሃገራዊ መርሓ ድማ ብስም “መኸተ ዞባታት” ዝተረቖሐ ካልእ ፍሉይ ኣወዳድባ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ኩሎም ሃገራዊ መደባት ናብ 4ተ ዞባታት ተመቒሎም ክሰላሰሉ ተገይሩ ኣሎ፡፡ እተን ሓደስቲ ዞባታትን ዝተመዘዙ ሓለፍትን ዝስዕቡ’ዮም፡፡

1. “መኸተ ዞባ ምብራቕ”

በቲ ዝጸንሐ ኣወዳድባ፡ ዞባ ደቡባዊን ሰሜናዊን ቀይሕባሪ ዝጥርንፍ ኮይኑ፡ ካብ ወትሃደራዊ ክሳብ ሲቪላዊ መደባት ጠርኒፉ ብሓላፍነት ክመርሕ ዝተመዘ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ‘ዩ፡፡ ብውጽኢቱ ድማ ካሪካረ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ (4 ዞባታት ባሕሪ)፡ ምብራቓዊ እዚ (8 ክፍላተ ሰራዊትን ሓደ ሞቶራይዝድ ብርጌድን)፡ ኣማሓዳሪ 2ተ ዞባታትን 14 ንኡሳን ዞባታትን ብምኻን ተመዚዙ ኣሎ፡፡ ኣብ ትሕቲ ሜ/ጀነራል ካሪካረ ዝርከቡ ኣዛዝቲ፡ ክፍላተ ሰራዊት 12፡ 15፡ 16፡ 25፡ 32፡ 38፡ 67፡ 47ን ብርጌድ 50 ድማ ከም ኣማሓደርቲ’ተን ንኡሳን ዞባታት ኮይኖም ንዝጸንሑ ሓለፍቲ ይጥርንፉ፡፡ ምምሕዳር ዓድታት ድማ ኣብ ትሕቲ ኣዘዝቲ በራጊድ ክጥርነፍ ተገይሩ ኣሎ፡፡

2. “መኸተ ዞባ ማእኸል”

በቲ ዝጸንሐ ኣወዳድባ፡ እዚ ክፋል ንዞባ ማእከል፡ ዞባ ደቡብን መብዛሕትኡ ክፋል ዞባ ዓንሰባን ዝጥርንፍ ኮይኑ፡ ንኹሎም ሃገራዊ ዕማማት ኣብቲ ዞባ፡ ክመርሕ ዝተመዘ ሓላፊ፡ ብርጋዴር ጀነራል ሓዱሽ ኢፍሬም (ወዲ ኢፍሬም) እዩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ሓዱሽ ኢፍሬም ኣዛዚ ማእከላይ እዚ፡ ተወርዋሪ እዚ፡ ኣማሓዳሪ 3ተ ዞባታትን 26 ንኡሳን ዞባታት ኮይኑ ተመዚዙ ኣሎ፡፡ ኣብ ትሕቲ ሓዱሽ ኢፍሬም ዝርከቡ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት 11፡ 13፡ 17፡ 19፡ 22፡ 27፡ 29፡ 31፡ 36፡ 38፡ 42፡ 49፡ 53፡ 55፡ 59፡ 63፡ 525ን ሞቶራይዝድ ብርጌዳት 51፡ 52 ድማ ኣብ ዘዝቖምሉ ከባታት ዝርከባ ንኡሳን ዞባታት የማሓድሩ፡፡

3. “መኸተ ዞባ ምዕራብ”

እዚ ሓዱሽ መኸተ ዞባ፡ በቲ ዝጸንሐ ኣወዳድባ ንዞባ ጋሽባርካን ገለ ከባቢታት ዞባ ዓንሳብን (ክሳብ ሓጋዝ) ዝጥርንፍ ኮይኑ፡ ንኹሎም ምምሕዳራዊን ወትሃደራዊን ጉዳያት ብሓላፍነት ክእዝዝ ዝተመዘ ሓላፊ ድማ ብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ክፍላይ (ማንጁስ) እዩ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ተኽለ ማንጁስ፡ ኣዛዚ ምዕራባዊ እዚን ምክትታል ዶባትን፡ ኣማሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካን ከፊል ዓንሰባን (18 ንኡሳን ዞባታት)፡ ኮይኑ ተመዚዙ ኣሎ፡፡ ኣብ ትሕቲ ተኽለ ማንጁስ ዝእዘዙ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት 18: 21: 23: 26: 33: 35: 37: 46: 48: 57: 65ን ኣሃዱታት ምክትታል ዶባትን ድማ ኣብ ዘዝርከቡለን ከባቢታት ዘለዋ ንኡሳን ዞባታት የማሓድሩ፡፡

4. “መኸተ ዞባ ወጻእ”

ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶን ኣህጉራዊ ጉዳያትን፡ ብቐንዱ ብየማነ ገብረኣብን ብ “ስማዊ” ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ዝዕመም ዝነበረ መደባት፡ ከም ብሓዱሽ ክመዓራረ ተገይሩ ኣሎ፡፡ ሕጂ’ውን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ “ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት” ተባሂሉ ዝተመዘ ወግዓዊ ሓላፊ ባዕሉ ዑስማን ሳልሕ ኮይኑ፡ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ጽምዶን፡ ምክትታል ዜጋታትን፡ ምስኡ ብሓባር ክዓዩ ክልተ ሓለፍቲ ተመዲቦም ኣለው፡፡ ንሳቶም ድማ ሓላፊ ፖ/ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብን ሓላፊ ክፍሊ ወጻኢ ስለያ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኮሎኔል ጋይም ተስፋንኪኤልን’ዮም፡፡ ኣብ ትሕቲ’ዚ “መኸተ ዞባ ወጻእ” ተባሂሉ ዝቖመ ውዳቤ ካብ ዝተዘርዘሩ 19 ዕዮታት፡ ብኮሎኔል ጋይም ዝዕመሙ ተባሂሎም ዝተጠቕሱ መደባት፡ ምክትታል ተቓወምቲ ጉጅለታት ኤርትራን ኣገድስቲ ውልቀ ሰባትን፡ መሓውራት ጸጥታ ማሕበረ ኮማትን መንእሰያት ህግደፍን፡ ምንቅስቓሳት ጎረባብቲ ሃገራት (ብፍላይ ኢትዮጵያ፡ ጁቡቲትን ክልቲአን ሱዳንን) ዝብሉ ይርከብዎም፡፡

ሓዱሽ “ወትሃደራዊ ኣወዳድባ ስርዓት ህግደፍ” ብዓይነቱን ብትሕዝቶኡን ምስ እንዕዘብ፡ ኢሳይያስ ክንደየኡናይ ኣብ መጻብቦ ከምዝኣተወ ይበርሃልና፡፡ ንኹሎም ሃገራዊ ዕማማት ንምፍጻም ኣብ ዝግበር መሓውራት ርክብ፡ ምደባ ዓቕሚ ሰብን ምስላዕ ባጀትን ድማ ኣብ ታሪኽ ብዙሕ ኣበርክቶ ብዘይነበሮም ብሓደስቲ እሙናት ቆጣቑጢ ክምራሕ ይገብር ኣሎ፡፡ ኣብ ኣርባዕቲኦም “መኸተ ዞባታት” ዝተመደቡ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቶም ንኢሳይያስ ኣብ ዓዲሃሎ ብቐጥታ ክረኽብዎ ዝተፈቕደሎም እዋናውያን ጎባልል እዮም፡፡ ኣብ ስርዓተ ቁጽጽርን ኣመዳድባ ዓቕሚ ሰብ፡ ባጀትን ቀረብ ጠለባትን ድማ ኣብ ቀጽሪ ዓዲሃሎ፡ ገጀረትን እንዳኮርያን ቤትጽሕፈታት ተፈሊዩሉ፡ ሓጎስ ኪሻ በይኑ ብሒትዎ ንዝነበረ ስልጣን ክሻመ ዝተመደበ ሓላፊ ተለንተ ቴድሮስ ተመልሶ ይበሃል፡፡

ተለንተ ቴድሮስ ተመልሶ፡ ኣባል ቤት ትምህርቲ ሰውራ ነበር ኮይኑ፡ ኣብ ዓዲ ሃሎ ብዝቖመ ሓዱሽ ሃገራዊ ኣወዳድባ “ሓላፊ ሃገራዊ ምውህሃድ ሞያዊ ጸጋ ሰብን ስርዓተ ምሕደራን” ተባሂሉ ዝተመዘ’ዩ፡፡ ኣብ ኩሎም ሚኒስትሪታት እንኮላይ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ዝርከብ ጸብጻብ ዓቕሚ ሰብ፡ ስርዓተ ክፍሊትን ምሕደራን ኣብ ትሕቲ ፕረሲዳንት ብምኻን ክቆጻጸር ተመዲቡ’ሎ፡፡ እዚ ውልቀ ሰብ ብርክት ንዝበሉ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ ተወዚዑ፡ ተሓዚ ገንዘብ ማሕበር ምትሕግጋዝ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ’ዩ፡፡

ክብራት ኣንበብቲ!!

ዛጊት ብወግዓዊ መገዲ ንህዝቢ ዕላዊ ከይተገብረ፡ ኣብ ግብሪ ዝውዓለ፡ “ሓዱሽ ሃገራዊ ኣወዳድባ መንግስቲ” ዝምልከት ሓበሬታ ብሓፈሻ ነዚ ይመስል፡፡ እዚ ከምቲ ልሙድ ንገለ ሓለፍቲ “ሰንፈላል” ንገሊኦም ድማ “ናብ ሰብ ግዜ” ዝለወጠ ሓዱሽ ኣወዳድባ፡ ብኣግኡ ብዙሕ ጸገማትን ምትፍናንናን ይፈጥር ኣሎ፡፡ ኣብዚ ሓዱሽ መስርሕ፡ ካብቶም ንግዚኡ ብ”ሰንፈላል” ክቕንዩ ዝተደለዩ ቤ/ጽሕፈታት ሓደ፡ ብብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ዝምራሕ ሃገራዊ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን እዩ፡፡ ብጀካ’ቶም ዝተመዘዙ ሓለፍቲ “መኸተ ዞባታት” ንኢሳይያስ ብቐጥታ ኣብ ዓዲ ሃሎ ክረኽቡ ዝተፈቐደሎም ኣካላት ጸጥታ፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብ/ጀ ጠዓመ ጎይቶኦም (መቐለ)ን ኮ/ል ጋይም ተስፋንሚካኤል ጥራይ’ዮም፡፡

ብሓፈሻ ኢሳይያስ ከምቲ ኣብ 2001 ኣብ መጻብቦ ክጥሕል እንከሎ፡ ኣብ ትሕቲ ወትሃደራውያን ጎባልል ክዕቆብ ዝፈተነ፡ ሕጂ ‘ውን ግዜ ቆጺሩ ንዘጓነፎ ህዝባዊ ተቓዉሞታትን ዓለም ለኻዊ ተነጽሎን “ንምምካት” ብስም “መኸተ ዞባታት” ዘንቀደ ካልእ መኸወሊ በዓቲ ኣዳሊዩ ኣሎ፡፡ እምበኣር ከምቲ ልሙድ ሕጂ ‘ውን ኣብ ኣጋ ዕርበት ካብ ታባ ዓዲሃሎ ብዝገሃዱ፡ “ኢሳይያሳዊ መናውራታት” ከይተዳህለልና “ጫቒት ጻሕቲራ ንትረኽቦም” ሽጣራታት ሰሚርና ክንብድሆም እላቦ፡፡

ወደሓንኩም!

ምንጪ ካብ፡ Sacttism

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.