Home ዜና ትግርኛ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ!!!

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ!!!

2016
0
SHARE

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ!!!

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ካብ ዓለም መጀመርያ ቤተ ክርትስትያን እያ።  ሃዋርያ ማትዮስ፡ ኣብ ምድሪ ሓበሻ ኣጠሚቑ፡ ክምለስ እንከሎ ኣብ ካርቱም ሱዳን ዓረፈ። ከም ኡውን ኣደና ድንግል ማርያም ንጎይታን ዮሱስ ክርስቶስ ካብ ንጉስ ሄረድስ፡ ንኸይቀተሎ፡ ኣብ ከበቢ ደብረሲና፡ (ኣውራጃ ሰንሒት) መጺኣ ነበርት ዝብል ይዝንቶ።( ንሓቅነቱ ንተማራመርቲ ይግደፍ)።መጻሕፍቲ ብራናታት ኣብ ዓበይቲ ዩኒቨርሲታት ዓለም ምስ ክርነቱ ክገልጽ ይኽእል ይኸውን።

እሞ!!!!!ሕጂ ድኣ፡ እንታይ ተረኽበ?
እዛ ቤተ ክርስትያን! እዚኣ፡ ምስ ግዜን ኩነታትን ዓለም ኣይተጓዕዘትን ጸኒሓ።ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ሲነዶስ ኢትዮጵያ፡ እንተ ኾነትውን ብዘበናዊ ዝተማህሩ ሓደ ኣቡን እዩም ፈርዮም። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ መቃርዮስ እዮም።ኣቡነ መቃርዮስ፡ ኣብ ስደት ምሳና ዝተዓቕቡን፡ ስብከተ ወንገላውነቶም፡ ክስብኩን ክምህሩ ጸኒሖም፡ ብ24 ግንቦት 1991 ኤርትራ ነጻነት ተረኽበ ኢሎምውን ንሃገሮም ተመልሱ። ኣብ ሲነዶስ ምስረታ ዓቢ ግደ ነበሮም። ኣቡነ መቃርዮስ ብ ሸሞንተ ቛንቛ ክባሩኹን ክቕድሱን፡ ብቅዓት ዘለዎም፡ ብኣካዳሚክስን እኹል ትምህርቲ ዝቐሰሙ እዮም። ስለምንታይ ኣብ ሓጺር ግዜ ንዝሓለምዎን፡ ንዝደለይዎን ኣብ ግብሪ ከይኣውዓልዎ ንስደት ተመልሱ? ንምንታይከ? ብጾቶም መነኩሳት ኤርትራ ኣሕሊፎም ሃብዎም?

ህግደፍን ተዋህዶ ርክባቶም!!!!!
03 መርበብ ህግደፍን ምስ ገለገለ ደብተራታትን፡ መነኮሳትን፡ ካህናትን፡ ዕሸላት ዲያቆናትን፡ ብምትሕብባር፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዘድልን ዘየድልን ፈጠራታት እናተፈጥረ፡ ምስራሕ ከልእዎም። ኣብ ቤተ ክርትያን ሙዚቃ፡ ፒያኖ፡ ታቱላ፡ መናፍሕ… ወዘተ። ኣቡነ መቃርዮስ ናይ መጀመርታ ግዳይ ህግደፍ ክኾኑ ከለዉ፡ ንስደት ኣምርሑ።  ምስኦም ይተሓባበሩ ንዝባሃሉ ከም፡ ኣባ ተወልደብርሃን ኣበ ምነት፡ ደብረ መንቀርዮስ ቆላ ሰርየ፡ ማእሰርት መግረፍትን፡ ገጠሞም፡ ኣብ ሓጽር ዕድመ ተቐዝፉ።

ስዒቡ፡ ነቶም ነዊሕ ጠመተ ዝነበሮም፡ ቐሺ ግብረመድህንን ፡ ቐሺ ፍጹምን (ዶክቶር) ኣብ ካርሸሊ ይማስኑ ኣለዉ። ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ፓትርያርክ ቅዱስ ሲነዶስ፡ “ደቀይ ኣሲርካለይ ፍትሓዮም” ኢሎም ነዚ ገበል ኤርትራ ኢሳያስ ኣትሪሮም ስለ ዝሓተቱ፡ ካብ ስልጣኖም ክወርዱን፡ በይኖም ኣብ ዕጹው ገዛ ይልለዉ ምህልዎም እዩ፡ ዝንገር ዘሎ። ኣቦና ኣንጦንዮስ ሽግርን መከራን ክወርዶም ከሎ ሰሚዕና፡ ኡይ!!!!!!!ዘይበልናሎም፡ እዚ ጸሓፊ፡ ኣቦና ኣብ ዘለዉ ኣልዮም፡ መንፈሶም ኣይፈለየና፡ ብህግደፍ ንዘናፍሶ ሰሚዕና ዘይምክልኻልና ይቕረታ ንኽገብሩልናን፡ ንልምን። ህግደፍ፡ ንኣቦና ኣንጦንዮስ፡ ምስ ጰንጣቆስጠ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ምስ ቐሺ ገረመድህንን ዶክ ፍጹምን $700, 000 ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ተረኺቡ ዝብል መንፍሕ 003 ገርካ ንህዝቢ ከምዘዔወነ ዝዝከር እዩ።

ሲነዶስ ኤርትራ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ቤተ ክርስታናትን፡

  1.     ሲኖዶስ ቀዳማይ ስራሖም ስብከተ ወንገል፡ ሃዋርያዊ ተግባራት፡ ስነ ምግባራት፡ ምእመናን ኣፍልጦ እምነቶም ንምዕሟቕ እዩ።
    2.    ጳጳስ፡ ካህን ይቐብእ፡ ድያቖን ይቐብእ፡ ስነ ምግባር ካህንን ምእምናንን ሃዋርያዊ ተልእኾ ክስስን፡ ይከታተል።
    3.    ሲነዶስ ወይ ጳጳስ ምስ ዓድታት ርክቦም ከመይ ጸንሔ ክስብ 2017? ነፍስ  ወከፍ ዓዲ ከም ዓቅማን፡ ብዝሓን ቤተ ክርስትያን ትሰርሕ። ንሲነዶስ! “ታቦት” ሃቡና ኢላ ምስ ሓተተቶም፡፡ ሕቶ ዓዲ ተራእዩ ይግብኦም ወይስ ይፈቐዶም ምስተባህለ ታቦቶም ሒዞም ንዓዶም ይኸዱሞ! ጽምብል ገሮም የመርቕዎ፡ ጳጳስ መጺኦም አንተባረኹ፡ ይምዕርግን ይኸብርን ይረዝንን።
    4.    ኣብ ስደት ቤተ ክርስትያናት ክቖማ ከለዋ፡ መጀመርታ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ (ቀደም መጸውዒ ኣባ በጥሮስ) ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ተመስረተት። ብኣባላታን ብምእምናታትን፡ ብዝግበር ጉባኤ “ሰበኻ ጉባኤ” ይምረጹ ነበሩን፡ ኣሎውን። ቀጺለን በብ ከተማኤን ቤተ ክርስትያናት በዝሓ።
    5.     ቤተ ክርስትያን፡ ንብረት ናይ እቶም ዘቖሙ ደቂ ማሕበር ምእመናን፡ ሓላፍነት ይውሰዱ ድኣምበር፡ ቤተ ክርስትያና ናይ ኣማናይ እዩ። ዋንነቱ ብኣመንቲ፡ ደቂ ማሕበር፡ ዝመረጽዎም ሰበኻ ጉባኤ ይማሓደር፡ ካህን ይቖጽሩ፡ ካህን ብዝተገብረሉ ውዕል፡ይቕየድ፡ ሰበኻ ጉባኤ! ንብረት ይሕሎ፡  ንኽዓቢ መጽናዕቲ የካይዱ ወይ ምስ ዝኸስር፡ንብረት ቤተ ክርስትያን ዝነበረ፡ ንኣባላት ኣይማቐልዎን! እንታይ ድኣ? ንዝብል ንዘይ ንግዳዊ ማሕበር ይዋሃብ (NGO)። እዩ ዝብል መቐየዲ ሕግታት ምዕራባውያን።
    6.    ካህን፡ መለኮታዊ ወይ መንፈሳዊ ተልእኾ ይፍጽም። ኣብ ንብረት ቤተ ክርስትያን ከመሓድር፡ ህርድግ ክብል የብሉን።
    7.    በዚ መሰረት ካህን ስደዱልና፡ ታቦት ይዋሃበና? ዝብል ሕቶታት ይቐርብ ነበረ።ሲነዶስ ድማ ካህንን ታቦትን ይሰዱ ነበሩ።

ሲነዶስ ኤርትራ ሃዋርያዊ ተግባራ ትፍጽምዶ ኣላ? ኣይፋላን እዩ! መልሲ! ከመይ ንዝብል እንሆ። 

  1.    መጀመርታ፡ ሃዋርያዊ ተልእኮ ክሳብ ሰማእታትነት! ምዃኑ ዘንጊዓ፡ ኣቦታት፡ኣቡነ መቃርዮስ፡ ስዒቡ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮ፡ ቐሺ ገረመድህን፡ ዶክቶር ፍጹም፡ ክድፈሩን ክገሃሱን እንከለዉ ኣጽቂጣ ወይ ኣጽቂጦም።
    2.    ካህናት ብረት ንኽሕዙ ስቕ ኢሎም ክርእዩ ኣይነበሮም፡ ካህን መስቀልን ካልሽንን ብሓደ ኣይከዱን እዮም።
    3.    ዲያቆናት፡ መነኮሳትን ኣብ ሸዊት ዕደመኦም ንሳዋ ክግፈፉ ስቒሎም ብምርኣዮም፡ ድንግልናኡ ዘይተዓቀበ ንወልደ ክህነት ስለ ዘይበቅዕ እናፍለጡ
    ንሽላ፡ ኣሕሊፎም ሃብዎም።
    4.    ሓደ፡ ሓደ ካህናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብ ስደት፡ ስነ ምግባሮ፡ ጎደሎ፡ ስንኩፍ፡ ዘንባዕ፡ ንንዋይ ህሩፋት፡ ስጋዊ ስስዕቲ፡ ኣድልዎነት፡ ፍትሒ ምርጋጽ፡ ኣብ መንጎ ኣባልት ምፍልላይን፡ ሻራይ ሻራኻ፡ እናፈጠሩ እናራኣዩ፡ መኤረምታ ዘይምውሳዶም።
    5.    ካብ ካህን ዘይትጽበዮ ኣብ ዘየድልዮም ፖለቲካዊ ቆምጣዕጣዕ እናበሉ፡ ኣብ ክንዲ ምእራም፡ ሸለልትነት፡ ምእመነን ጉቡእ፡ ክብርን መንፈሳዊ ኣባትነት ተነፊጉና ኢሉ ኣብየት እናበለ፡ መፍትሒ ዘይምርካብ።
    6.    ኣብ ስደት ንዝቖማ ኣብያተ ቤተክርትያናት፡ ብሕግን ስርዓትን ኣብ  ዝነብራሉ ሃገራት ዘግነትን፡ ንብረት ሃገራትን ምዃኑ እናፈልጡ!!! ንሕና ዝበልናኩም ግበሩ። “ካህን ኣቦ መንበር ሰበኻ ጉባኤ እንተዘይኮይኑ፡ ከቢድ መንፈሳዊ መቕጻዕቲ ክወርደኩም እዩ”። በትሪ ከዋጣውጡ ይረኣዩ ብምህላዎም።
    7.    ንሽዱሽተ ቤተ ክርስትያናት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከባን፡ ን10 ካህናትን፡ን13 ኣቦ መንበራት ሰበኻ ጉባኤን፡ ሓድሽ ምርጫ ክትገብሩ ክስብ 31 ሓምለ 2017። እንተ ዘይገበርኩም ኣብኣ ትርኽብዋ። ዉግዘት ተቐሪቡ ምህላዉ።
    8.    ንኣቶ ተኪኤ ስዩም፡ ሲነዶስ ናይ ካድረ፡ ቃላት ክጥቀም፡ ዘልፋ ካብ ወልደ ክህነት ክወጽእ!! ንሓደ ክቡር ሰብ ኣይግባእን። ብ19 ግንቦት 2017 ተኣኪቦም ብምሉእ ድምጺ ኣገግሎት ከይረክብ፡ ይሰጎግ ዝብል ብምውሳኖም።ዓገብ!!!!ዓገብ!!!!ዓገብ!!!
    9.    ኣብ ሲናን ሰሃራን፡ ኣብ ባሕሪ ንዝጠለቑን፡ ዝጠልቁ ንዘለዉን፡ ህዝብና፡ ብጥምየት ተዓጺፉ ኣብ ገዛኡ፡ እናሞተ፡ ስድራቤታት፡ ፋሕብትን ኣትይዎም፡ ሃገርና በሪሱ እናረኣዩ፡ ካልእስ! ይትረፍ፡ ነዚ ወሪዱ ዘሎ መከራን ሽግርን ጾምን ጾሎትን ክገብሩ ዘይምኽኣሎም።
    10.    ሓደ ሓደ፡ ካህናት ተዋህዶ ኣብ ስደት፡ ሰዓብቲ፡ ሲነዶስ ኤርትራ ብኣስመራ ዝምርሑ፡ ዓይኖም እናረኤ፡ ሃገርና ጽቡቕ ኣላ እናበሉ ኣብ ሰላምዊ ሰልፍታት፡ ዘይፍትሓዊ፡ ተግባራት ኣጸያፍን፡ ዘይ መንፈሳውን፡ ክግበር ከሎ፡ ስቕ ብምባል ኣፍቀዱ።
    11.    ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ 15% ዕሽር ንክኸፍል ይማጎቱ ምህላዎም፡ ዘይ ፍትሓዊ፡ ዘይ ሕጋዊ፡ ኣብ ዘይ ምልከተካ ሃገራት ዜጋ መሰልን፡ መንነትን ምግሃሶም የርኢ።  

ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ሲነዶስ ዝመርሑ ዘለዉ፡ እንተ ብፍላጥ፡ እንተ ተገዲዶም፡ ስራሕ ካድረ ህግደፍ፡ ተግባራት ይፍጽሙ ስለ ዘለዉ፡ ብጽሞና፡ ርኢኹም፡ ተዓዚብኩም፡ መሰልኩም ግደታኹም፡ ፈሊጥኩም፡ እዚ ኣብ ኦርቶዶክስ ዝኽሰት ዘሎ፡ ዘራጊ ፍቕሪ፡ ፈላላዪ ሕውነት፡ እምነተ ጎዶሎ፡ ዘንባዕ ተልእኮ፡ ዘይ ሃዋርያዊ ፍጻሜ፡ ይግበር ኣሎ። “ገንዘብ ጸላኢኻ፡ ትረኽቦ ብኢድ ፈታዊኻ” ከም ዝባሃል። ኣብ ስደት ሰላም ንኸይነብር ዝግበር ተጻብኦ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ካብቶም ብሓደራ ቤተ ክርስትያኖም ክሕልዉ፡ ቃሎም ዘይ ዓጸፉ፡ ክሳብ ሕጂ ምእንቲ ህዝቦም ዝበኽዩ ዝነብዑን ዘለዉ፡ ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስ ምስ ምሉእ ጥዕናኦምን፡ ኣፍልጦኦምን፡ ንኽህሉ ኣምላኻ በረከቱ የንብረሎም። ንኣቦና ፓትርያርክ ብጽእ ወቅዱስ ኣንጦንዮ፡ ንእምነቶም፡ ንቤተ ክርስትያኖም፡ ኣብ ሓለዋ ከለዉ ንዝወረዶም፡ ግፍዕን መከራን፡ ብጾቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎም ይዘከር፡ ከም በጥሮስ ጳውሎስ፡ የውሃንስ፡ ንኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከድሕኑ ከም ዝተበጀዉ ንኣምን።

ኣምላኽ ንህዝብና ሃገርናን፡ ፍትሕን ሰላም፡ በረከትን፡ ከውርደላ መራሕቲ ሃይማኖት ኣቦታት ሱባኤ ኣትዮም ሃዋርያዊ ተልእኮ ትምህርቲ ክርስቶስ፡ ክምህሩን ክሰብኩን፡ ንጽልየሎም።

ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ!!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 24 ሰነ 2017

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.