Home Archive ውሳኔ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት-ሃገራት ኣብ ልዕሊ ማፍያ ህግደፍ

ውሳኔ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት-ሃገራት ኣብ ልዕሊ ማፍያ ህግደፍ

1166
0
SHARE

ውሳኔ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት-ሃገራት ኣብ ልዕሊ ማፍያ ህግደፍ

ኩቡራት ኣንበብቲ መደብ ንሰላም፡ ብሕጽር ዝበለ ኣገባብ መረዳእታ ህዝብና ክርደኦን ክፈልጦም ኣለዎ ኢልና ዝሓሰብናዮ ካብቲ ነዊሕ ጹማቛት ጽሑፋት ሓጺር መረዳእታ ንኸይስልችወኩም መታት ብሕጽር ዝበለ ጽሑፍ ነቕርበልኩም።

እቲ ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ማፍያ ህግደፍ ዝተወሰደ ውሳኔ ናብ ኩለን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘጣቓለለ ማሕበራት እቲ ውሳኔ ተዋሂቡሎ። ናይዞም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓቢ ታራ ዘለዎም ማሕበራውያን ማለት እቶም ሹዱሽተ ( Organization – ኦርጋኒዛሹን ) ኣካላት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሓውር እዮም። ንሳቶም ከኣ በዞም ሹድሽተ ኣካላት ሓቢሮም ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝባሃሉ ኢዮም።

ንምፍላጦም መኖም ምዃኖም ኣዚዮም ኣገደስቲ ስለ ዝኾኑ ንኣፍልጦ ሓፈሻዊ መረዳእታ ንኽህልወና ሓጋዚ ስለ ዝኾነና ንሳቶም እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡-

  1. ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓፈሻዊ ጉባኤ ጀነራል ኣሰምፕሊ ( General Assembly )
  2. ዓለማዊ ናይ ሕጊ ቤት-ፍርዲ ኢንተርናሽናል ኮውርት ጃስቲስ ( International Court Justice )
  3. ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸትታ ሰኩሪቲ ካውንስል ( The Security Counsil )
  4. ቤት-ምኽሪ ኤኮኖሚያዊ ማሕበራዊ ጉዳያትን፡ ኤኮኖሚ ሶሺያል ካውንስልን ( Economic Social Council )
  5. ቤት-ምኽሪ ባዓል ሓደራ ተወኪሉ ዝሰርሕን ዘተግብርን ትራንስፈር ሽፕ ካውንስል ( Transfer Chip Council )
  6. ቤት-ምኽሪ መዛግብን፡ ጽሕፈትን፡ ሰግረታሪያትን እዮም።

 

በዞም ኣብያተ ምኽርታት እዚኣቶም ተማሓላሊፉ ዝስራሕ መስርሕ ነንዝምልከቶም ጉዳዮም ኢሪኡን ኢውስኑን ኢሰርሑን። በብጉዳዮም ንናብናይ ገበናት ብዝተፋላለየ ሰብኣውነት መሰላት ኣብ ዝጋሃስሉ እዋን ናብዚኣቶም ኢዩ ዝማሓላለፍ። በዚ መሰረት በቲ ልሙን ኣሳራርሓን ተሞክሮን ናይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት መስርሕ ኢካየድ።

ብቀትታ ናብ ባይቶ ጸትታ ኢኹን ናብ ኤኮኖሚያዊ ማሕበራዊ ጉዳያትን ካልኦትን ኣካላት ዝሓልፍ መስርሕ የለን። ኩሉ በብመስርሑን ብሕግን ብስነስርዓትን ዝኾነ ኣጋባብ ኢዩ ዝኸይድ።

ብዛዕባ እቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምግሃስ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከም ዝተፈጸመ ኣብ ጉዳይ ማፍያ ህግደፍ መስርሕ እንተወሲድና ካብዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ሹዱሽተ ኣካላት ማኽበራውያን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብዚኣቶም እቲ ናይ ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸትታ ወይ ሰኩሪቲ ካውንስል ( The Security Counsil ) ኢዩ። ስለዚ ናይ ማፍያ ህግደፍ ገበን ምስ ጸትታ ዝታሓሓዝ ስለ ዝኾነ።

እቲ ኣብ ጀነቫ ዝሓለፈ ሪዞሎሹን ( Resolution ) ማለት ቢይን ወይ ውሳኔ ናይ ማፍያ ህግደፍ ክሲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መስከረም ኣብቲ ኣብ ኒዩዎርክ ዝጋባእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናብ ጀነራል ኣሰምፕሊ ኢዩ ክቐርብ። ሓፈሻዊ ጉባኤ ናብተን ሹዱሽቲኤን ማኽበራውያን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክዝርጎሖ ኢዩ።

ኣብዚ ክርዳኣና ዘለዎ ሓደ ነገር ኣሎ ብሩህ ኮይኑ ከነስተውዕለሉ ይግባእ። ጉዳይ ማፍያ ህግፍደፍ ብሓድሽ መስርሕ ወይውን ሓድሽ ፋይላት ዝኽፈት ጉባኤ የለን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ነዚ ጉዳይ እዚ ክርደኦ ኣለዎ።

እቲ ንመራሕቲ ህግደፍን ገበናቶምን ሳዕቤናቶምን ዝምልከት ኣብ መበል ሳላሳን ክልተን ኣኼባ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ጀነቫ ብኹለን ኣባላት ሃገራትን ብመርማሪት ኮምሽነርን ዝተወሰነን ዝጸደቀን ዝሓለፈን ጉዳይ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ኒዩዎርክ ዝጋባእ፡ ነታ ጉዳይ ወይ ነታ ፋይል ብቐትታ ናብ ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸትታ ሰኩሪቲ ካውንስል ኢዩ ነታ ጉዳይ ንኽመርሓ ዘማሓላልፋ።

ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸትታ ሰኩሪቲ ካውንስል ነቲ ብኣባላት ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ብመርማሪት ኮምሽንን ኣብ ጀነቫ ዝሓለፈ ጉዳይ ጸዲቑ ዝመጾ ውሳኔ በቲ ልሙድ ኣሳራርሑን ተግባርነቱን ከከምዘለዎ ኢዩ ዝቕብበሎን ዘጽድቖን ንትግባረ ዝመርሖን። ኣብዚ መስርሕ እዚ ንዝተፈላለያ ሃገራት ብኣብነት እንተወሲድና ናይ ሲድ-ኮሪያ ክረኤ ኢካኣል’ዩ ብኾምኡ ከኣ’ዩ እቲ መስርሕ ዝሳላሰል።

ብተወሳኺ ሓደ ካብቲ ኣብ ጀነቫ ዝሓለፈ ሪዞሎሹን Resolution ማለት ቢይን ወይ ውሳኔ ኣብ ጉዳይ ውሳነ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንቤት ፍርዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ናይ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ገበናዊ ቤት-ፍርዲ ( African Union Court of Justice ) ከምኡውን ናይ ሮም ውዕል ( Rome Statute ) የሕሊፉ ኣሎ። ሃገራት ኣፍሪቃ እተን መብዛሕትኤን ዝኸተማሉ ውዕልን ዝተሰማማዓሉ ዓለም ለኻዊ ኣባል ኣፍሪቃዊ ማሕበራት ናይ ኣባልነት ኣወዳድባ ዘለወን ኢየን። 

ሓደ ካብኡ፡-

  • ኣብ ሕጋዊ ቤት-ፍርዲ ናይ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን Africa Union court of Justice 
  • ብሮም ውዕል Rome Statute ዝፍለጥ ንሰብኣዊ መሰላት ዘኽብር ሕግን ቤት-ፍርድን ( International Criminal Court ICC ) ኢንተርናሽናል ክሪሚናል ኮውርት ኣይሲሲ ዘጠቓለለ ኢዩ።

ማፍያ ህግደፍ ኣብዚ ኣባልነት ናይዚ ማሕበር እዚ ከምዘይ ፈረሙን ኣባል ከምዘኮነን ተፈሊጡሎ።

ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ዝግበሩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት በዚ ትካል ኣቢሉ ኢዩ ንኽካታተልን ንኽሰርሕን ዝውስንን። ውዕል ሮም ( Rome Statute ) ብኢንተርናሽናል ክሪሚናል ኮውርት ኣይሲሲ( International Criminal Court ICC ) ዝፍለጥ ብዛዕባ መሰል ሰብኣውነት ዝምልከቱ ጥርዓናትን፡ ዝሰምዕ፡ ዝጣበቕ፡ ዝሕግግን፡ ንዳንነት ዝመርሕን፡ ኣባልነት ዝኸተማሉ ሃገራት ኣፍሪቃ ስምምዕን፡ ኣባታት ዘለዎ ሃገራት ዓለም ዝተሰማማዓሉን ኢዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ወርሒ መስከረም 2002 ዓ.ም. ሕጋውነቱ ነዲፉን ኣጽዲቑን ዝሰርሕን ዝቖመ ትካል ኢዩ።

ማፍያ ህግደፍ ኣባልነት ስለዘይብሉ ስለዝኾነ እዩ ብቐትታ ብባይቶ ጸትታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ናብ ኣህጉራዊ ገበናት ቤት-ፍርዲ ኢንተርናሽናል ክሪሚናል ኮውርት ኣይሲሲ ገበናቶም ክማሓላለፍ ዝተገደደ።

ቤት ምኽሪ ባይቶ ጸትታ ሰኩሪቲ ካውንስል ኣብቲ ወርሒ መስከረም ኣብ ኒዩዎርክ ዝጋባእ ጉባኤ ነቲ ናይ ማፍያ ህግደፍ ጉዳይ ኣጽዲቑ ናብቲ ናይ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ቤት-ፍርዲ ክመርሖን፡ ቤት-ፍርዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ከኣ ብዑቱብ ክታሓዞን ማዓልኡ ከብጾሖን ምክትታል ዘይፍለዮ ናይ ባይቶ ጸትታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ኢዩ።

ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ብመሰረት እቲ መርማሪት ኮሚሽነርን፡ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላትን ዘሕለፍዎ ውሳነ ኣብናይ ኒዮዎርክ ጉባኤ በታ መርማሪት ኮሚሽነርን ናይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ናይ ክልተ ዓመት ስርሓ ዓጺያ ወዲኣያ። ንልዕሊ ክልተ ዓመት ማንደት ወይ ትሰርሖ ሓላፍነት የብላን።

እቲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብመራሕቲ ህግደፍ ዝኸይድ ዘሎ ክሳብ ዘየቋረጸ፡ ክሳብ መወዳእታ እግሪ እግሮም እንዳኸደት እትከታተሎም ሓንቲ ማሕበር ኣላ። እታ ስፐሽያል ራፖርተስ (Special Reports ) ናይ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኢያ። እዛ ስፐሽያል ራፖርተስ እዚኣ ውሱን ግዜን ዕለንት ዓመትን ገደብ የብላን። እቲ ግህሰት ክሳብ ዘሎ እዛ ስፐሽያል ራፖርተስ ንፉልይ ማፍያ ህግደፍ ጉዳይ ክትከታተል ክትህሉ ኢያ። ምክትታልን ዘሕለፈቶ ጸብጻባትን ናብ ሰኩሪቲ ካውንስል ( The Security Counsil ) ኢያ ከተማሓላልፎ።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.