Home SACTTISM ብሃለፍታ ዝቐዝፋ …ሕጊ-ኣልቦ ትካላት ፍሊጶስ (ግፍዕታትን ንግዳዊ መሓውራትን ፍሊጶስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ)...

ብሃለፍታ ዝቐዝፋ …ሕጊ-ኣልቦ ትካላት ፍሊጶስ (ግፍዕታትን ንግዳዊ መሓውራትን ፍሊጶስ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ) 4ይ ክፋል

1333
0
SHARE

ሎሚ ውን፡ ሕብሪ መዓሙቕ ባሕሪ ዘይኣኽሎ ተግባራት’ቲ ሕሱም በትሪ ኢሳይያስ ዝኾነ ጀነራል ፍሊጶስ ምስ ዝቕጽል፡ ብሓፈሻ ኣብ ኮር 161፡ ስርሒት ዞባ 02ን ኣብ ተወርዋሪ እዚን ዝነበሮ ገለ “ንጥፈታትን” ዝፈጸሞም ግፍዕታትን ብምውካስ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቀሓውታ ዝፍጸሙ ተግባራትን፡ ኣብ ገለ ሃገራት ዘለዎ ስውር ናይ ረብሓ መሓውር ዝምልከት ከኣ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ይፍንወልኩም፡፡

ኣብ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ብፍሊጶስ ትምራሕ ዝነበረት ኮር 161፡ ካብ ኦሞሓጀር ክሳብ ሻምቡቆ ዝነበረ ዕርድታት መረብ ሰቲት ሒዛ ኣብ ኩናት ዝተሳተፈት ኮይና፡ በቲ እዋን፡ ብፍላይ ኣብ “3ይ ወራር”፡ ካብ ዓውደ ውግእ ሃዲሞም ዝተብሃሉ ብዙሓት ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጋደልትን ኣጥፊኣ እያ፡፡ በቲ እዋን ናይ ምርሻን ስጉምቲ ክውሰድ ውሳነ ካብ ዘሕለፉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ፡ ብቐዳምነት ዝጥቀስ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደየውሃንስ እዩ ኔሩ፡፡ በቲ እዋን፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ብርጌድ፡ 3 ዝኣባላታ ኮሚተ ቆይማ ምጽራይ ክትገብርን፡ ብኣዛዚ ብርጌድ ተማእኪላ ብደረጃ ክ/ሰራዊት ናብ ግንባር ኦርኒክ ክተመሓላልፍ፡ ካብ ኢሳይያስ ብዝወረደ መምርሒ መሰረት ብህጹጽ ተግባራዊ እዩ ኮይኑ፡፡

ነቲ ናይ መርሸንቲ መምርሒ ተቐቢሎም፡ ኣብ ግብሪ ዘውዓሉ ሓለፍቲ ዋላ እንተነበሩ፡ ብኣንጻሩ ብዙሓት ሓለፍቲ”ውን፡ ኣበያ ኣርእዮም ኔሮም፡፡ ፍሊጶስ ኣብ ዝመርሖ ግንባር መረብ ሰቲት፡ ዝነበሩ ብዙሓት ሓለፍቲ ክፍላተ ሰራዊት፡ ነቲ ውሳነ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን ኔሮም፡፡ ካብኣቶም ኮ/ል ሓጎስ ተከስተ (ወዲ ተኸስተ)፡ ኮ/ል ገብረገርግሽ ደብረጽዮን (ቋንቁ)፡ ኮ/ል ተከስተ ገብረመድህን (ሸሪፎ) ይርከብዎም፡፡ ገሊኦም እውን፡ ተገዲዶመ ነቲ ስጉምቲ ክወስዱ ተገይሮም’ዮም፡፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ኮር 161 “ኣበያ” ዘርኣዩ ዝተብሃሉ ሓለፍቲ፡ ድሕሪ 2001 ሓውሲ ድስኩላት ኮይኖም፡ ናብ ፍሉይ ቤት ፍርዲን ካልኦት “ድስኩላት” ኣካላት መንግስትን ስለዝተወዝዑ፡ ዕጫ እዞም 3 ኮሌኔላት’ውን ክሳብ ሕጂ ኣብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኮይኑ ይርከብ፡፡ ብሰንኪ ትእዛዛት ኣባጓይላ “ፈሪሕኹም ሃዲምኩም” ተባሂሎም ብበዓል ፍሊጶስ ስጉምቲ ዝተወስድዎም ከብቅዕ ንወለዶም ድማ “ብስም ስዋኣት” ናይ ዝተረድኡ መንእሰያትን ተጋደልትን ሓበሬታ ንካልእ እዋን ሓዲገ፡ ንሎሚ ናብቲ ቀንዲ ጉዳይ ክሰግር፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!
ድሕሪ ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ፡ ወትሃደራዊ ኣቃውማ ሓይልታት ምክልኻል፡ ካብ ኮራት ናብ ስርሒታት ምስተለወጠ፡ ፍሊጶስ’ውን ካብ ኮር 161፡ ብቀጥታ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 02 ኮይኑ እዩ ቀጺሉ፡፡ ፍሊጶስ ድሕሪ ምስ ኩናት ኢትዮጵያ ኣብ ተወርዋሪ እዚን ኣብ ቤ/ጽ ጀነራል (ባለነኪ) ምስተመደበ ውን፡ ኣብ ሜዳን ኣብ ኩናት ምስ ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ሕሱም ተግባራቱ ዚያዳ ቀጺልዎ እዩ፡፡ መርኣያ ጭካንኡን ሕሱም ተግባራቱን ድማ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርታት ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይስርዋ፡ ማይሑጻ፡ ቀሓውታ፡ ዓላ፡ ሰረጀቓን ዓዲ ንፋስን ዝፍጸም ኢሰብኣዊ በደላት እዩ፡፡ እቶም ቀንዲ ጨካናት ኣፈጸምቱ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ዝጠቐስኩዎም መርመርትን ኣባላት ኮሚተ ፍርድን’ዮም፡፡

ብጀካ’ቶም መርመርትን ፈረድትን፡ ከም ሰብ፡ ናይ ፍሊጶስ ትእዛዛት ናይ ምስማዕ፡ በተዘዋዋሪ መገዲ ናይ ምፍጻምን ምፍላጥ ተኽእሎ ዘለዎም ካልኦት ናይ ጽባሕ መሰኻኽር ሓለፍትን ኣባላትን ድማ፡

1. ሌ/ኮ ስምኦን ማርቆስ (ወዲ ማርቆስ)፡ ዓዱ እምባደርሆ ኣብ ሰነዳት ዝተረኸበ ወ/ቁጽሩ 75-2981 ኮይኑ ቀንዲ ጸሓፊ ጀነራል ፍሊጶስ’ዩ፡፡
2. እዮብ ተኽለኣብ ፡ዓዱ ዓዲኣርዓዳ ኣባል 7ይ ዙርያን ኣሳላጢን ጸሓፊን ቤ/ጽ ቀሓውታ
3. ዮናታን ተስፋማርያም፡ ኣባል 13 ዙርያ ጸሓፊ
4. በኺት ኣደም፡ ዓዱ መንደፈራ ኣባል 13 ዙርያ ኣውቲስታ ጀነራል
5. ኣንገሶም ፍስሃጽዮን፡ ዓዱ እንዳደቁ ኣውቲስታ ናይ ገዛ መኪና (ተጋደላይ)
6. ዮሴፍ ግርማይ፡ ዓዱ ዓዲበዛሚት ኣውቲስታ ናይ ገዛ መኪና (ተጋደላይ ናይ 90)
7. ነጋሲ በኹረጽዮን፡ ዓዱ ከባቢ ማይምነ ኣውቲስታ ረሻሽ ናይ ዝጸዓነት ማኪና ሓለዋ ጀነራል (ተጋደላይ)
8. ስዒድ ነጋሽ (ዓዱ ባጽዕ) ኣውቲስታ ረሻሽ ናይ ዝጸዓነት ማኪና ሓለዋ ጀነራል (ተጋደላይ)
9. ተለንተ ንጉሰ ገብረመስቀል (ማኢል)፡ ዓዱ ደቂሳባ፡ ሓላፊ ሓለዋ ቤ/ጽ ቀሓውታ (ተጋደላይ)
10. ተስፋጋብር ተኽለማርያም፡ ዓዱ ከባቢ ካርኒሽም ኣዛዚ ሓይሊ ክፍሊ ሓለዋ’ዮም፡፡

ፍሊጶስ፡ ብሰንኪ ዝፍጽሞ ዘሎ በደልን ኣነዋሪ ተግባራትን፡ ካብ ህዝብን መዛናኡን ካብ ዝንጸል ዳርጋ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡ ብጀካ እዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ኣባላት፡ እቶም ሕሱማት መርመርትን፡ ምስኡ ዝጣልዑ ገለ ሃብታማትን፡ ኣብዚ እዋን ፍሊጶስ ዳርጋ ዋላ ሓደ ፈታዊ ወይ ከኣ መቅርብ የብሉን፡፡ ምስ ፍሊጶስ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይተረፈ ተዓዲሞም፡ ቁማር ዝጻወቱ ነጋዶ፡ ፍትዊ ኣስረስ (ወዲ ኣስረስ)፡ ጊላይ ፈርኔሎ፡ በዓል ወዲ ጉማረ፡ ዓብዱ፡ ርስቶምን ዓብዳትን’ዮም፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ንምንብርካኽን ንምድሳቕን በትሪ ኢሳይያስ ኮይኑ ንጹሃት ዜጋታት ከጉስዕ ዝጸንሐ ፍሊጶስ፡ ኣብዚ እዋን”ዚ፡ ካብ ቤ/ጽሕፈቱ (ቀሓውታ/ባለነኪ) ናብ ገዝኡ፡ ሕልፍ ኢሉ ድማ፡ ናብ ኣስመራ ፓላስ ክሕምብስን ምስ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ብኸውሊ ክብዕልግን ጥራይ እዩ ዝረአ ዘሎ፡፡

ፍሊጶስ ኣብ ኣስመራ ፓላስ ብኸውሊ፡ ብዙሓት ኣዋልድን (ገለ ስነጥበበኛታትን) ብምሓዝ፡ ዝጥቀመላ መኪና ER ኮድ 1- 17214 ዝብል ሰሌዳ ዘለዋ ሓዳስ ቶይታ ኮሬላ እያ፡፡ (ንኽብሪ እዘን ኣሓት ብምሕሳብ ካብ ምቅልሐን ተቖጢበ ኣለኹ፡፡) ብተወሳኺ EDF 3833 ላንድኩረዘር፡ EDF 3676 ሃይሉክስ፡ ER 03849 (ቶይታ) ዝብል ሰሌዳ ዘለወን መካይን እውን ይጥቀም እዩ፡፡ ብውልቁ Unknown Number ዘለዎ ቴሌፎን ዝሕዝ ኮይኑ፡ ኣብ ቤ/ጽሕፈቱ ድማ ብቁጽሪ ስልክታት 182088ን 181660 እዩ ዝጥቀም፡፡ ሳሕቲ ብናይ ወዱ (ስምኦን) ብ 07274901 ቁጽሪ ቴሌፎን ውን ይጥቀም ‘ዩ፡፡

ብኹሉ መምዘኒታትን ብጭቡጥ መርትዖታትን፡ ኣብ ሃገርና ኣብዚ እዋን ልዕሊ ፍሊጶስን ተኽለ ማንጁስን ሃብታም ወትሃደራዊ መኮነን የለን፡፡ ክልቲኦም ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘዝተወዝዕሉ ጽፍሕታት፡ ብስርቅን ብሓይሎምን ዘይተኣደነ ሃብቲ ኣጥሪዮም፡፡ ካብ ሜዳ ጀሚሩ፡ ብምቾት መስተን ዝሙትን ዝፍለጥ ፍሊጶስ፡ ብባህሪኡ ፈታዊ ገንዘብ ብምንባሩ ንናጽነት’ውን፡ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣዋህሊሉ ከምዝኣተወ ዝሕመ’ዩ፡፡

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ኮር 161፡ ስርሒት ዞባ 02ን ተወርዋሪ እዚን ብቐጥታዊን ጎነጻዊን ኣገባባት፡ ካብ ኣፍረይቲ ትካላት፡ ሕርሻታት ዓዲ ዑመር፡ ካብ ኮንትሮባንድ፡ ካብ ምህጋር ወርቂ፡ ካብ ቤት ማእሰርታትን፡ ካብ መሸጣ ሎጂስቲካዊ ቀረባት ሰራዊትን፡ ዘይተኣደነ ሃብቲ ኣኻዕቢቱ’ዩ፡፡ ኩላትና ከምእንፈልጦ ብባህሪ ተጠራጣሪ፡ ጥንቁቕን ጎራሕን ዝኾነ ፍሊጶስ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘብ’ውን ስኡን ንኽመስል ብዙሕ ጥንቃቐታት ይገብር እዩ፡፡

ጀነራል ፍሊጶስ፡ ስልጣኑ ተጠቒሙ ዘይተኣደነ ሃብቲ ካብ ዘኻዕብተሎም ምንጭታት ንምጥቃስ፡

• ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 02 እንከሎ ካብ ኣፍረይቲ ትካላት’ቲ ስርሒት፡ ማለት ካብ ሕርሻታት ዓዲ ዑመር፡ ብናጻ ጉልበት መንእሰያት ዝተሰላሰለ ምህርቲ ብምሻጥ፡ ካብ ድኳናት፡ ካብ መሸጣ ጥሪትን ጤለበጊዕን፡ ከምኡ’ውን ብስም መሳለጢ ስራሕን ወትሃደራዊ ስለያን ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ኣኻዕቢቱ ‘ዩ፡፡
• ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ምስ ዝርከቡ ዓበይቲ ነጋዶ ብምትእስሳር፡ ብብሎኮታት ኦሞሓጀርን ዶባት ሱዳንን ንኽወጹ ፍቓድ መንቀሳቐሲ ብምዕዳል ብዙሕ ሃብቲ ወኒኑ’ዩ፡፡ (ኣማራጺ ስኢኖም ብግዴታ ብብላዕ ናይ ዝተዋፈሩ ኣስታት 14 መሳርሕቲ ፍሊጶስ ዝኾኑ ነጋዶ ዝርዝር ከምዘለኒ በዚ ኣጋጣሚ ክሕብረኩም እፈቱ)
• ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ብዘይሕጋዊ መገዲ ጸጋታት ባሕሪ (ሕርካ፡ ሕድራን ጽፍሪ ባሕሪን) ምስ ዝሸጡ ነጋዶ ብሽርክነትን ብምህጋርን ብዙሕ ሃብቲ ኣጥሪዩ እዩ፡፡
• ካብ ከባቢታት ኮሰልዳ፡ ኣሾሺ፡ ተበልዲያ፡ ጎኘ፡ ቶለግምጃ፡ ዳሰን ተኾምቢያን ብባህላዊ መገዲ ወርቂ ካብ ዘውጽኡ ኣባላት ብሄረ ኩናማን ኩብሉላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኣስመራ እንዳ ወርቂ ካብ ዝነበሮም ትግራዎት፡ ዝተሃገረ ማእለያ ዘይብሉ ወርቂ ብስውር መገዲ ብማዕርፎ ነፍርቲ ኣቢሉ ንዱባይ ሸይጡ እዩ፡፡ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ብኮ/ል የማነ ዓንደማርያም (ሶኮሎቭ) ብዝምርሑ ኣባላት ኣካል ብልሽውና፡ ብዛዕባ መሸጣ ወርቂ ፍሊጶስ ብዙሕ መጽናዕታት ዝርከብ ኮይኑ፡ ክሳብ ቀረባ እዋን ብናይ ኢሳይያስ ጸቕጥታት፡ ነቲ መስርሕ ትም ኢሎም ክዕዘቡ ጸኒሖም እዮም፡፡ ወረ ክላባዕ ምስጀመረ ግን፡ ኣብ ወርሒ 7/2017፡ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተሃገረ፡ 46 ኪሎ ናይ ጀነራል ፍሊጶስ ወርቂ፡ ብስም ወናኒት ጽጌረዳ ትራብል ኤጀንሲ ኣቢሉ፡ ብመገዲ ኣየር ኢማራት ክወጽእ እንከሎ፡ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ብ”ላዕሊ” ተኣዚዞም፡ ክተሓዝ ጌሮምዎ’ዮም፡፡ በቲ እዋን፡ ኣብቲ መስርሕ ተሳቲፎም ዝተብሃሉ፡ ወናኒት ጽጌረዳ ትራብል ኤጀንሲ፡ ከምኡ’ውን፡ ዓወትን ወይንን ዝተብሃሉ ኣባላት ግራውንድ ሰክሪቲን፡ ዓብዳት ዝተብሃለ ወኪል መገዲ ኣየር ኢማራትን፡ ኣብቲ ባዕሉ ፍሊጶስ ዝመርሖ ማይስርዋ ተኣሲሮም’ዮም፡፡ ነቲ ዓንዳት ዝበሃል ወኪል፡ ኣብ 7ተ ወርሑ ብሕማም ሽኮርያ ኣመኻኒዩ ክፍታሕ ጌርዎ እዩ፡፡ ንባዕሉ ንፍሊጶስ ግን ክሳብ’ዛ ዕለት ዝተንከፎ ሰብ የለን፡፡

• ኣብ ጋሽ ባርካ (ኣብ ተጎለል፡ መኸሰራትን ዓሊግደርን)፡ ምስ ሓላፊ ንግዲን መኻዚኖታት 09፡ ነስረዲን በኺት- ወዲበኺት (ኣብዚ እዋን ሚ/ር ንግድን እንዱስተትሪን) ብምትእስሳር ንዝሓረዮም ነጋዶ ስሉጥ ግልጋሎት ክረኽቡን ሓለፋታት ክግበረሎምን ይገብር ኔሩ፡፡ ንኣብነት ንፍሊጶስ ካብ ጓል ሓውብኡ ትብጸሖ ዝወለደ፡ ወናኒ ቤት መግቢ ሕርጊጎ፡ ተስፋብርሃን ኣብርሃም፡ ኣብ ክልተ ከባቢታት ጠርናፊ ባህላዊ ዕደና ክኸውን ፍቃድ ብምሃብ፡ ከምኡ’ውን ብስም ናይ ካቶሊክ ንብረት ዝኣተወ፡ ክልተ ኮንቴነር ስፔር ፓርት ብምህጋር ሸይጦም ብሓባር ክጥቀሙ ጌሩ’ዩ፡፡

• ካብ ኤርትራ ብሕጋዊ መገዲ፡ ብፓስፖርት ሰብ ክኣቱን ክወጽእን ካብ ዝፈቕዱን ዝእግዱን ሓደ ጀነራል ፍሊጶስ እዩ፡፡ ካልእ ይትረፍ ካብዛ መስርሕ’ዚኣ እኳ፡ ውልቃዊ ባህጊታቱ ከማልእ ብዙሕ ጽዒሩ እዩ፡፡ ኣስማተን ምግላጽ ብዘየግድስ፡ ብዙሓት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጻ ኤርትራውያን ኣሓትና “ካብ ሃገር ኣይተወጻን” ኢሉ እንዳፈራርሀ፡ መርወይ ሽውሃቱ ጌርወን እዩ፡፡ ብርክት ዝበሉ ዓዶም ናፊቖም ዝመጹ ዜጋታት፡ ምስ ኣተው፡ ንገሊኦም ብዝተፈላለየ ምስምስ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ብምሕያር፡ ንገሊኦም ድማ፡ ካብ ሃገር ከይወጹ ብምእጋድ፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ዘይተኣደነ ገንዘብ ክኸፍሉ ገይርዎም’ዩ፡፡

• ብስም ኣባላት ወይ ከኣ ተሓባበርቲ ወጻእ ስለያ “ንኣድላይ ስራሕ” ብዝብል እንዳመኻነየ፡ ብቐጥታ ገንዘብ ኣኽፊሉ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝለኣኾም ሰባት’ውን ኣለው፡፡ ስም ከይገለጽኩ፡ ኣብ ቀረባ ክልተ ደቃ ብ450 ሺሕ ንነፍሲወከፎም ከፊላ፡ ናብ ካናዳ ዝለኣኸት ሓንቲ ኣደ ኣላ፡፡ ናይ 900 ሺሕ ናቕፋ ሸርፊ ብዶላር ተቐይሩ፡ ኣብ ኬንያ ንዝርከቡ መሳርሕቲ ፍሊጶስ ተኸፊሉ እዩ፡፡ (ፍሊጶስ ካብ ሃገር ከይወጹ ካብ ዝኣገዶምን፡ ገንዘብ ከፊሎም ዝወጹን፡ ከምኡ ውን ብስራሕ ኣመሳሚሱ ንወጻእ ካብ ዝለኣኾም ዜጋታት፡ ናይ ኣስታት 19 ዝኾኑ ኣስማት ከም ዝበጽሓንን፡ ከም ኣድላይነቱ ከምዝጥቀመሉን ክሕብረኩም እፈቱ)

• ከምዚ ሎሚ፡ “ኣንጭዋን ድሙን” ከይተቐየሩ፡ ባረንቱ ወያነ ሒዙዋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ተመሳጢሮም፡ ኣብ ትሕቲ ስርሒት ዞባ 01 ዝነበረት፡ ናይ ፋልኮን ኮርፕረሽን፡ ሙሉእ ንብረትን ማእለያ ዘይብሉ ናይ ህንጻ ማሽነሪታት፡ ስፔር ፓርትን ጥሪትን “ወያነ ወሲድዎ” ብምባል፡ በቲ እዋን ተራ ሰራሕተኛ ንዝነበረ እዝራ ስብሃቱ ዝተብሃለ ኣባል ኣእሚኖም፡ ናብ ሱዳን ክሽየጥ ጌሮምዎ’ዮም፡፡ ብሚሊዮናት ዝፍቀድ ገንዘብ፡ ስለ ዝተማቐሉ ድማ እዝራ ስብሃቱ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ካብ ዝርከቡ ሃብታማት ሓደ ብምኻን ኣብ ተሰነይ ትካላት ጌሩ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ቀጻሊ ጠላዕ ክጻወት ይውዕል ኣሎ፡፡

• ክሳብ ወርሒ 03/2014 ሓለቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክለኻል ኮይኑ ዝተመዘሉ ዕለት፡ ፍሊጶስ ካብ ኣፍረይቲ ትካላት ተወርዋሪ እዚ፡ ብናጻ ጉልበት ሰራዊት ብመስኖኣዊን ክረምታዊን ሕርሻ፡ ካብ ሕርሻታት ማይሑጻ፡ ችችሮ ወሪድካ ካብ ትርከብ ጀርዲን፡ ዝሕፈስ ኣእኻልን ኣሕምልትን፡ ከምኡ’ውን፡ ካብ መከፋፈሊ መስተ ቀሓውታ፡ ካብ ክለባት ፓራዲዞን ራዳርን፡ ካብ ምስባሕ ስታላ ጻዕዳ ክርስትያን፡ ካብ ምርባሕ ደርሁት ቀሓውታን ብዘይ ተሓታትነት ከምድላዩ ክብሕትን ክርባሕን ጸኒሑ’ዩ፡፡ እቲ ዝገርም ፍሊጶስ ካብ ተወርዋሪ እዚ፡ ናብ ሓለቓ ስታፍ ክምዘዝ እንከሎ ውን እዘን ብሜጀር መሓሪ ተኽላይ (ወዲ ተኽላይ) ዝጥርነፋ ኣፍሪይቲ ትካላት ኣብ ትሕቲኡ (ባለነኪ) ክጥርነፋ ጌርወን’ዩ፡፡

• ካልኣዩ ንፍሊጶስ ብምኻን፡ ሓለቓ ስታፍ ተወርዋሪ እዚ ዝነበረ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ ውን፡ ዋላ ብካልእ ጉዳያቶም እንተዘይተቓደው፡ ፍሊጶስ ዝምእርሮ ኣታዊታት ኣንዳዕዲዑ ስለ ዝፈልጥ፡ “ሳግላ ብላዕ ኣይትቕላዕ” ኮይኑዎም፡ ንሱ’ውን ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ኣብ ከባቢታት ገርገፍ፡ ሲራክ ዝተብሃለ ወዱ ዝኣልዮ 150 ሄክታር መሬት ስምስም እንዳዘርአ ይርባሕ ኣሎ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ናይ ብ/ጀ ኣብርሃለይ ቁጽሪ ቴሌፎን 07 15 58 82 ከምዝኾነት ክሕብረኩም እፈቱ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!
ብዘይምግናን፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ካብ ዝርከቡ ወትሃደራውያን ሓለፍቲ፡ ክንዲ ፍሊጶስ ርኹብን ዘይተኣደነ ሃብቲ ዘለዎ ጀነራል የልቦን፡፡ ፍሊጶስ ሓለቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻል ምስኮነ’ውን፡ ማዕረ ማዕረ ምርኽኻብ ወትሃደራዊ ሰነዳት፡ እተን ምንጭታት ሃብቲ ዝኾና ኩላተን “ትካላት” ውን ኣብ ትሕቲኡ ጠርኒፍወን’ዩ፡፡ ብጀካ ኣፍረይቲ ትካላት፡ ኣብ ትሕቲ ተወርዋሪ እዚ ዝነበራ ኩለን ቤት ማእሰርታት፡ ሓድሽ ስም ኣጠሚቑ፡ ኣብትሕቲ ቤ/ጽ ጀነራል ባለነኪ ክጥርነፋ ጌርወን እዩ፡፡ እዘን ቤት ማእሰርታት፡ “ትኪ ኣልቦ” ኢንዱስትሪ ዝኾና ምንጪ ናይ ዘይተኣደነ ሃብቲ ፍሊጶስ ብምኻን፡ ሕጂ ውን ይቕጽላ ኣለዋ፡፡ ካብኣተን ንሎሚ ድማ ብዛዕባ “መጻረይት” ቤት ማእሰርቲ ቀሓውታ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህበኩም፡፡

ቤት ማሕቡስ መርመራን ምጽራይን ቀሓውታ

እዛ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ትሕቲ ፍሊጶስ፡ በቲ ሕሱም መርማሪ ሚኪኤለ ኢሳቕ ትእዘዝ፡ ብዙሕ ሰብ ዘይፈልጣ፡ ኣብ መፋርቕ 2012 ሚስጢራት ዓዲ ኣቤቶ ክቃላዕ ምስ ጀመረ ከም ፍታሕ ዝተደኮነት እያ፡፡ ኣብ ከባቢ ቅዱስ ኡራኤል ቤት ክርስትያን፡ ንቑልቁል 5 ደቓይቕ ተጓዒዝካ፡ ካብ ናይ ፍሊጶስ ቤ/ጽሕፈት ሓንቲ ኣንጎሎ ርሒቓ ዝተደኮነት፡ ቀደም ናይ ደናግል ካቶሊክ ቅዱስቲ ሉቺያ መንበሪ ዝነበረት፡ እታ ስሊቨር ሕብሪ ማዕጾ ዘለዋ ካንሸሎ እያ፡፡ ካብተን ደናግል ኣሕዲጎም ዝወሰድዋ’ያ፡፡

ኣብዚ እዋን፡ ብፍላይ “ገንዘብ ኣለዎ” ዝተብሃለ፡ ብሸርፍን ብምስግጋርን ዝተጠርጠረ፡ ከምኡ’ውን ብፍሊጶስ ኣብ ጠመተ ዝኣተወ ዝኾነ ዜጋ፡ ብስውር ዝመርመረላን ዝሳቐየላን ቤት ማእሰርቲ እዛ ኣብ ቀሓውታ ዝተደኮነት እያ፡፡ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ’ዛ ቤት ማእሰርቲ፡ ኩሎም ዓይነት ነብስኻ ግንብንብ ዘብሉ፡ ዘስካሕክሑ ስቅያት ይፍጸሙ ‘ዮም፡፡ ብጀካ ሚኪኤለ ኢሳቕን ሜሮን ተኪኤ ዝተብሃለ ኣባል 4ይ ዙርያን፡ ኣብ ቀሓውታ ንእሱራት ክምርምር ዝፍቀደሉ ሰብ የለን፡፡ ውሽጣዊ ቅርጺ እዛ ቤት ማእሰርቲ ምስእንዕዘብ፡ 5 ጸበብቲ ካሜራታት ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ 1ይ ካሜራ ብምስግጋርን ምትሕብባርን ዝተጠርጠሩ ዜጋታት ይእሰሩላ፡፡ ኣብ 2ይ ካሜራ ብሸርፊን ሓዋላን፡ ኣብ 3ይ ካሜራ ብምሕጻብ መንቀሳቐሲ፡ ኣብ 4ይ ካሜራ ብዝተፈላለዩ ምስምስ ዝተጠርጠሩ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 5ይ ካሜራ ጉዳዮም ናይ “ዘይተፈለጠ” ብፍሊጶስ ጥራይ ዝተለኣኹ ዜጋታት ብዘይ ፍርዳዊ መስርሕ’ዮም ዝዳጎኑ፡፡

ጉዳይ ስግረ ዶብ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እንዳኾነ ምስከደ፡ ኣብዚ እዋን፡ ብፍላይ ብስግረ ዶብ፡ ብምትሕብባርን ብኣስገርትን ዝተተሓዙ ዜጋታት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቀሓውታ ብኸውሊ ተኣሲሮም ክጸንሑ ብምግባር፡ ብኣስገዳድ ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ቴሌፎን ክደዋወሉ ብምግባር፡ መሓውር ስግረ ዶብን ኣስገርትን “ንምምሓው” ብዝብል ጉልባብ ዝተዳለወት ቤት ማእሰርቲ’ያ፡፡ እቲ ክውንነት ግን በዓል ፍሊጶስ ነዛ ቤት ማእሰርቲ ምንጪ ዘይተኣደነ ርእሰ ማል ምግባሮም ‘ዩ፡፡

ብዛዕባ ቤ/ማእሰርቲ ቀሓውታ’ውን፡ ካብ ውሽጥን ካብ ወጻእን ንምጥርናፉ ዘጸግም፡ ማእለያ ዘይብሉ ሓበሬታ በጺሑኒ ኣሎ፡፡ ንኣብነት ኣብ ወርሒ 6/2017 ኣብ ቀሓውታ ካብ ዝተኣሰሩ እሱራትን ኩነታቶምን ንምጥቃስ፡

– ኣብ ካሜራ 4 ዶ/ር ሰመረን እድሪስ ኣቡሸዓለን ዝተብሃሉ፡ ካብ ባጽዕ ብመሸጣ ነዳዲ ተጠርጢሮም ዝተቐየዱ፣ ግርማይ እዮብ ዝተብሃለ፡ ኣብ እዋን ምቕያር ናቕፋ፡ ገዛን መኪናን ገዚእኻ ተባሂሉ ኣስታት ክልተ ዓመት ዝተቐየደ፣ ተስፋይን መሓመድን ዝተብሃሉ፡ ብሸርፊ ተጠርጢሮም ልዕሊ ዓመትን 6 ወርሒን ዝተኣሰሩ እሱራት ኔሮም፡፡ እቲ ግርማይ እዮብ ዝተብሃለ መንእሰይ ነባሪ ከባቢ ሰታንታኦቶ ኮይኑ፡ መንበሪ ገዝኡ፡ መኪንኡን 3 ሚሊዮን ናቕፋን ተወሪሱ እዩ፡፡
– ኣብ ካሜራ 5፡ ኣብርሃም፡ ሲራክ ከምኡ’ውን ዓወት (ኣባል ቤ/ጽ ጀነራል) ዝተብሃሉ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣሰሮም ኣለው፡፡ ኣብዛ ካሜራ ኣባል ሜካናይዝድ 74 ዝኾነ ከሰተ ማርቆስ ዝተብሃለ እሱር ውን ኣሎ፡፡
– ኣብ ካልኦት ካሜራታት ካብ ዝርከቡ ወይ ከኣ ተኣሲሮም ካብ ዝወጹ እሱራት ምስእንርኢ፡ ኣብ 2016 መወዳእታ ኣብ ሃገርና ኮይኖም፡ ኣንጻር ወያነ ዝተፈላለዩ መጻሕፍቲ ካብ ዝጽሕፉ፡ ተስፋይ ገብረኣብ ዝተብሃለ ጋዜጠኛን ደራሲን፡ ኣብ ገለ ጽሑፉቱ “ብዛዕባ ኤርትራ ሕማቕ ጺሒፍካ” ተባሂሉ ብትእዛዝ ፍሊጶስ ንሓደ ወርሒ ተቐይዱ ተፈቲሑ’ዩ፡፡
– መምህር ኮለጅ ሓፈሻዊ ሕክምና ኦሮታ፡ ዶ/ር ክፍሎምን ሰበይቱ ሩታን፡ “ዶላር ኣሽሪፍኩም” ተባሂሎም፡ ኣብ ቀሓውታ ብምቕያድ፡ ኣብ ባንኪ ዝነበሮም 1.9 ሚሊዮን ናቕፋ ብሚኪኤለ ተወሪሶም’ዮም፡፡ በቲ እዋን፡ ኣቦይ ስምኦን ዝተብሃሉ፡ ብተመሳሳሊ ብሸርፊ ዝተጠርጠሩ ከም ሃገሮም 1 ሚሊዮን ናቕፋ ተቐጺም ወጺኦም’ዮም፡፡
– ኣብ 2017 ወርሒ 4 ካብ ጋሽ ባርካ ዝተተሓዙ ነጋዶ ጥሪት’ውን ኔሮም፡፡ ካብኣቶም ሃብተ ዓንደብርሃን፡ ጠዓመ ዘርኣይ፡ ኢሳቕ ተዓገስን ኣማኒኤል ግደን፡ ካብ ዝተብሃሉ ኣብ ኢዶም ዝተረኸበ ገንዘብ ተሃጊሮም ነፍሰ ወከፎም ልዕሊ 100 ሺሕ ናቕፋ መቕጻዕቲ ንሚኪኤለ ኢሳቕ ከፊሎም ‘ዮም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ሓበሬታታት ስለዘለው ቀስብቀስ ከቕርበልኩም ክፍትን እየ፡፡ ብኢንቦክስ ብተደጋጋሚ ካብ ዝበጹሑኒ ብናይ ባዕለይ መገዲታት ውን፡ ካብ ዘረጋገጽኩዎም ገለ ሓበሬታት ክውስኸልኩም፡፡

– ልዋም ዝተብሃለት ኣባል 26 ዙርያ ጓል ከረን፡ ኣብ ወርሒ 6/2016 ብናይ ሚኪኤለ ሕሱም ማህረምቲ ጥንሲ ከይዱዋ፡
– ገነት ዝትብሃለት ጓል ባጽዕ በዓልቲ ሓዳርን ኣዶ 5 ቆልዑትን፡ “ኣብ ገዛኺ ሰገርቲ ኣሕዲርኪ” ተባሂላ፡ ብምሒር ማህርምትን መርመራን ኣእምሮኣ ተናዊጹ፡ ናብ ቅድስቲ ማርያም ትመላልስ ኣላ፡፡
– ሸዊት ዝተብሃለት ሸቃጢት ጓል ዕዳጋ ሓሙስ “ሰብኣይኪ ሸርፊ የሽርፍ ኔሩ ካብ ዘለዎ ሃገር 50 ሺሕ ዶላር ይስደድ” ተባሂላ፡ ብሕሱም ተቐጥቂጣ ሕቖኣ ተሰይሩ 2 ናይ ገዛ መካይን’ውን ተሃጊረንኣ እየን፡፡
– ተስፋማርያም ዝተብሃለ ወዲ ዓዲጓዕዳድ ብኣስጋሪነት ተጠርጢሩ፡ ብማህረምቲ ሓደ ዓይኑ ጠፊኡ፡ መኪንኡ ውን ተሃጊራ እያ፡፡
– ቢንያም ዝተብሃለ ወዲ 4ተ ኣስመራ፡ 4ይ ዙርያ፡ ኣባል ቤ/ጽ ቀሓውታ ብኢንተርኔት ሓበሬታ ጺፍካ ተባሂሉ ብማህርምቲ ሰንኪሉ ‘ዩ፡፡
– ሰመረ ዝተብሃለ ኣባል 20 ዙርያ ወዲ እምባደርሆ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ቼሜንቶ ዓዲግካ ተባሂሉ ብሕሱም ተቐጥቂጡ ንብረቱ ተወሪሱ’ዩ፡፡ (ነዞም ጭብጥታት ዝሓበርኩምኒ ዜጋታት የመስግን)

ብዝኾነ ቀንዲ መጋበሪያ ፍሊጶስ ዝኾነ ሚኪኤለ ኢሳቕ፡ ኣብ ካልኦት ቤት ማእሰርታት ዘካየዶ ግፍዕን ስቅያትን ከይኣኽሎ፡ ሕጂ’ውን ኣብ ቀሓውታ ዘስካሕክሕ ስቅያት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ይፍጽም ኣሎ፡፡ ኣብ ቀሓውታ፡ ብሚኪኤለ ተፈሪዶምን ናብ ዓዲ ኣቤቶን ማይ ስርዋን ዝሰጋገሩ እሱራት ብሚሒር ምቕጥቃጥ ኣትኪሎም’ውን መሬት ክረግጹ ዘይክእሉ ‘ዮም፡፡

ናብ ቀሓውታ ዝኣቱ ዝኾነ እሱር ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት፡ ብጸልማት ብናይ ፍሊጶስን ሚኪኤልን እሙናት ኣባላት ተሃዲኑ ዝመጽእ’ዩ፡፡ ኣብ መስርሕ ዓፈና ዝጥቀሙላ መኪና ‘ውን፡ ERG 1076 ዝብል ሰሌዳ ዘለዋ ብሉብላክ ፒክኣፕ ኮይና ንደገ ዘይተርኢ እያ፡፡

ገሊኦም ብወለንትኦም፡ ገሊኦም ተገዲዶም፡ ኣብ ምዕፋን፡ ምቕያድን ምቕትቃጥን እሱራት ዝሳተፉ ኣባላት ቀሓውታ ዝስዕቡ’ዮም፡፡

1. ሜሮን ተኪኤ (ኣባል 4ይ ዙርያ) ኣብ ቀሓውታ ካልኣዩ ንሚኪአለን መርማሪን (ቅድሚ 6 ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ከባቢ ዳማስ ናብ ዝተደኮነት ሓዳስ ቤት ማእሰርቲ ሓላፊ ኮይኑ ተመዲቡ ኣሎ)
2. የዕብዮ ሓጎስ ኣውቲስታ ናይታ መዕፈኒት መኪናን ኣባል ሃ/ኣገልግሎትን
3. ኣማን ኣሽተን (ኣባል 21 ዙርያ) ካልኣይ ኣውቲስታ
4. ኣቤል ሓላ፡ መራሕ ጋንታ ኣባል ሓለዋ ቀሓውታ፡
5. ጣሂር በሽር፡ መራሒ መስርዕን ተሓዚ መፍቱሕ ሓለዋ ቀትሪን፡
6. ያሕያ ሓራራይ፡ መራሒ መስርዕን ተሓዚ መፍቱሕ ሓለዋ ለይቲን፡
7. ጣሂር ያሲን፡ (ወዲ ኣናጹ) መራሕ መስርዕን እዮም፡፡

ብቐጥታ ብሚኪኤለ ኢሳቕ ዝእዘዙ፡ እዞም ክብ ኢሎም ዝተጠቐሱ ሰባት፡ ኣብ ቀጽሪ ቤ/ማእሰርቲ ቀሓውታ፡ ኣብ ዝካየዱ ንጥፈታት ዝሳተፉን፡ እቶም እሱራት ዘይፈልጥዎ ፍርዲ ተዓዲልዎም ናብ ዓዲኣቤቶን ማይሰርዋን ክፋነው እንከለው ዘበጻጽሑን እዮም፡፡ ኣብ ቀሓውታ፡ ናይቶም ንዓመታት ጨቐቕ ኢሎም ብደሞምን ረሃጾምን ዘጥረይዎ ገንዘብን ንብረትን፡ ብሚኪኤለ ኢሳቕ “ካበይ ኣምጺኹምዎ? ኣመጻጽኡ ኣይበርሃልናን? ብስለያን ርክባት ምስ ወያነን ተጠርጢርኩም…?” እንዳተብሃሉ ገንዘቦምን ንብረቶም ንዝተወረሶም ዜጋታት፡ ኣብ መወዳእታ መዕለቢኡ ኣብ ጁባታት ፍሊጶስ’ዩ፡፡ ብዙሓት ሃብታማት ኣብ ቀሓውታ ገንዘቦምን ንብረቶምን ተሓዲጎም ጥራሕ ኢዶም ምስተረፉ፡ ብሰንኪ ጭንቀት ግዳይ ሕማማት ሽኮርያ፡ ጸቕጢ ደምን ናይ ኣምእምሮ ምዝባዕን ጌሮም’ዮም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ብኹሉ ሸነኻት፡ ባህሪያዊ ጸጋታት ሃገርናን፡ ሃብቲ ዜጋታትናን፡ ኣብ ምጉሕጓሕ ዝርከብ እቲ ሕሱም ጀነራል ፍሊጶስ፡ ኣብዚ ዘመነ ውራውራ፡ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱን ሓደጋ ከምዘንጸላለዎ ስለዝፈለጠ፡ ዝወነኖ ዘይተኣደነ ሃብቲ፡ ብስውር ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት የልግሶ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሃገራት ደቡብ ሱዳንን ዩጓንዳን ምስ ዝርከቡ ነጋዶ ብኸውሊ ተሸሪኹ፡ ዝተፈላለዩ ወፍርታት የሰላስል ኣሎ፡፡

ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ፍሊጶስ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን፡ ስውር ናይ ረብሓ መሓውራት ፈጢሮም፡ ዘይተኣደነ ሃብቲ ዘኻዕበቱ ኣስታት 8 ሃብታማት ኣለው፡፡ ንሎሚ ንኹሎም ካብ ምርቋሕ ተቖጢበ ነዞም ሰብ ጸጋ “ኣብ ኢድኩም ዝርከብ ሃብቲ ብመስዋእቲ፡ ብደምን ረሃጽን ንጹሃት ዜጋታት ዝመጸ ምኻኑ ፈሊጥኩም፡ ጽባሕ ንጉሆ ንወለዶ ዝሓልፍ ረሳሕ ታሪኽ ከየሕለፍኩም፡ ልቢ ኣዕቢኹም፡ ኣብ ጎኒ እቲ ውጽዕ ህዝብኹም ወግኑ” እንዳበልኩ፡ ንሎሚ ኣብ ዩጓንዳን ደ/ሱዳንን ቀንዲ እሙናት ፍሊጶስ ኮይኖም፡ ናይ ፍሊጶስ ገንዘብ ካብ ዘንቀሳቕሱ፡ መንነት ናይ ገለ ሃብታማት ከቃልዕ መሪጸ ኣለኹ፡፡

ካብዞም ሃብታማት እቶም ቀንዲ ብሉሙድ ኣጸዋውዓ፡ “እንዳ እዝራ” ተባሂሎም ዝፍለጡ ተወለድቲ ጻዕዳ ክርስትያን እዮም፡፡ ቅድሚ ናጽነት፡ ኣብ ንግዲ ኮንትሮባንድ ይነጥፉ ኔሮም፡፡ ቀደም ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ሓራጅ፡ መጠነኛ ናይ ቡን መሸጢ ድኳን ኔራቶም፡፡ ኣብ ንግዲ ዋላ ንጡፋት እንተነበሩ፡ ኣብ ከባቢ ሜዳ ኤርትራ ምስ ዝነበሩ ነጋዶ፡ ከም በዓል እንዳ ወዲ የማነ፡ ወዲ ፍጡር፡ እንዳ ቆራይን ካልኦትን ግን ስም ኣይነበሮምን፡፡ ኣብ ፈለማ ናጽነት ንኣዲስ ኣበባ ግዒዞም፡ ካብኡ ንኣስመራ ቡን እንዳምጽኡ ይሸጡ ኔሮም፡፡ ድሕሪ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ፡ ዳርጋ ጠቕሊሎም ናብ ኣስመራ ክኣትው እንከለው፡ ሓደ ካብኣቶም ገብረ እዝራ ዝተብሃለ፡ ንዩጓንዳ ግዒዙ፡ ካብ ኢትዮጵያን ኬንያን ዝመጸ ቡን የከፋፍል ኔሩ፡፡ ኣብ ዩጓንዳ፡ ምስ ካልኦት ስድርኡ ብምኻን፡ ጋራዥ ከፊቶም ዓበይቲ ማካይን’ውን የከፋፍሉ ኔሮም፡፡ እዚ ገብረ እዝራ ዝተብሃለ ነጋዳይ፡ ካብ ቀደም ጀሚሩ ምስ ፍሊጶስ ዚያዳ ምሕዝነት ዝነበሮ መቕርቡ እዩ፡፡

እምበኣር ከስ፡ ፍሊጶስ ካብ መላእ ሃገር ዝሰረቖ ሃብቲ፡ ኣብ ዩጓንዳን ደቡብ ሱዳንን ዘንቀሳቐሰሉ ቀንዲ ኣውፋሪ እዚ ገብረ እዝራ ዝተብሃለ ነጋዳይን ካልኦት 3 ሰባትን እዮም፡፡ እቶም ዝተረፉ 3 ድማ፡

1. የዕብዮ ተኪኤ፡ ንቀዲሽ እዝራ ዝተብሃለተ ሓፍቲ ገብረ እዝራ ዝተመርዓወ፡ ዓዱ ከባቢ ደምበዛን (ደቂምሓረ) እዩ፡፡ ነታ ኣብ ዩጓንዳ International University of East Africa (IUEA) ዝተምሃረት ጓል ፍሊጶስ (ራሄል ፍሊጶስ) ዝቕበላን ሕጂ ውን ናብ ዱባይ እንዳተመላለሰ ንዓኣን ንኣዲኣን ረኺቡ ትእዛዛት ፍሊጶስ ዝቕበል፡ ወርሓዊ ኣሻሓት ዶላር መሻርፍ ዝልእኸለን ነጋዳይ እዩ፡፡

2. ዮሴፍ ስምኦን ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት/ ውሽጣዊ ጸጥታ ክፍሊ ኤርፖርት ሰኩሪቲ ዝነበረ ዓዱ ጻዕዳ ክርስትያን ብመገዲ የዕብዮ ኣቢሉ ምስ ፍሊጶስ ጽቡቕ ርክብ ዝሰረተ እዩ፡፡

3. ክብረኣብ ስምኦን፡ ሓው ንዮሴፍ ስምኦን ‘ዮም፡፡

ካብዚኣቶም፡ የዕብዮ ተኪኤ ቅድሚ ናይ ፍሊጶስ ገንዘብ ምንቅስቓሱ፡ ምስ ሓደ እምባየ ዝበሃል ነጋዳይ (ኣብ ኢትዮጵያን ጀርመንን ሰራሕተኛ ቆንሰል ኤርትራ ዝነበረ) ተሻሪኾም፡ ካብ ጀርመን ቢራ የምጽኡ ኔሮም፡፡ ናይ ፍሊጶስ ገንዘብ ምስረኸበ ግን፡ ምስ እምባየ ዝነበሮ ርክብ ሓዲጉ፡ ናብ ዓበይቲ ወፍርታት ተሰጋጊሩ፡፡ ፈለማ ዓበይቲ መካይን ብምዕዳግ፡ ምስ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ስምምዕ ኣንቢሩ፡ ኣብ ፓሉጅ (Palogue) ዝተብሃለ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ነዳዲ ቦታ ኣዋፊሩ፡፡ እዞም ሰለስተ ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ናይ ፍሊጶስ ገንዘብ ሃብቲ ተጠቒሞም፡ ኣብ 2010/11 ኣብ ደቡብ ሱዳን፡ ወፍርታቶም ኣስፋሕፊሖም ብሓንሳብ ሰማይ ተወንጪፎም’ዮም፡፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ዩጓንዳን ደቡብ ሱዳንን ዳርጋ ነጋውስ ጥራይ ዘይኮኑስ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ደቡብ ሱዳን ‘ውን ሓያል ርክብ ፈጢሮም ኣብ ቀረብ ኤለክትሪክ ጁባ ውን ወፍርታት ኣሰላሲሎም ‘ዮም፡፡
ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝረኸብዎ መኽሰብን፡ ብዝተፈላለየ መገድታት ካብ ፍሊጶስ ካብ ዝለኣኽ ኣታዊታት ተጠቒሞም፡ ኣብ ዩጓንዳ (ካምፓላ) ብሕጋዊ መገዲ፡ ኣብ 2015፡ ናይ 3 ሚሊዮን ዶላር ኣፓርትመንት ዓዲጎም እዮም፡፡ ኣብ ዕድግን ኣብ ዋንነትን ናይቲ ኣፓርትመንት ዝተሳተፉ ጓሉ ንፍሊጶስ ራሄል ሓዊሱ የዕብዮ፡ ዮሴፍን ገብረ እዝራን ‘ዮም፡፡

ኣብ ደቡብ ሱዳን (ጁባ) እውን 3ቲኦም ምስ ሓንቲ ኬንያዊት (ስማ ክገልጻ ኣይደለኹን)፡ ተሻሪኾም 5 ቦታታትን ሓደ ዓቢ ኣፓርትመንትን ዓዲጎም ኣለው፡፡ (ናይዚ ኣብ ጁባ ዘሎ ኣፓርትመንት ስእሊ ብተለቃቢ ኣቕሪብኩም ኣለኹ)
ፍሊጶስ ምስዞም ነጋዶን ካልኦትን ኮይኑ፡ ኣብዘን ሃገራት ማእለያ ዘይብሉ ንግዲ ከምዘዋፍር ቤ/ጽ ፕረሲዳንት እኹል ሓበሬታ ከምዝነበሮ በዚ ኣጋጣሚ ክገልጸልኩም እፈቱ፡፡

እዞም ሃብታማት፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዓበይቲ ወፍርታት ድሕሪ ምስልሳሎም፡ ብትእዛዝ ፍሊጶስ፡ ብጉልባብ ኣብ ቀረባ ኣብ ኣስመራ ገዛ ክዕድጉ ተሰማሚዖም ኔሮም፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ካምቦቦሎ በቲ ጣሊያናዊ እንዳ ኣጀካ ዝፍለጥ፡ ብውርሲ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ ኢድ 3 ሰባት ዝጸንሐ፡ ልዕሊ 10 ሺሕ ሜትር ስኬር ቦታ ክዕድጉ ወሲኖም፡፡ ኣብ ኣስመራ ምስ መጹ፡ እዞም ሰባት ካብ ዩጓንዳ ክሳብ ጁባ ዘሎ ምስ ፍሊጶስ ዘለዎም ርክብ ብ “መንግስቲ” ስለዝፍለጥ ብጉልባብ ብናይ የዕብዮ ተኪኤ ሰበይቱ ወ/ሮ ቀዲሽ እዝራ ስም ጌሮም ነቲ መሬት ብ100 ሚሊዮን ናቕፋ ዓዲጎምዎ፡፡

እቲ ንመሳለጥያን ክፍሊት መንግስትን ዝኸውን ብመልክዕ ናቕፋ ዝተሳለጠ ኮይኑ፡ ዝተረፈ ድማ ኣብ ወጻእ ብናይ ወጻእ ሸርፊ እዩ ተሰላሲሉ፡፡ ካብቶም ሸየጥቲ ሓደ ኣቶ ሚኪኤለ ዝተብሃለ ኮይኑ፡ ኩሉ ምስተጻፈፈ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብሃገራዊ ድሕነት ብኣባላት ኣብርሃ ካሳ ኣቢሉ ነቲ መሬት “ካልእ ኣብ መስርሕ ዝርከብ ሕቶ ዋንነት ስለዘለዎን መሬት መንግስቲ ስለዝኾነን ክሽየጥ ክልወጥ ኣይክእልን” ብምባል ገለ ክፋል ናይቲ ኣብ ባንኪ ዝነበረ ገንዘብ ደው ኣቢሎምዎ፡፡ በቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ፍሊጶስን እቶም ነጋዶን ዝተረኣየ ስንባደ ምናልባሽ ኣብ ዩጓንዳን ቀሓውታን ዝነበሩ ሰባት ዝዝክርዎ እዩ፡፡ በዓል ፍሊጶስን መሻርኽቱን፡ ኣብ ኤርትራ ብስውር ክዓምዎ ዝደለዩ መደብ ዋላ ኣይሳኸዓሎም’ምበር ሕጂ’ውን ካብ ንጹሃት ዜጋታት ብዝተመንጠለ ሃብቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘይተኣደነ ወፍሪ የሰላስሉ ኣለው፡፡ ኣባጓይላ ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ኢሳይያስ ውን ኩሉ እንዳፈለጠ ከምዘይፈለጠ ዕምሪ ስልጣኑ የናውሕ ኣሎ፡፡

——–ይቕጽል
ኣብ ቀጻሊ ክፋላት ኣብ ህልው ኩነታት እሱራት ማይስርዋ፤ ብምኽንያት ተቓዉሞ ኣኽሪያን ኣብ ቀብሪ ኣቦና ሓጂ ሙሳን ናይ ዝተኣሰሩ ዜጋታት ዝርዝር፤ ከምኡ ውን ርክባት ሓለፍቲ ክሳብ ሰምሰርቲ ሊቢያን ማእከላይ ባሕርን ዝምልከት ሓበሬታ ብተኸታታሊ ክፍንወልኩም እየ፡፡

ወደሓንኩም
እቲ ሓቂ ንኹሉ ክባጻሕን ስምረትና ክነሕይልን ኣብ ሼር ኣይትሕመቑ

By: SACTTISM
 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.