Home SACTTISM ራእይ ወለዶታት ዝቆጸየ “ግዝያዊ መንግስቲ” ክሳብ መዓስ? (ፖለቲካዊ ኣምራት)

ራእይ ወለዶታት ዝቆጸየ “ግዝያዊ መንግስቲ” ክሳብ መዓስ? (ፖለቲካዊ ኣምራት)

1148
0
SHARE

………ዝቐጸለ (ብዛዕባ ወዲሓኪም ዝምልከት ሓበሬታ ምስ’ዚ ጽሑፍ ኣሎ)

“ግዝያዊ መንግስቲ” ኤርትራ ብመንጽር “ቅዋም”

ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነትን ልኡላዊነትን ኤርትራ፡ መዕጸዊ ናይ ሓደ ዓቢን ክቡርን ምዕራፍ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራን፡ መኽፈቲ ድማ ናይ ሓደ ሓድሽ ምዕራፍ ‘ዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ዝኸበደን ኣዚዩ ዝተሓላለኸን ዕማም ድማ፡ ምህናጽ ሰላምን ፍትሒን ራህዋን ዝሰፈኖ ሕ/ሰብ ነይሩ፡፡ ምህናጽ ሰላምን ቁጠባን ካብ ምዕዋት ኣብ ኩናት ዝበርተዐን ዚያዳ ዝተኻላለኸን ዋላ እንተነበረ፡ ኣብ ኣንጻር ገዛእቲ ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ብዙሕ ተሞኩሮ ዘዋህለለ ስሙር ህዝቢ ሒዝካ ግን፡ እቲ መስርሕ ዚያዳ ይቐልል፡፡ እቲ ዝነበረ ወኒን፡ ፍናን ህዝብን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዝተነብረ ኣምልኾትን፡ ምስ ኩሎም ጸገማቱ ንጎድኒ ሓዲግና፡ ከም ህዝቢ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን ዝኸሰርናዮ ኪሳራታት ዋላ ክንጽብጽብ እንተፈተና ግዜን ጸዓትን ኣይኣኽለንናን፡፡

ሓበራዊ ራእይ ኤርትራን ኤርትራዊነትን፡ ምስ ጥሕሰት ቅዋም ‘ውን ኣዚዩ ዝተኣሳሰር መዳይ እዩ፡፡ጥሕሰት ቅዋምና፡ ምንጪ ኩሎም ስዒቦም ዝተረኣዩ ምልካዊ ጸገማት’ዩ፡፡ ቅዋም ማለት፡ ብሓጺሩ መንግስትን ህዝብን ዝመሓደርሉ፡ ኣቃውማ መንግስትን ምሕደርኡን፡ ሕግታትን ኣዋጃትን ዝተክል፡ ስርዓት ዝሕንጽጽ፡ ፖሊሲ ዝምስርት፡ ግቡእን መሰልን ህዝቢ ዝገልጽ፡ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ዜጋታት ዘረጋግጽን ዝሕሉን፡ ከምኡ’ውን ሕጊ፡ ስርዓት፡ ቅሳነትን ፍትሕን ንኽሰፍን ዘገልግል፡ እቲ ዝለዓለ መሰረታዊ ሕጊ እዩ፡፡ ከም ኤርትራውያን ከኣ ቅዋም ኣይተተግበረን ክንብል እንከለና፡ እዞም ኩሎም ቅዋማዊ ረብሓታት ተሪፎምናን ከሲርናዮምን ኢና ማለትና ኢዩ፡፡

ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ልኡላዊነት ህዝብን ሃገርን ምስ ዘተኩር፡ ዲሞክራሲያዊ መትከልን ኣገባባትን ማለት፡ ተሓታትነት (accountability)፡ ግሉጽነት(transparency)፡ ብዙሑነት (pluralism)፡ ምጽውዋር (tolerace)፡ ዝተመስረተ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ይኸውን፡፡ ዲሞክራሲ ከም ህላወ ብዙሓት ሰልፍታትን ምክያድ ምዱብ ምርጫታትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሃገርና ብዝሰፍሐን ዝዓሞቐን ታሪኻዊ መረዳእታ ክውሰድ፡ ከምኡ’ውን ህላወ ብዲሞክራሲያዊን መትከላትን ኣገባባት ዝመሓደር መንግስትን ሕ/ሰብን፡ ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ባህሊን፡ ተሓታትነቱ ንህዝቢ ዝኾነ መንግስቲ ክቖውም፡ ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ውሳነ ህዝባዊ ተሳታፍነት ክረጋገጽ፡ ዝገብር ስርዓተ ምሕደራ ክጥጥሕ ይግባእ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ውን ነዚ እዩ ተቓሊሱ፡፡ ብመንጽር እዞም መሰረታዊ መትከላት ዲሞክራሲ ዕላማ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነትን ግን ብሓፈሻ ተጨውዩ ተሪፉ ኢዩ፡፡

ፈለማ ኣብ 1990ታት፡ “ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳታፍነት ዝንደፍን ዝጸድቕን ሃገራዊ ቅዋም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መትከላት ዘኽብር፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚን ፈራዲን ኣካላቱ ኣብ ሕድሕዱ ዝቆጻጸርን ዝመዛዘንን (Check & balance)፡ ኣብ ሃገርና ግዝኣት ሕጊ (Rule of law) ዘስፍን፡ ንሓድነትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዝድርኽ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ክንተክል ኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ብበዓል ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ መሪሕነት ቅዋምና ምስ ተነደፈ፡ ንቅዋማዊ ባይቶ ቀሪቡ በ527 ኣባላት ሰፊሕ ክትዕን ምይይጥን ተኻይድሉ ጸዲቑ ‘ዩ፡፡ እንተኾነ ከይወዓለ ከይሓደረ፡ ብሰንኪ መላኺ ኢሳይያስ፡ ቅዋምና ኣብ ትሕቲ ከብሒ ካብ ዝድርበ እንሆ 20 ዓመታት ኣቑጺሩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዘን 20 ናይ ኩናትን ወረ ኩናትን፡ መከራን ስቓይን፡ ስደትን ውርደትን ዓመታት፡ እቲ ድርዒ ኩሎም ርህው ባእታታት ዝኾነ ቅዋም፡ ዘይመተግበሪኡ ምኽንያት፡ ኣብ ሜዳ ብኸውሊ ዝጠጠዐ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ቀስብቐስ ዝገበለ፡ “ምልካዊ ባህሪታትን ዕብለላን” ኢሳይያስ ክንሱ፡ ያኢ! እቶም ድሒሮም ዝፈረዩ ተልመዴን ካድራት ግን ኣንፈት ክጥምዝዙን ብዙሕ ክህውትቱን ሰሚዕና ኢና፡፡

እንሆ ነቲ “ብሉጽ፡ ፍሉይ፡ንቑሕ” ኢሎም ዝጠቐስዎ ህዝቢ፡ ኣብ ትግባረ ቅዋም ምስ ዝመጽእ “…ብድኽነት፡ ድንቁርናን ሕማምን ዝግለጽ፡ ካብ ሓፈሻዊ ድሕረት ዘይተገላገለ፡ ኣምር ዲሞክራሲን ቅዋምን ዘይብሉ፡ ኣብ ቅዋማዊ ስርዓት ትሑት መረዳእታ ዘለዎ ሕ/ሰብ” ኢሎም ብምግላጽ ገና ብኣግኡ ከቆናጽብዎ ምፍታኖም፡ ሃየንታ ዘይብሎም ምኻኖም ኣመስኪሮም እዮም፡፡ እቲ ካልእ ይትረፍ! ካብ ቅድመ ታሪኽ ጀሚሩ ዝተሃንጸ ያታታትን፡ ሕጊ እንዳባን ዘማእኸሎ ኤርትራዊ ሕ/ሰብ፡ ኣብ ዘበነ መግዛእቲ ውን ኣምራት ቅዋም ዝሰረጾ ማሕበረሰብ በዞም ተልመዴን ካድራት ህውተታ፡ እቲ ቅዋም ንከይትገበር ምኽኑይ ንምግባር ምፍታኖም ካልእ መርአያ ኢዩ፡፡

ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ፡ ሻቡ ምስ ሞራልናን ፍናንናን እንከለና፡ ድቂ ዲሞክራሲ ክዓስል ኢልና፡ ኣብ ዝበሃግናሉ እዋን፡ ኢሳይያስ ብሓደ ገጽ መገርሂ ቅዋማዊ ባይቶ፡ ትግባረ ቅዋምን፡ ዝሰዓቦ ኮሚሽን ምርጫን ኣጣይሱ፡፡ ብካልእ ወገን ከኣ ኣብ ምሽብሻብ ንዳግማይ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ከምዝነበረ፡ ንኹላትና ድሒሩ ዝተገሃደ ሓቂ እዩ፡፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ነቲ ብጸጋማይ ዓይኑ ክጥምቶ ዝጸንሐ፡ መስርሕ ቅዋም ብዘቤታዊን ግዳማዊን ምኽንያታት ኣመሳሚሱ፡ እቲ ብዙሕ ድኻምን ጸዓትን ዝፈሰሰሉ ቅዋምና ኣደስኪልዎ፡፡ ኣብ ታሪኽ ድሕሪ ናጽነት እታ ልዕሊ ኹሉ ብጸላም ሕብሪ ዝተጸሓፈት ዕለት እምበኣር፡ እዛ ቅዋም ዝተነጸግትላ ዕለት’ያ፡፡

ድሕሪ’ዚ ኢሳይያስ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ኮነ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዘዕነዎን ዘበላሸዎን ‘ምበር ዝሃነጾን ዘማሓየሾን ነገር የለን፡፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ህይወትን ባህልን፡ ንኤርትራ ንድሕሪት ንምምላስ ከምድላዩ ዝእዝዞም ሰዓብቲ እንዳዋፈረ፡ ብዘይምስልካይ ብሓርፋፍ ጎነጽ ሰሪሑ፡፡ ኣብ ሃገርና ክጥጥዕ ጀሚሩ ዝነበረ ተኽሊ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ፡ ምሕዩ ዘመነ ሕሱም ምልኪ ኣምጺኡ፡፡ ንቑጠባን ትሕቲ ቀርጽን ማሕበራዊ ኣገልገልትን ኤርትራ ብምዕናው፡ 30-40 ዓመት ንድሕሪት መሊሱና፡፡ እቲ ዝኸፍአን ንምፍዋሱ ዝበርተዐን፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘስዓቦ ግፍዕን ኢሰብኣዊ በሰላታትን እዩ፡፡ እዚ ብሰንኪ ሓደ ምልካዊ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ሕ/ሰብና ዝሰረበ ድሑርን ኣነዋሪን ሓድጊ ኣብ ኩሉ ሸነኻት እታ ሃገር ሳዕሪሩ ኢዩ፡፡

ንጸቢብ ፖለቲካዊ መኽሰብ፡ ፍልልያት ህዝቢ ኤርትራ ንምግፋሕን፡ ጸቢብ ስምዒታት ብምስዋር፡ ኢሳይያስ ብሓቂ ብሓዊ ክጻወት ንምውሳኑ መርአያ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም መዋእሎም ከርተት ዝበሉ፡ ምስኡ ብላይ ኮቦርታ ተነጺፎም፡ ኣብ ሳሕል ዝነበሩ ተጋደልትን ሓለፍትን ዝወሰኖ ውሳነታት እዩ፡፡ መዋእል ብሓባር ከርቲቶም፡ ምእንቲ ናጽነት ኩሉ እንዳፈለጡ ከምዘይፈለጡ፡ ኣብ ከብዶም ጸይሮም ዝጸንሑ ሓለፍቲ፡ ጉዳይ ምንጻግ ቅዋምን ዘይምኹኑይ ኩናት ምስ ኢትዮጵያን ብምልዓል፡ ብድፍረት ክጻብእዎ ምስ ጀመሩ፡ ኢሳይያስ ነታ ድርሳነ መናውራ ሳሕል ገንጺሉ፡ ብሓደ ወገን ንህዝቢ ከተዓሻሽው ዝኽእሉ ሓደስቲ ቆጣቑጢ ካድራት ከተኣኻኽብ፡ ብካልእ ወገን ከኣ ነዞም “ተጻባእቲ” ከሕቅቕ መደባት ኣብ ምስራዕ ተጸምደ፡፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2000 ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ፕረሲዳንት ቅዋም ከተግብር፡ ብዙሑነት ሰልፍታት ዘሳትፍ ምርጫ ክገብርን ጻዊዒት ገይሮም ነይሮም፡፡

ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ መንበሩ ዝህቀኑ ተቓዉሞታት፡ ብዘይቅደመ ኩነት ንምቑጻይ ድለው ምንባሩ፡ ብወግዒ ዝተረኣየሉ እዋን’ውን ሽዑ እዩ ነይሩ፡፡ ሓለቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻል ነበር ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃ፡ ንኣተኣላሊያ ኩናት ፕረሲዳንት፡ ብውልቁ ምስ ነቐፈ፡ ካብ መዝነቱ ሰጊጉ ናብ ካልእ ክዛወር ምግባሩ’ውን ኢሳይያስ ብትም ሕትም፡ ሕቶ ሪእይቶ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ክሃንጽ ከምዝወሰነ እኹል መርአያ ኔሩ፡፡ ድሕሪ”ዚ ዝሰዓበ ምእሳር ኣባላት ጉጅለ-15፡ ምድስካል ሃገራዊ ባይቶ፡ ምሕራይ ሓደስቲ ሰብ ግዜ ኣዳኸርቲ፡ ምብታን ስሙያት ኣመሓደርቲ፡ ተኽሊጥ ኣሃዱታት፡ ምቋም ማእለያ ዘይብለን ናይ ትሕቲ ምድሪ ናይ ዓፈና ቤት ማእሰርታትን ናይ ዓፈና ጉጅለታትን ስዒቦም ዝተረኣዩ፡ ምድላዳል ጥጡሕ ባይታ ንምልኪ ነይሮም፡፡

ካብ ሜዳ ጀሚሩ ንብረታዊ ቃልሲ ዘዐወቱን፡ ኣብ ናጽነት ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም ሓለፍቲ ህግሓኤን፡ ብኣግኡ ምስተቐዩ፡ እቲ ውድብ ብሰብኣዊ ዓቕሙ፡ ብፖለቲካዊ መንነቱ፡ ናይ ምውሳን ተኽእሎኡ ማህሚኑ፡ ብሓደ ሰብ ዝዝወር ስማዊ ኮነ፡፡ ብ1987 ካብ ዝነበሩ 9 ኣባላት ፖለቲካዊ ቤ/ጽ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፡ ኣብ መጀመሪያ 2000 ኣርባዕተ ጥራይ ማለት ኢሳይያስ፡ ኣልኣሚን፡ ስብሓትን ዓሊ ሰይድን ተሪፎም፡፡ ከም በዓል ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ሃይለ ድሩዕ፡ ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ መሓመድ ሰይድ በርህ፡ ሮማዳን መሓመድ ኑር ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብማእሰርቲ፡ ብድስከላ፡ በሞትን ብስንብትን ቀስብቀስ ተኣሊዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ኢሳይያስ በይኑ ገቢሉ ምስወጸ፡ እቶም ብ1994 ፈጻሚት ባይቶ ህግደፍ ተባሂሎም ዝተመርጹ ዳርጋ መብዛሕትኦም ድስኩላትን ዘይመትከላውያንን እንዳኾኑ መጺኦም፡፡

ብ1994 ዝተመርጹ 19 ፈጻሚት ባይቶ፡ ዳርጋ ብሙሉኦም ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ብሰንኪ መላኺ ባህሪ ኢሳይያስ፡ ኣብ ሓርጎጽጎጽ ዝጸንሑ’ዮም፡፡ ንኣብነት መስፍን ሓጎስን ሙሕየዲን ሸንገብን ናብ ስደት ኣምሪሖም፡፡ ሓምድ ሓምድን ጀርማኖ ናቲን ምስ ጉጅለ 15 ናብ ዒራዒሮ ወሪዶም ብኡ ኣቢሎም ሓቒቖም፡፡ ዓሊሰይድ ዓብደላ ‘ውን ኣብ 2006 ሞይቱ፡፡ ዓብደላ ጃብርን ኣልኣሚን ሸኽ ሳልሕን ድማ ብጉዳይ ስርሒት ፎርቶ ኣብ 2013 ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡፡ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ናጽነትን ህንጸት ሃገርን፡ ተሳታፍነት ደ/ኣንስትዮ ክብ ንምባል ተባሂሉ፡ ኣብ 1994 ኣባላት ፈጻሚት ባይቶ ህግደፍ ኮይነን ዝተመርጻ፡ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ፎዚያ ሓሽምን ኣምና ኑርሑሴንን ውን ቀስብቐስ መጋበርያ ምልኪ ኮይነን ሓደ ግዜ ንላዕሊ ሓደ ግዜ ንታሕቲ እንዳተደርበያ ክሳብ ሕጂ ኣለዋ፡፡

ኢሳይያስ ጸጋታት ሃገርን ቁጠባን ብሓጎስ ኪሻ፡ ከምኡ ‘ውን ወጻኢ ርክባትን ውዳቤን ብየማነ ማንኪ፡ ጸጥታዊ ኩነታት ብወዲ ካሳ፡ ክምእኸል እንዳገበረ፡ ሃገር ብሃገራ ኣብ ትሕቲ ከብዲ ኢዱ ጨቢጠ፡፡ ህግደፍ ዝበሃል ውድብን መንግስትን ሙሉእ ብሙሉእ ምስ በሓቶ፡ ህግደፍ ከም ውድብ ህልውንኡ ጠፊሹ፡ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ባይቶን ዝበሃል ውዳቤታት ሓቒቑ፡ ብዘይ ጉባኤ፡ ብዘይ ኢሂን ምሂን፡ እትምራሕ ኣብ ኣፍሪቃ ካልአይቲ ሰሜን ኮርያዊት ሃገር ሃኒጹ፡፡

ኣብ ሜዳ ብወትሃደራዊ ተሞኩሮኦም ስሙያት ዝነበሩ፡ ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ናብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክሰሓቡን ኣብ ዘዝጥዕሞም ወትሃደራዊ ድጓናታት ከቑሙን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሙሉእ ሃገር፡ ክሳብ እቲ ዝተሓተ ኣቃውማ እንዳ ወረዱ፡ ንምምሕዳር ዓዲ ምስ ዓዲ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከይተረፈ ውን ህዝቢ ብትሪ ንምቁጽጻር ዝከኣሎ ጽዒሩ፡፡ ጎኒ ንጎኒ ብኩፐን ዝተማእዘነ ቁጽጽር ስድራ ቤት፡ ብህግደፍ ዝምራሕ ክሳብ ምምሕዳር ዓድታት ዝተዘርገሐ ውዳቤታት፡ ን”ስግረ ዶብ” ዘምርሑ ዓይነታዊ መቕጻዕቲ፡ ከምኡ ውን ዕቱብ ምክትታላት ሃገራዊ ድሕነት ብምግባር ኢሳይያስ ሓደ በይኑ ግኑን ውልቀ መላኺ ኮይኑ ደልዲሉ ቀጸለ፡፡

እምበኣር፡ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ታሪኽ ሃገርና ብጊላነት፡ ብምልክነት፡ ብዕበለላ፡ ብ”ግበር ኣይትግበር”ን፡ ብዕቱብ ስርዓተ እዝን ቁጽጽርን ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ዝተመርሐ ጸሊም ታሪኽ እዩ፡፡ ብ1994 ሓድሽ ታሪኽ “ነጥበ መቐይሮ” ተባሂሉ፡ ገዳይም መራሕቲ ሰውራ ንድሕሪት፡ “ሓደሽቲ ደም” ንቕድሚት ብዝብል ዝተጀመረ መናውራታት ዕምሪ ስልጣን፡ ቀጺሉ ብ”ተንበርካኽነት” ተመሳሚሱ፡ እቶም ቀንዲ ኣብ ጎዳጉዲ ምስ ኣተው፡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ወናኒ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ኮይኑ ምስ ተገሃደ፡ “ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኸሓደ ብሴፍ” ዝዓይነቶም ፖሊሲታት ተጠቂሙ ሃገር ከዕኑ፡ ንጸቢብ ፖለቲካዊ መኽሰብ ፍልልያት ህዝቢ ከጋፍሕ፡ ታሪኽ ሃገር ክድውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ታሪኽ ሞትን ስደትን ክኾውን ጌርዎ ኢዩ፡፡

እቶም ትማል ካብ ሓውን ዓረርን ተሪፎም፡ ናጽነት ዘረከቡ ተጋደልቲ፡ ናብ ድኽነትን ጊላነትን ለዊጡ፡ በቢግዝኡ ናብ ልመናን ተመጽዋትነት ይቕሰቡ ኣለው፡፡ ኩሉሻዕ “ተጋዳላይ እከለ ብዝሓደሮ ሕማም ተሰዊኡ” ዝብሉ ዜናታት እንዳለመድና፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ቋሕሰም ኣማኢት ዜጋታት እንዳጠፉኡና፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሲናይን ሊቢያን ብሓዊን በዳዊንን ኣሸሓት ዜጋታት እንዳኸሰርና፡ እቲ ምዑት ኤርትራዊ መንእሰይ ሃገር ተሓሪሙ፡ ፈቖዶ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብሽቕለት ኣልቦነት እንዳተንከራተተ፡ መዓስከራት ጎረባብቲ ሃገራት እንዳጻባብና፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝቢ፡ ብሓደ ድምጺ ዝርንዝሕ እንዳነብዐ፡ ናብራ ኤርትራውን ሲ! ራህዋን ሓጎስን ዝረሓቖ፡ ናብራ ሕሰምን መከራን ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ፡፡ እታ ሃገር ከ! መን እዩ ክርከባ? ብስም “ግዝያዊ መንግስቲ” ተኾይጡ፡ ነባሪ ዕንወትን ጥፍኣትን ዝዘርኣልና ኢሳይያስ፡ 18 ሚኒስተራት ናብ ጊላታት ለዊጡ፡ ካብ 56 ጀነራላት ሒደት ምሉኻት ጥራይ ኣስዒቡ፡ በይኑ ጀነራል፡ ባዕሉ ሚኒስተር፡ ባዕሉ ኮሚሽነር፡ ባዕሉ ኢንጅነር፡ ባዕሉ በዓል መዚ፡ ባዕሉ ሓለፊ፡ ባዕሉ ቀሺ፡ ባዕሉ ሸኽ… ኮይኑ፡ ምስ ጎረባብትና ሕዱር ጽልኢ እንዳዘርአ፡ ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ፡፡ ብዘይ ተካኢ ወለዶን ዝትክእ መሪሕነትን እንሆ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ሞትን እርጋንን ብዘንጸላለዎም ሓለፍቲ ተኸቢቡ ሓደ እግሩ ናብ መቓብር የምርሕ ኣሎ፡፡

ኣብ ታሪኽ ዓለም ብስም “ግዝያዊ መንግስቲ” ን26 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዋላ ሓደ መራሒ የልቦን፡፡ ትማሊ ከምዚ ከማና፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ፡ ናጽነትን ዘውሓሳ ሓደስቲ ሃገራት ደቡብ ሱዳንን፡ ምብራቕ ቲሞርን እኳ፡ ካብ “ግዝያዊ መንግስቲ” ሰጊረን ስሩዕ መንግስቲ ኣቒመን ኣለዋ፡፡ ኣብዚ ርብዒ ዘመን እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ባህሪያዊ ታሪኻዊ ጉዕዙኡ ተኾሊፉ፡ ኣብ ትሕቲ ዳግማይ መግዛእቲ ኣትዩ እዩ፡፡ እቲ ዝኸፍአ ሞትን ስደትን ዘስዓበ ዘቤታዊ መግዛእቲ ሪኡ እዩ፡፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘካየዱ ጭቁናት ህዝብታት ዓለም፡ ሃገሮም ከማዕብሉን ንዓወቶም ዝሕግዝ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ደገፍ ክረኽቡ እንከለው፡ ንሕና ግን ብሰንኪ ኢሳይያስን ኢሳይያሳውያንን ካብ ዓለም ተነጺልና፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ እተጨረሐት ዳስ ኮይና ኣለና፡፡

እሞ ክሳብ መዓስ…? …..ክሳብ መዓስ …ጊላነት? ክሳብ መዓስ…ማእሰርቲ….ክሳብ መዓስ….መቕዘፍቲ….ክሳብ መዓስ ስደት….ክሳብ መዓስ ሞት…. ካስብ መዓስ ምልኪ….ክሳብ መዓስ ተነጽሎ…? ክሳብ መዓስ ከ “ግዝያዊ መንግስቲ”????

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን …እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል “ክሳብ መዓስ?” ብርግጽ ማዕልቦ ኣለዎ፡፡ ብሓቂ’ውን ክወግሕ’ዩ፡፡ እቲ ጸሊም ድነ ክቕንጠጥ’ዩ፡፡ ንኹሉ ከፋፋሊ ተግባርትን ስሚዒታትን ነጺግና፡ ንምብትታና ዝህቀን ኢሳይያሳዊ ሽጣራታት በዲህና፡ ብሓድነት ንኤርትራን ህዝባን ኣሚና፡ ምእንተ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ተወፊና፡ ንመላእ ህዝብና ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ኣስሚርና፡ ተቓሊስና እዚ ርሑቕ ዝመስል “ክሳብ መዓስ…?” ብርግጽ ክነሕጽሮ ኣለና፡፡ ነዚ ራእይ ወለዶታት ዝቆጸየ “ግዝያዊ መንግስቲ” እውን ኣብ ግቡእ መዓልኡ ክነብጽሖ ኣለና፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!!!

ኣብ ምድላው እዚ ጽሑፍ እንዳሃለኹ፡ ብሓሙስ ዕለት 26 ጥቅምቲ 2017፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ሕልና ኣልቦ መጋበርቲ ኢሳይያስ ዝነበረ፡ ሓላፊ ቤት ማሕዩር ትሕቲ ምድሪ ዒራዒሮ፡ ሌ/ኮ ኢሳቕ ኣርአያ ወዲ ሓኪም ሞይቱ ኣሎ፡፡ እዚ ዜና ንዓይ ከም ሳክቲዝም ብሓደ ገጽ የጉህየኒ፡ ብካልእ ገጽ ከኣ የሕጉሰኒ፡፡ ዝጉህየሉ ምኽንያት፡ እዚ ሙሉኽ መጋበርያ ኢሳይያስ፡ ንኣስታት 17 ዓመታት ሓላፊን ሓላዊ ልዳትን ዒራዒሮ ስለዝነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ዒራዒሮ ዝጸረቶም ሕድሕድ ሚስጢራትን ኩነታት መቕዘፍቲ እቶም እሱራት ዝምልከት፡ ሙሉእ ሓበሬታ ሒዙ፡ ናብ መቓብር ብምውራዱ ኢዩ፡፡ ብካልእ ወገን ብሰንኪ ዝፈጸሞም ግፍዕታትን ጨካን ኣተኣላልያ እሱራትን፡ ውዒሉ ሓዲሩ ወዲ ሓኪም፡ ብደው ናብ ጽላለ ኣምሪሑ በቢዕለቱ ናይ ቅድስተ-ማርያም መድሓኒት እንዳተጠቐመ፡ ግዳይ ሕማማት ሽኮርያን ደም ብዝሕን ኮይኑ ስለዝጸንሐ ኢዩ፡፡

በቲ ዘኹርዕ ስርዓትን ያታትናን ንመዋትን ንሬሳን ልዑል ክብሪ ኣለኒ፡፡ እንተኾነ ኣርኪብናሎም ብምእኹል ሕጋዊ ኣገባብ (due process of law) ክቕየዱን ክፍረዱን ዝግበኦም ሰባት፡ ምስ ኣባጓይላ እንከለው ብሰንኪ ባህሪያዊ ሓደጋን ሕማማትን ክቕዘፉ እንከለው ከም ሰብ “ጋሕ ይበሉ” ዝብሉ ዜጋታት ኣለው፡፡ ብዝኾነ እዚ ካብቶም ቀንዲ ዕሉላት ኣቐበልቲ ዘረባን ደገፍቲ ኢሳይያስን ዝነበረ ወዲ ሓኪም፡ ካብ 2013 ንደሓር ብስነ-ኣእምራዊ ጭንቀትን ብካልኦት ሕዱር ሕማማትን ክሳቐ ጸኒሑ እዩ፡፡ ብፍላይ ስሙ ሓደ ግዜ ምስተፈለጠ ዳርጋ “ወጺኻ ብሰላም እቶ” ዝብሎ ሰብ ስኢኑ፡ ካብ ሰባት ተነጺሉ፡ በይኑ ከህተፍትፍ ይረአ ነይሩ፡፡

ሕማሙ ኣዚዩ ምስ ተጋደደ፡ ኣብ መወዳእታ ሓወይ ኢሉ ዝጽውዖ “ብርሃነ” ዝተብሃለ ሰብ፡ ካብ ኣመሪካ ጸዊዑ ንዝተወሰነ ግዜ ክኣልዮ ጸኒሑ፡፡ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ምስ ኩሉ ሕማማቱ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራይ ክሕከም ብምውሳኑ፡ ነዊሕ እዋን ንዘይጠቅም ሕክምና ኣብ ኢናኢል ክመላለስ ጸኒሑ፡፡ ኣብ 2015 ንዓዲ ጥልያን ከይዱ ክሕከም ንቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብተደጋጋሚ ሓቲቱ ኣይተፈቕደሉን፡፡ ኣብ መወዳእታ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ብሓለዋ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ገለ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራን ኣብ ሱዳን ከይዱ ክሕከም ወሲንሉ፡፡ ኣብ ሱዳን ክመላለስ ድሕሪ ምጽንሑ ሕማሙ ተጋዲዱ በቲ ዕለት ሞይቱ፡፡

ከም ሳክቲዝም፡ ኣብዚ ሕጂ ኮይነ፡ ንወዲ ሓኪም ክዝክር እንከለኹ፡ ብዙሕ ሓሳባት ቅጅል ይብለኒ፡፡ ኣብ እዋን ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኮር 491 ካልኣይ ብርጊድ (ድሓር ክ/ሰ 29)፡ ክሳብ ኣዛዚ ብርጌድ በጺሑ ነይሩ፡፡ በቲ እዋን ሓደ ካብቶም ንኢሳይያስ ቀጻሊ ወረ ዘመላልሱ ማእከለዎት ሓለፍቲ እዩ ነይሩ፡፡ ብፍላይ ብዛዕባ ኣዘዝቲ ኮራትን ካልኦትን ዘምጸኦ ዝነበረ ቆሎ ጥጥቖ ዘረባታት፡ ደሓር ተጸብጺብሉ ማዕረ “እሙን ኢሳይያስ” ተቖጺሩ ሓላፊ ቤት ማእሰርቲ እምባትካላ/ዒራዒሮ ኮይኑ ተመዚዙ፡፡ ድሕሪ ምቕያድ ኣባላት ጉጅለ 15 ካብ ምብጻሕ እሱራት ናብ ዒራዒሮ ጀሚሩ፡ ኣብ ነፍሰወከፍ ንጥፈታት ዝተሳተፈ ጉድን ኣበር ጉድን ዒራዒሮ ኣንዳዕዲዑ ዝፈልጥ ሓላፊ ኔሩ፡፡

ኣብ ዒራዒሮ ዝእዝዞም ክልተ ሓይልታት ሓለዋን ስታፍን ነይሮምዎ፡፡ ብባህሪ ኣዚዩ ጨካን፡ ፈታዊ ነብሱ፡ ሕድገት ዘይፈልጥ ሰብ እዩ፡፡ ብፍላይ ማዕረ ሓደ ጀነራል ኮይኑ ብቐጥታ ምስ ኢሳይያስ፡ ውጩን ፍሊጶስን ክራኸብ ምስ ጀመረ ሙሉእ ብሙሉእ ብብድዐ ተመሊኡ “መን ከማይ” ክብል ጀሚሩ ነይሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ዒራዒሮ ከም ናይ ገዛእ ርእሱ ደሴት ተጠቒሙ፡ ካብ እሱራት መሻርፍ ክሰርቕ፡ ካብ ሕርሻን ጤለበጉዕን ክለቓቕም፡ ኣባላት ኣብ ዘይገበኖም ከእቱን ከጋፍዕን ዝጸንሐ ሓላፊ እዩ፡፡ ጉዳይ ዒራዒሮ ዝምልከት ሓበሬታ ብቐጥታ ናብ ፕረሲዳንት ብምድዋል ሰሙናዊ ይሕብሮ ነይሩ፡፡ ክሳብ ዕለተ ሞቱ ኣብ ትሕቲ ዕቱብ ስውር ምክትታል ሓለዋ ውሽጣዊ ጸጥታን፡ ክፍሊ ጠለፋን ዝነበረ ወዲ ሓኪም፡ ናይ ውልቁ ብ07127022 ዝተመዝገበ ቁጽሪ ቴሌፎን ዝነበሮ ኮይኑ፡ ምስ ፕረሲዳንት ዝራኸበላ ቁጽሪ ድማ 07110908 ትብል እያ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዒራዒሮ ዝተመዝገባ ቁጽሪ ቴሌፎናት ንናይ ወዲ ሓኪም ሓዊሱ ብጠቕላላ 4 እየን፡፡ እተን ዝተረፋ ብ07110902 ዝተመዝገበ ናይ ካልኣዩ ወዲ ሓኪም ዝነበረ ትለንተ ተስፋኣለም ሃብተን ብ07224808 ዝተመዝገበ ናይ ኣብርሃለይ ግደ ዝተብሃለ ስታፍ ቁጠባ እየን፡፡

ወዲ ሓኪም ካብ ዒራዒሮ ብዝረኽቦ ኣታዊታት፡ ብጀካ ኣብ ኣስመራ ዝተወገነሉ ገዛ፡ ኣብ ዱባሩባ ውን ሰሪሑ እዩ፡፡ ኣብ ከባቢ ዒራዒሮ ኣብ ሓለዋ ካብ ዝነበሩ ኣፍረይቲ ትካላት እንዳ 32 ዝተረከቦ ሕርሻ ተጠቒሙ፡ ብናጻ ጉልበት ኣባላት ሓለዋ ዒራዒሮ፡ ኮሚደረ፡ ዕፉን፡ ኣራንሺ፡ በርበረ፡ ሌሚንን ማንጉስን ኣፍሪዩ ንውልቁ ይጥቀም ነይሩ፡፡ ኣብ ዒራዒሮ ብኣባላት ዝጓሰያ፡ ልዕሊ 60 ጤለበጊዕ ብምፍራይ ከምኡ ውን ድኳንን ቢሊያርዶ ከፊቱ ከም ድላዩ ክጥቀም ጸኒሑ ኢዩ፡፡ ነቶም ኣባላት እንዳጎጃጀለ ገሊኦም ናይ ባዕሉ መሳርሕቲ፡ ገሊኦም ድማ በቢእዋኑ “ፕረሲዳንት ስጉምቲ ክወስደልካ ኢዩ” እንዳበለ ብምፍርራሕ ግዳይ ሕማማትን ነብሰ ቅትለትን ገይርዎም ኢዩ፡፡ ነፍሰወከፍ ምንቅስቓስ ወዲ ሓኪም እንዳፈለጠ ከምዘይፈለጠ ክሓልፎ ዝጸንሐ ኢሳይያስ፡ ምስ ሓመመ ከኣ ዕቱብ ምክትታል ክግበረሉ ኣዚዙ ኢዩ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!!

ኣብ ገለ ምንጭታት ካብ ዝረኸብኩዎ ንወዲ ሓኪም ዝምልከት ሓበሬታ ወሲኸ ጽሑፈይ ክዛዝም፡፡

• ወዲ ሓኪም ኣብ ዒራዒሮ ከም ድላዩ ዝእዝዞም ተስፋጽዮን ኣስገዶምን ተስፋይን ዝተብሃሉ ክልተ ስታፋት ሕክምና፡ 4 መገብቲ፡ 2 ሓለውቲ ጥሪት (ትንስኡ ተወልደን ስዩም ስቲፋኖስን ዝተብሃሉ) ነይሮምዎ፡፡

• ብስንኪ ታህዲድን ምፍርራሕን ክልተ ኣባላት ሓለዋ ጭንቀት ጌሮም፡ ነብሰ ቅትለት ከምዝፈጸሙ (ተኸስተ መረጸ ወዲ ማይ ጻዕዳን፡ ተስፋይ ገብሪሂወት ወዲ ገዛ ሓምለ) ከምኡ ውን ብዙሓት ኣባላት ከም ዝሃደሙ ገሊጾም፡፡

ብሓፈሻ ብዕለት 26 ዝተበሰረ ሞት ወዲ ሓኪም፡ ብዙሕ መልእኽቲ ኣለዎ፡፡ ብሓደ ገጽ ኣባጓይላ ኢሳይያስ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ሓበሬታ ዒራዒሮ ሚስጢር ከየዝሮቋ ምእላዩ ዘቕስኖ ኮይኑ፡ ብካልእ ገጽ ከኣ ኣብ ዒራዒሮ ዝርከቡ ኣባላት ሓለዋ፡ ድሕሪ ሞት ወዲ ሓኪም፡ ኢሳይያስ ኩሉ ጉዳይ ዒራዒሮ ብትም ሕትም ክኸድኖ ይኽእል እዩ፡ ካብ ዝብል ንዖኦምን ነቶም ዝተረፉ ፍቕዲ እሱራትን ብኣልማማ ከየጥፍኦም ልዑል ስግኣት ከሕድሩ እዮም፡፡

ብዝኾነ ኣብ ልዕሊ መሬት፡ ሕልና ዘለዎ ወዲ ሰብ ክጸሮ ዜክእል ግፍዕታትን ስቓይን ዝፈጸመን ዝረኣየን፡ ዕሉል ሓላዊ ልዳት ዒራዒሮ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ዓሪቡ ኣሎ፡፡

 

By: SACTTISM

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.