መንግስቲ ጣሊያን ንህዝቢ ኤርትራ ኣክንዲ ዝኽሕሶ ሰብኣውነቱ ይግህሶ፡
መንግስቲ ጣሊያን ምስ ስርዓት ኣስመራ ብሚስጢራዊ ስልቲ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ተሻሪኾም ዝገብርዎ ዘለዉ ግፍዕታት ሓቂ ቀቢርካ ስለ ዘይትቅበር ትቃላቐል ዘላ ትመስል። መንግስቲ ጣሊያን ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘቁጽር ሓያሎ ዓመታት ዳርዳ ንልዕሊ 70 ዓመት ገይሩ’ሎ። እስኪ ቅድሚ ናጽነት 1991 ዓ.ም. ኣብ 80፡ታትን፡ 90፡ታትን ዝነበረ ዓመታት ንተዓዘብ። ኤርትራውያን ኣብ ኤሮፓ ተሰዲዶም ኣብ ዝቕመጡለን ዝነበሩ ሃገራት ናብ ዓዲ ጣሊያን ክገሹ ኣብ ዝደልዩሉ ግዜ፡ ንኣብነት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ስደተኛታት 3 ዓይነት መንበሪ ፍቓድ ንስደተኛታት ኢዋሃብ ነይሩ። 1ይ፡ ናሽናሊተት ክኸውን እንኮሎ ፡ እተን ክልተ ግን ቀዳመይትን ካልኤትን ኢየን። ረስትዶኩመንት እታ ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ፍረምሊን ፓስ ከኣ እታ ካልኤይቲ ማለት ኢዩ። ቀዳመይትን ናሽናሊተትን ዝሓዘ ፓስፖርት ቪዛ ከየውቀዐ ክገይሽ ይኽእል። እታ ካልኤይቲ ፓስፖርት ዝሓዘ ግን ናይግድን ኢዩ ቪዛ ከውቅዕ። ቪዛ ኣብ ዝሓተትሉ እዋን ብውሕዱ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ኢወስደሉ ነይሩ ንኤርትራዊ ዜጋ ቪዛ ንኽውቃዓሉ። እዚ ብጀካ ንኤርትራውያን ንካልኦት ዜጋትት ዘይምልከት ኮይኑ፡ ንኻልኦት ዜጋታት ቪዛ ኣብ ዝሓተትሉ ግዜ ኣብ ውሽቲ 24 ሰዓታት ቪዛ ኢውቃዓሎም ነይሩ።
ድሕሪ ናጽነት 1991 ዓ.ም. መንግስቲ ጣሊያን ብጉዳይ ኤርትራዉያን ኣክንዲ ዝማሓየሽ በንጻሩ ደኣ ዳባኣሰ ከደ። ኣብ 1998 ዓ.ም. ኢሰያስ ዕድመ ስልጣንኑ ንምንዋሕ ዝወለዖ ኲናት ወራር ወያነ ተባሂሉ ዝፍልለጥ ዶባዊ ግህርጭት ዝነበረ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ መንግስቲ ጣሊያን ኣብቲ ዝቀረበ ናይ ዶብ ዓለማዊ ቤት-ፍርዲ ብዝያዳ መፍትሕ ሽግር ናይዘን ክልተ ሃገራት ክጻወቶ ዝኽእል እጃም ኣብ ኢዱ እንዳሃለወት እታ ካርታ፡ ምኽንያቱ ከመይሲ ናይ ዶብ ጉዳይ ባዕሉ መንግስቲ ጣሊያን ግዝኣቱ ዝነበረት ሃገረ ኤርትራ ዝሓንጸጾ ዶባት ምስክርነቱ ከቅርብ ዝግበኦ ንሱ ነይሩ ክንሱ፡ በንጻሩ እኳዳኣ ኢዱ ኣጣሚሩ ኢዩ ክዕዘብ ዝተራእዩ። ብህግደፍ ምስቲራትና ዝኣተናዮ ውዕል ኣኽብር ዝተባህለ ኢዩ ዝመስል።
መንግስቲ ጣሊያን ኤርትራ ግዝኣቱ ብምንባራ ዕዳኡ ግዲ ዕሽሽ ኢሉዎ ኮይኑ፡ ዕዳ ከምዘለዎ ክፈልጦ ኢግቦኦን ንኤርትራ ክኽሕሳ ኢዩ ዘለዎ። ካልእስ ኢትረፍ ነቲ ብሳሃራን ብባሕርን ሰጊሩ ተሰዲዱ ዝኣትዎም ዘሎ ኤርትራዊ ስደተኛ ብፉሉይ ኣጋባብ ዝታሓዘሉን መሰሉ ዝኽበረሉን ብግቡእ ክህቦም ነይርዎ መንግስቲ ጣሊያን። መንግስቲ ጣሊያን ግን ውዕለቱ ምስ ህግደፍ ዘለዎ ክገበሮን ክፍጽሞን ምዃኑ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ኢረኤ’ሎ ኢመስል ምዅንያቱ ዘይተረጋገጸ።
መንግስቲ ጣሊያን ኣቐዲሙ ንኣባ ሙሴ ዘርኣይ ኣፉ ኣትሕዞ ዝተባህለ ከይኮነ ስለ ዘይተርፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ባሕሪ ኮይኑ መታን ክጸንት ኣፉ ንምሓዝ ተባሂሉ ክሲ ተመስሪትሎም ዘሎ ንኣባ ሙሴ ስቕ ኢሉ ዱቡላ ካብ ሰማይ ኣይወረደሎምን። ብ2015 ዓ.ም. ኖበል ፕሪስ ናይ ሰላም ግብረሰናይ ንኣባ ሙሴ ሸሊምዎም ከብቅዕ፡ እንታይ ደኣ ኣምጸኦ ሕጂ ብጥርጣረ ኣምሲልካ መን ከሳሲ ዘይፍለጥ መመኽኔታ ክሲ ኣቕሪብሎም ዘሎ። ብኢድ ኣዙር ክሲ እንድሕር ዘይኮነ፡ መንግስቲ ጣሊያን ስለምንታይ?
መንግስቲ ጣሊያን ብድሕሪ ናይ ኣባ ሙሴ ከይጸንሐ ቀጺሉ ነዚ ሕጂ ኣብ ከተማ ሮማ ዘካይዶ ዘሎ ግህሰታዊ መሰል ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራዉያን ዘጋፍዖም ዘሎ ናይ ርህራሄ መሰል ስደተኛታት ( Humanity) የብሉን ዲዩ ምስቲ ሃገረ ኤርትራ ግዝኣቱ ምንባራ መጠን።
መቸስ ኣብ ዝመጽእ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ምስ ሓድሽ መንግስቲ ኤርትራ ምስ መንግስቲ ጣሊያን መስመሩ ዝሓዘ ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነትን፡ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጣሊያን ዝነበረትሉ በቲ ኮይኑ በቲ ክንጻባጸብ ተስፋ ንገብር።
መርበብ፡ www.nselam.com