Home ዜና ትግርኛ ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ንምሻም ዝግበር ዘሎ ውዲት ንኹንኖ!

ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ንምሻም ዝግበር ዘሎ ውዲት ንኹንኖ!

1626
0
SHARE

ቅድሚ ሕጂ መንግሥቲ ኤርትራን ውሑዳት ጳጳሳትን ንሕጊ ቤተ ክርስቲያን ግሂሶም፡ ንኣቡን ዲዮስቆሮስ 4ይ ፓትርያርክ ኢሎም ምሻሞም ይፍለጥ። እንሆ ሕጂ’ውን ዳግም ዘይሕጋዊ ፓትርያርክ ንምሻም ይሸባሸቡ ኣለዉ።

ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርትን ጽምዋን ክሳቐዩ ጸኒሖም፥ ሎሚ ድማ ኣብ ከቢድ ሕማም እንከለዉ፥ ዘይሕጋዊ መንበር ፓትርያርክ ንምድያብ፥ ከም ኣባ ሉቃስን ከምኡውን ኣባ ባስልዮስን ዝያዳ ዝጓየዩሉ ዘለዉ ናይ ሥልጣን ቅድድም ንኹሉ ዘሕዝንን ዘጉህን እዩ። ብፍላይ ኣባ ሉቃስ ንረብሓ ፖለቲካ እምበር ንረብሓ ሃይማኖት ዘየገልግሉ፥ ንቃል ኣምላኽ ርኹስ ዝበሉ፥ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣብ ምውራድ የማናይ ኢድ ናይቲ ብፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመዚዙ ዝመጸ ዮፍታሀ ቀሺ ዲመጥሮስን ሰዓብቱን ኮይኖም ሕማቕ ታሪኽ ዝፈጸሙ ሰብ ኢዮም። እዚ ማለት፥ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ናብዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ከቢድ ኩነታት ንኽትወድቕ ዝገበሩ እዮም።

መንግሥቲ ኤርትራ: ንቤተክርስቲያን ተዋሕዶ ከም ሓንቲ ትካል መንግስቲ ገይሩ ጅሆ ብምሓዝ ንፓትርያርክ እንጦንዮስ ብዘይ ሓደ ገበን ን11 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ከሳቕዮም ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ድማ ኣብ ከቢድ ሕማምን ስቓይን ወዲቖም ይርከቡ። እዚ ዱበላ ሕማም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ድማ፥ ኣብ መላእ ሕዝቢ ኤርትራ ካልእ ተደራቢ ሕቶ ከልዕል ናይ ግድን እዩ።
ኣባ ሉቃስ “ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ” ብዝብል ጉልባብ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ብቴሌቪጅንን ሬድዮን ሓንሳብ ዋና ጸሓፊ ካልእ ጊዜውን ዘይመዓርጎም ክነሱ ብፁዕ ወቅዱስ (His Holiness) ዝብል ዘይግብኦምን ቅጽል ኣስማት ክወሃቦም ጸኒሑን ኣሎን። እዚ ቅጽል ኣስማትዚ እምበኣር ብሃውሪ ዝተዋህበ ኣይኮነን። እዚ ብቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተነብረ ውግዘት ከይተላዕለ፥ ንኣባ ሉቃስ ይኹኑ ንካልእ ጳጳስ ዝወሃብ ሽመት ኦርቶዶክሳዊ ሕጋውነት ይኹን መንፈሳዊ ተቐባልነትውን የብሉን።

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መንፈሳዊ መሰል ተነፊግዋ፥ ሕጋዊ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር ይሳቐዩ፥ ካህናትን መነኮሳትን ኣብ ማእሰርቲ ይበልዩ፥ ምእመናን ኣብ ክልተ ተኸፋፊሎም ይስደዱን ይሳቐዩን፥ ጥንታዊ ገዳማትና ይዓንዉ፥ ቤተ ክርስቲያን ውሽጣዊ ምብትታንን ደጋዊ ተነጽሎን ኣጋጢምዋ ኣብ ዓዘቕቲ ፈተና ወዲቓትሉ ኣብ ዘላ እዋን፥ ዕርቅን ፍትሕን ጌርካ ኣብ ንቡር ኣብ ክንዲ ምምላስ፥ ንጊዜያዊ ሥልጣን፥ ምጉያይ ሓደገኛ መገዲ እዩ።
ስለዚ ከምቲ ን3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ መዓርግ ኣውሪዱ: ዘይሕጋዊ 4ይ ፓትርያርክ ክሸይም ከሎ ብኣዋጅ ዝተቓወምናዮ፥ ሕጂውን ሕጊ ረጊጽካ ንዝግበር ሽመት-ፓትርያርክ ብትሪ ንቃወሞ ኣሎና። ምሉእ ሕዝቢ ኤርትራ ዓገብ! ኢሉ ክኹንኖ’ውን ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ነዘኻኽር።

  1. ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ልኡኽ ቀይሕ መስቀል ክበጽሖምን ግቡእ ሕክምና ክግበረሎምን ንሓትት ኣሎና። 
  2. ብጉልባብ ኣብ ውሽቲ ቤተ ክርስቲያን ተጸፊኹም ገበን እትፍጽሙ ዘለኹም ሰባት፥ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኢድኩም ከተልዕሉ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ንሓትት።
  3. ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ መንበሮም ክምለሱን ውግዘት ክልዓልን ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ጉዕዞኻ ክትቅጽል ክፍቀዳ ንሓትት።
  4. ኣኅጉረ ስብከታት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ሕጂውን ከም ትማሊ: ፓትርያርክ እንጦንዮስ ብህወት እንከለዉ፥ ሓቀኛ ዕርቅን ሥርየትን ክግበር ንጽውዕ።

“እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዚሐኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” ወንጌል ዮሓንስ 10፡1።

መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት።
18 ግንቦት 2017 (፲ግንቦት ፳፻፱ ዓ.ም ግእዝ)

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.