መልቀስ
ወየ!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!!
ኣብ ኒው ዮርክ መን ድኣ መይቱ
ብሃንደበት ድዩስ፡ ወይስ ብሰዓቱ
ኣምባሳደር ግርማ እውን ተገቲቱ
እንታይ ዳኣ በሉ መሳርሕቱ
ስድራ እንተለዎ ፋይላት ይኸፍቱ
ከይተደፍነ ኸሎ ደጋጊምኩም ሕተቱ።
ገርማ ኣስመሮም ኩዑሶ ተጻዋታይ
ወዲ ኮሎነል ግርማ ስሙ ተጋዳላይ
ንኽነብር ክብል ኮነ መታላላይ
ዝፈልጥዎ ይብሉ እዚ ቃፍላይ
ሓሶት ዝስራሑ ዛህላይ ማህላይ
መርዛም ዝመልሓሱ ቀዛፋይ
ስምብራት ገደፍካ ንመንእስይ ዘላላይ
ኣበይ ከይጥዕመካ ኣብቲ ላዕላይ።
ወየ!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!!!
ኣምባሳደር ግርማ ወዲ ኮለነል ኣስመሮም
ክንደይ ህጻናት ብሰንክኻ ዘኽቲሞም
መታለሊ ንስድራ ቤት ትመትሮም
ብጥልመትካ ኣብ ዒራዒሮ ተስፍሮም
ብዙሓት ዜጋታት ብኣኻ ቃዚኖም
በል ኪድ ኣርክብ ነቶም ዘቕዘፍካዮም።
መካንንቲ ሻዕብያ እዞም ዓያሹ
ንሃገሮም ሓቢሮ ዘፍርም ዘፍርሱ
ኣምባሳደራት ከማኻ ንሓሶት ዝምርሹ
ሓሶትን ክሕደት ተሰኪምኩም ዝገሹ
ንኣኻትኩምን ብጎይታኻን ኤርትራ በሪሱ።
ጭፍራ ህግደፍ ሃብቲ ሃገር ዘሪፎማ
ዝነበረ ቀርኒ ሃገር ጓዕሚሞማ
ዝነበረ ጅግንነት ዜጋ ደምሲስኩማ
ቅጥፈትን ስርቅን ንህዝቢ ምሂርኩማ
ደም ሰብ ዝቀለቦም ቀቲሎም ሰትዮማ
ስራሕኩም ዘስደምም ንዓልም ብዓላማ።
ወዮ!!!!ወዮ!!!!ወዮ!!!!!!!
ዝተዘምተ መርቂ ንመዓስ ክኾነካ
ዝተዘምተ ዶላር ኣበይ ከድሕነካ
ደም ከልቢ፡ ኮነ ወዮ ሞትካ
ሕማም ድዩ ተቐዚፍካ
ምህሩን ወስላታን ሓተላ ታሪኽካ።
ኣምባሳደር ብኣካትኩም ረኺሱ
ንኽትበልዑ ህዝብኹም በሪሱ
ኒው ዮርክ ንፍትሒ ገስጊሱ
ኣብ ሕጊ ከይቀረብካ ግዜኻ ተደምሲሱ
ዋላ እንተኸድካ ስምካ ይነብር ተሓዲሱ
ተግባርካ ኣብ መዛግብ ተጻሒፉ ተደሪሱ።
ወየ!!!!ወየ!!!!ወየ!!!!!!
በል ኪድ ሰዓትካ ኣኺሉ
ዝተረፉ ከማኻ ይምሰሉ
በብሓደ ኪዱ እስከ ጉደሉ
ዘይድንገጾም እኩባት ጎሓሉ
ሞት ከምዘላ እንተ ኣመኑሉ
ሕማቕ ዝስሞም ሽሉ ምሉ
ብድሕረኩም ፍትሒ ንኽህሉ
ህዝቢ ክነብር ኣብ ሰላም ክህሉ።
ኪድ በል ዕረፍ ካባዛ ዓለም
ሓሶትካ ዘብሉ፡ ዘይርከቦ ቀለም
ኤርትራ ብድሕረኻ ትሰለም።
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
9 ጥቅምቲ 2016