ኤርትራውያን ተቐሪብናዶ?????????
ናብ ኒው ዮርክ ተቐሪብኩምዶ???????
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተዓጢቕኩምዶ??
ናብ ኒው ዮርክ ጉዕዞኹም፡ ኣሚትኩምዶ??
እስከ ንኺድን ናብቲ ባይቶ ዓለም
ንህዝብና ክንበኽየሉ፡ ብዘይ ቀልዓለም
መከራናን፡ ሽግርና በዚሑ ዘይግለጽ ብቐለም
እስከ ንኺድ ንንገሮም ንመራሕቲ ዓለም
ንዘርዝሮ በደላትና፡ ፍትሒውን፡ ንኽትለም።
ዓውበል፡ ጎበዝ ዓደይ ሓደራ ሓደራ
ፈሊጥካዮ ትኸውን ናይ ሕግደፍ ዓፍራ
መጽነቲ ሃገርና፡ ሓሶቶም ብኹምራ
ተበገስ ተላዓል ንዓለም ንገራ
ስድራ ቤትካ ክወጹ ካብ መከራ
እትደልዮ ክትረክብ ንህዝብኻ ሓራ
ንዒ ተበገሲ ወይዘሪት ኤርትራ
ተዓጠቒ ብገመድ ኣብ ልዕሊ ሽራራ።
ህዝበይ ይምጻእ! ናብ ኒውዮርክ ብኹሉ
በደል ናይ ህዝብና ዓው ኢልካ ንገርሉ
ጨድሩሉ ከየጉደልኩም ኣስምዕሉ
ደጋጊምኩም እቶም እትኽእሉ
ሹማምንቲ ኤርትራ፡ ዘርኢ ናይ ተዃሉ
ፍትሒ ዘይፈልጡ፡ ጭፍራ ናይ ዓዋሉ።
ንገሩልም ነቶ ኣብዒራ ዒሮ ዝሓረሩ
ይዕበ ይንኣስ ስለ ፍትሒ ዝተኣስሩ
ኣብ ኣጻምእ በረኻ ዝተሓየሩ
ኣብ ሳንዱቕ ኮንተነር ዝገረሩ
ኣብ ዓዲ ኣቢቶ ብጠያይት ዝተመትሩ
ኣብ ክንዲ ሽመትስ፡ ብዓርር ዝተቐብሩ
ኣብ ፈቐዶ ሳሃራ ሲናይን ዝተቐብሩ
ኣብ ኣፍላጋት ኒል ኮን ባሕሪ ዘይሰረሩ
ንገሩሎም ጸገማት ሓገርና ብድምሩ።
ዝወለደት ኣደ ትበኪ ደኒና
ወዳ! ጓላ! ኩላ ጠፊኣ ማእሚና
መልክዓ ተደምሲሱ፡ ትነብር ተደይና
ወላድ መኻን ኮይና ተሪፋ ንበይና
ኣዳርሻ ጸሚዩ፡ ዝነብሮ ዘይብሉ ኮይኑ ዑና
ወላዲት! ቀባር ዘይብላ ተሪፋ፡ትነብዕ ንበይና።
ወለድና በይናቶም ተሪፎም
በኽዮም ሓዘኖም ወዲኦም
ደቅና ክመጹ ክብሉ ነዊሕዎም
ኣብ ስደት ዝነብሩ፡ ልቢ ውሒድዎም
ጓል ዘረባ ክዛረቡ፡ ጸሓይ ዓሪብዎም
ዝተረፉ ወለዲ ብሽሮኽ ኣሕሚምዎ
ህግደፍ መንደፍ ዓድና ኣጽኒትዎም።
ኒው ዮክ መጺእኩም ብኸይሎም
ፍትሒ የልቦን ኣብ ኤርትራ በሉሎም
ደጋጊምኩን ንዓለም ኣስሙዕሎም
ሽፈኣቱ ናብ ሕጊ ኣቕርብሎም
ንሕዝብናን ዓድናን ሰልም ክወርደሎም
ዝተርፉ ወለድና ፍትሒ ክነግሰሎም።
ጎብዝዶ! ዋዘ እዋዘ ዓዱ ከይሓዘ
ጎበዝድ! ዋዘ እዋዘ ዓዱ ከይ ሓዘ
ዓዲ ዝሰኣነ ይነብር እናፈዘዘ
መርየት ዓደቦኻ መረብ ምስ ተኸዘ።
ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና፡ 30 መስከረም 2016
aብ ኒው ዮርክ eye