Home Archive ዕድመ፡ ንሰፊሕ ህዝባዊ፡ ዘተ፡ ንዕለት 8,9,10 ሓምለ 2016 ኣብ ጀርመን፡

ዕድመ፡ ንሰፊሕ ህዝባዊ፡ ዘተ፡ ንዕለት 8,9,10 ሓምለ 2016 ኣብ ጀርመን፡

1474
0
SHARE

ዕድመ፡ ንሰፊሕ ህዝባዊ፡ ዘተ፡ ንዕለት 8,9,10 ሓምለ 2016  ኣብ ጀርመን፡

ከም ኤርትራውያን መጠን፡ ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩርን፡ ተሪርን እዋን፡ ከም እንርከብ፡ ንኩልና ብሩህ ጥራሕ ዘይኮነ፡ኣዝዩ ኣሻቓሊ ውን’ዩ ። ኩነታትና ካባና ሓሊፉ፡ ንዓለም ውን ኣታሓሳሳቢ ኮይኑ’ሎ። ሃገርና ምስላ ተደዊኑ ባዲማ፡ ህዝብና ውላዱ ስኢኑ ዘኽቲሙ፡ መንእሰያትና ተስፋ ቆሪጾም፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ተበታቲኖም፡ ኣብ ድያስፖራ እንነብር፡ ደለይቲ ፍትሒን ለውጥን ውን፡ ሓቢርና ዓቕምታትና ኣወሃሂድና፡ክንምክት ስለ ዘይበቓዕና፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ግርጭት ተሸሚምና፡ ህዝብን ሃገርን ከነድሕንስ ይትረፍ፡ ንነብስና ውን ክንከላኸል ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ወሪድና ምህላውና ኩሉ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።

ነዚ መሰረት ብምግባር እምብኣር፡ ካብ’ዚ ዓዘቕቲ’ዚ እንወጸሉ፡ ፍታሕ ንምንዳይ፡ ኩልና (ህዝቢ፥ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ፥ ሲቪክ ማሕበራት)፡ ተራኺብና ኢሂን ምሂን እንብሃለሉ፡ ናይ ሳልስቲ ዓውደ-ዘተ፡ ንዕለት 8,9,10 ሓምለ 2016 (8, 9 ,10July 2016 ) ኣብ ጀርመን፡ Kirchstrasse 120, 67691 Hochspeyer (Keiserslautern)፡ ኣዳሊና ስለ ዘሎና፡ ብተገዳስነት ክትሳተፍዎ፡ ብክብሪ ንዕድም።

ኣዳላዊት ሽማገለ

لا شك اننا كارتريين على علم بما هو عليه شعبنا من معاناة وما يمر به من اوقات عصيبة، وكلنا مشغول بهذا الوضع. لقد اصبح العالم ايضا مهتم بقضية شعبنا وما آلت اليه الاوضاع في بلادنا. البلاد في تدهور مستمر والشعب فقد فلزات اكباده، وشبابنا لم يعد له امل البقاء في البلاد فاصبح يهاجر الى كل اتجاهات العالم، وبسبب ضعفنا نحن طلاب العدالة وعدم قدرتنا على تسيق جهودنا، وبقاءنا في وحل الخلافات البينية، لم نعد نستطيع انقاذ شعبنا ووطننا، ولا حتى الدفاع عن انفسنا. هذا هو واقعنا الذي لا نستطيع انكاره. بناءا على هذا ندعو جميع التنظيمات السياسية ومنظمات المجتمع المدني للمشاركة في ندوة للحوار والبحث لايجاد حلول ومخارج من هذا الوحل.

سوف تعقد الندوة تحت شعار: ”ارتريا هي ملك لشعبها، وتطور شعبها هو الضمانة لها، التآخي و المحبة بين ابناء الشعب هو متنفسها”.

التاريخ: من 8 الى 10 يوليو – 2016

المكان: مدينة كايسرسلاوتم (Keiserslautern) – ألمانيا

يرجى من الجميع ابلاغ اللجنة المنسقة للندوة بمشاركتكم واراءكم حول بنود الحوار المطروحة، ونشكر لكم مقدما حسن تعاونكم في ذلك ودعمكم.

لمزيد من المعلومات بامكانكم التواصل مع اعضاء اللجنة التنسيقية الواردة امساءهم ادناه:

الايميل: [email protected]

لارسال دعمكم المادي:

 

ህዝባዊ ዘተን ፈስቲቫልን 2016 ፍራንክፈርት ጀርመን

ሓቀኛ ዋና ኤርትራ ህዝባ’ዩ፡
ስልጣኔኡ ዋሕሳ ፍቕሪ ሓድሕዱ ከኣ ትንፋሳ ኢዩ!

ነጥብታት ዕላማ
እዞም ነጥብታት እዚኦም ካብ ሰነዳት እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ናይ 2014 ሓሳባት ህዝቢ ዘጠቓለሉ ኢዮም። ብቓላት ይኹን ብመላእ ነጥቢ ክውሰኹን ክእረሙን ክምልኡን ክጎድሉን ይኽእሉ።

– ህዝቢ ኤርትራ ህዝባዊ መሰሉ ተጠቒሙ ብዛዕባ እዋናውያን ጉዳያቱ ክዛተን ኣፈናዊ ቅዲ መጻኢኡ ክትልምን
– ነቲ ኣብ ፈተነ ዝርከብ ናይ ምንብባር፡ ምጽውዋርን ሓድሕድ ምትሕልላይን መንፈስ ንኸሐድስ
– ህዝቢ ተራኡ ኣብ ፍታሕ ኩለንትናዊ ህሉውን መጻእን ብድሆታትን ዓመጻትን ከነጽር
– ህዝቢ ናይ መራሕን ተመራሕነቱን ሰንጠረጅ ክሕንጽጽ፡ ትጽቢቱን ደረቱን ኣብ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ
ከነጽር
– መሰረት ውህደትን ምትእኽኻብን ናይ ንጡፋትን ልኡማትን ደለይቲ ሰናይን ፍትሕን ሃገርና ንምንጻፍ
– ንባህላውን ስነ-ጥበባውን፡ ዕብየትን ፍርያትን ንምትብባዕን ንምውህሃድን

መስርሕ ጉባኤን ትጽቢታቱን፡
እዚ ጉባኤ ብወከልቲ እታ ሽማግለ ጉባኤ ብመሰረት ኣቐዲሞም ዝተጸጸዩን ዝተሃንጹን ዛዕባታት-ዘተ ይኸይድ። ናይ ኩሉ ስነ-ስርዓትን መደባትን ላዕለዋይ ተሰማዕነት ክህልዋ ዘለዋ ከኣ እታ ኣወሃሃዲት ሽማግለ’ያ። ውጽኢት ናይቲ ጉባኤ ጸሚቛ ከኣ ናብ ህዝብን ተሳተፍትን ተቕርብ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ውሳነ ክውስን ኣይግብኦን። ጠለብን ድሌትን ስክፍታን ምሕጽንታን ደረጃ ድሌት ተሳተፍነትን ህዝቢ ዝረጋገጸሉን ተጸሚቝ ዝፈርየሉን ጥራይ’ዩ። ተጋባእቲ ኣገዳስነት ካልእ ህዝባዊ ኣኼባ እንተተራእዩ ተመሳሳሊት ሽማግለ ብምሕጻይ ከተሰናድእ ክሓቱ ይኽእሉ። ውጽኢት ናይ’ዚ ምግባእ ህዝባዊ’ምበር ፖለቲካዊ ጥርናፈ ወይ ውጽኢት ዘይምዃኑ ብንጹር ክንገር ኣለዎ። እንተዀነ ፖለቲካውያንን ናይ ስነ-ሓሳባት ኣካላትን ጽልውኦም ኣብቶም ተሳተፍቲ ከንብሩሉ ዝኽእሉ ገጽ ንገጽ ክራኸብሉ ዝኽእል መድረኽ ይኸውን። እዚ ማለት ግን ተጋባእቲ ብድሕሪ’ዚ ምዝዛም እዚ ጉባኤ ናይ ሓባር ጠርናፊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ወይ ትካላት ከይፈጥሩ ዝኽልክል ዘይኮነስ ከተተባብዕ’ውን እንተዝኽእል ጸገም የብሉን።

እዚ ህዝባዊ ዘተ እዚ ብጻውዒትን ምሕጽንታን ምዕጋብን ለበዋን ህዝባዊ ፍረ ዘለዎም ውሳኔታትን ክወጽእ’ዩ’ቲ ትጽቢት።

ኣፈናዊ ሰንጠረጅ ዕለታዊ መደባት
08/07/16
– መኽፈቲ ጉባኤ ብኣ.ሽ.
– ቃል መራሕቲ ሃይማኖታት
– ስነጥበባዊ ፍርያት (ሙዚቃዊ ድራማታት)
– ናይ30 ደቓይቕ ሰሚናራት

09/07/16 – መቐጸልታ ሰሚናራት
– ጉጅለኣዊ ዘተታት
– ስነጥበባዊ ፍርያት (ሙዚቃዊ ድራማታት)

10/07/16 – መቐጸልታ ጉጅለኣዊ ዘተታት
– ጸብጻብ ውጽኢት መራሕቲ ዘተታት
– መዛዘሚ ስነ-ስርዓት
– ናይ ምዝንጋዕ መደብ

ህዝባዊ ዘተን ፈስቲቫልን 2016 ፍራንክፈርት ጀርመን

እዛ ኣ.ሽ. ኣገልጉሎታ ነዚ ፊልማዊ ናይ ህዝቢ ዘተ ንምድላውን ምውህሃድን ዕዉት ኮይኑ ክሳብ ዝወጽእን ኰይኑ ዕድሚኣ ክሳብ ሓደ ሰሙን ብድሕሪ ወግዓዊ ምዝዛም እቲ ህዝባዊ ዘተ ክኸይድ ይኽእል። ምፍጻም ዕዮኣ ብኣዋጅን ንተሳተፍትን መላእ ህዝብን ጸብጻብ ብምቕራብን ከኣ የኸትም።

ዛዕባታት ዘተን ሰሚናራትን
ህዝቢ ኤርትራ ክዛተየሎም ዝግብኦ ኣርእስታት እልቢ የብሎምን። ኣብ ሓደ ናይ ዘተ ኣጋጣሚ ጥራይ ክድህሰሱ ዝኽእሉ’ውን ኣይኮኑን። ከም መጠን ናይ መጀመርያ ተመኩሮ ምዃኑን ብሰንኪ ሕጽረት መዓልታትን ግን ንውሑዳት ኣርእስታት ከነቐድም ተገዲድና ኣለና። እዞም ዝስዕቡ ዛዕባታት ዘተ እምበኣር ህዝቢ ብሓፈሻ ብምርዳእን ብባህሪኦም ጭቡጥን ጸላውን ውጽኢት ሒዞም ናይ ምውጻእ ባህሪ ስለዘለዎም ዝተመርጹ ኢዮም። ንኡሳን ነጥብታት ነፍሲወከፍ ዛዕባ ዘተ ከኣ በቶም መራሕቲ እቶም ዘተን ኣ.ሽ. ክዝርዘር ኢዩ።

ኣ.ሽ. ነቲ ዛዕባታት ዘተ ኣብ ኣርባዕተ ክፍሊ ከፊላቶ ኣላ። እቶም ዛዕባታት ምስቶም ኣርባዕተ ሰሚናራት ዝተተሓሓዙ ኢዮም።

እዚ ዝስዕብ ሰደቓ ንኣርእስታት ሰሚናርን ዘተን ዘርኢ ኢዩ።

ኣርእስታት ሰሚናር ዛዕባታት ዘተ
ኣፈታትሓ ሽግራትን ዕርቅን ምንብባርን ምጽውውርን ሕጅን መጻእን
ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ ፖለቲካዊ መዳያት ሃገርና ጸላዊ ዘመተ
ሕሉፍን እዋናውን ኩነታት ፖለቲካውያን ሓይልታትን ህዝብን
ደቀ-ንስትዮን ስደተኛታትን ስደትን ሓድሕድ ምትእልላይን

ዛዕባታት ዘተን ንኡሳን ነጥብታቶምን
እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ዛዕባታትን ንኡሳን ነጥብታቶምን ከኣ ንኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ንክዝትዩሉ ክለኣኸሎም’ዩ።

– ምንብባርን ምጽውውርን ኣብ ሕጅን መጻእን፡ ኤርትራውያን ከም ህዝቢ ካብ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዝፈለስና፡ ዝተፈላለዩ እምነታት እንኣምንን ዝተፈላለዩ ቋንቋታት እንዛረብን ዝተፈላለየ ጂኦግራፊካዊ ኣቀማምጣ ዝሰፈርናን ኢና። ኣብ ክዉንነት ፖለቲካውያን ሓይልታትን መንግስታትን ከየድትን መጻእትን ተትካእትን ኢዮም፡ እቲ ጸናሒ እቲ ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ ከኣ ናይ ሓደ ህዝቢ ናይ ምንብባርን ምጽውዋርን ኣገዳስነት ዘየተሓትት’ዩ። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይዞም ዝተጠቕሱ ፍልልያትን ዘጎሃህርዎ ባእታታትን ብዙሓት ክዀኑ እናኸኣሉ፡ ኣብ ቀጻሊ ብሓደ ክንነብርን ሕግና ንኩሉ ብሄር፡ ኣውራጃ፡ ዓሌትን እምነትን ብመሰልን ማዕርነትን ዝሕሉ ጌርካ ምስርሑን ከኣ እቲ ተራ ናይ ህዝቢ ባዕሉ’ዩ። ካልኦት ሓይልታት ተወሰኽቲ ተራ ጥራይ ኢዮም ክጻወቱ ዝኽእሉ። ስለዚ ኣብዚ ጉባኤ እዚ ተጋባእቲ ነታ ዘላን እትመጽእን ኤርትራ ከም ህዝቢ ከመይ ጌርና ንነባበርን ንኩሎም ተመዝመዝቲ ነቓዓት ፍልልያትን ከመይ ጌርና ንመልኦምን ንልሕሞምን እንዛተየሉን እንሕጽጸሉን’ዩ።
o እምነት
o ብሄር
o ኣውራጃ ወይ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ
o ፖለቲካዊ

ህዝባዊ ዘተን ፈስቲቫልን 2016 ፍራንክፈርት ጀርመን
ስነሓሳባውን

ቐጥታዊ ደገፍ ንዓመጽ
– ስደትን ሓድሕድ ምትእልላይን፡ ስደት ዝዓበየን መጠን ግዝፉ ኣሻቓልን ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኸውን ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ከኣ ገኒኑን ብዕጽፈ-ዕጽፊ ሓደገኛ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብ ታሪኽ ስደትና እቲ ቀዲሙ ዝተሰደ ነቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ብዘይ ኣፈላላይ ናይ ምርዳእ ውሁብ ሓላፍነት ወሲዱ ክተሓባበር ጸኒሑ’ዩ። እንተኾነ ግን ኣብዚ ሕጂ ረድኤት ዘድለየሉ ግዜ እቲ ዝድለ ሓልዮትን ምብጃውን ዝሒሉ ንርእዮ።

ምኽንያቱ ብዘየገድስ። ዝዀነ ፍትሕን ተራድኦን ካብ ዓለም ለኻውያን ናይ ተራድኦ ማሕበራትን ሃገራትን ክንደልዮ ንርከብ ኣለና። ከም ህዝቢ ንህዝብና ክንገብሮ ዝግብኣና ደገፍ ግን ዝጎሰናዮም ወይ ወለል ዝበለና ይመስል። ስለዚ እዚ ጉባኤ’ዚ ከም ህዝቢ ናይ ካልእ ደገፍ ይረኸብ ኣይረኸብ ንገዛእ ባዕልና ንተሓጋገዘሉን ንረዳድኣሉን ፍታሓት ነናድየሉን ኢዩ።

o ጥዕናን ስነ-ኣእምሮኣዊ ቆላሕታን
o ትምህርትን ዓቕሚ ምምዕባልን
o ንቕሓትን ኣበርክቶን
o ምወላን ምፍጣርን ሃገራዊ ትካል

– ጸላዊ ዘመተ፡ እዚ ኣርእስቲ’ዚ ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ላዕለዋይ ኢድ ሒዙ ዘሎ ኢፍትሓውን ኢሰብኣውን ስርዓትን ሰልፍን ብዲፕሎማሲ ከኣ ካብ ዝዀነ ይኹን ኤርትራዊ ጥርናፈ (ሳላ ጂኦ-ፖለቲካዊ መልክዕ ከባቢና ምቕያሩ) ሰዲሩ ዝርከብ ዘሎ በየናይ መንገዲ ክንብድሆን ጉዳይና ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ንኽረክብ ዝተወሃሃደ ህዝባዊ ጻዕርታት ክንገብር ንኽእልን ዝዝተየሉ ኢዩ። ክሳብ ሕጂ ዝጸንሑ ስራሓት ክንዲቲ ዝድለ ውሁዳት ኣይንበሩ’ኳ ኣወንታዊ ፍርያት ኣፍርዮም ኢዮም። እንተዀነ መንግስታት ዝምድናታቶም ዝድልድል ወይ ዝድስክል ምስ ህዝቢ ዘይኮነስ ምስ ህሉዋት መንግስታት/ስርዓታት ስለዝዀነ፡ ኣብዚ ዘተ እዚ ህዝቢ ንዓለም ድምጺ ከሰመዓሉ ዘኽእሎ ሜላታት ዓቕምታትን ክምህዝ ትጽቢት ይግበረሉ።

o ጎረባብቲ ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን
o ጸለውቲ ሃገራትን ዓለማውያን ውድባትን
o ሜላታት ዘመተ
o ምወላን ምፍጣርን ሃገራዊ ናይ ዘመተ ትካል

– ፖለቲካውያን ሓይልታትን ህዝብን፡ ተራ፡ ደረትን ዝምድናታት ህዝብን ፖለቲካውያን ሓይልታትናን ብዙሕ ንጹር ከይኮነ’ዩ ክኸይድ ጸኒሑ። እዚ ከኣ ሓደ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዘለዎ ኩነታት ንኽበጽሕ ዝገበሮ ጥራይ ከይከኣል ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ መዓት ንኸይገላገል ዓቢ ገደብ ኮይንዎ ክርከብ ጸኒሑ’ሎ። እቲ ሓቂ ወይ ልክዕ ዝለዓለ ስልጣን ኣብ ሓንቲ ሃገር፡ ናይ ህዝቢ’ምበር ናይ ፖለቲካውያን ሓይልታት ክኸውን ኣይግብኦን። ብንጹር ፖለቲካውያን ሓይልታት ንሓደ ህዝቢ ንኽከላኸሉ፡ ሰላምን ጸጥታን ክሕልዉ፡ ጸጋታት ንኸመቓርሑን ማዕርነትን ፍትሕን ንኸረጋግጹ፤ ብመሰረት ድሌታትን ኣቃውማ ህዝብን ብምሕላው ፖለቲካዊ ሞያኦም ብምልላይ መንግስታዊ ጽፍሒ ንኽሕዙ ንህዝቢ ዝሓቱ’ሞ፡ ብመሰረት ፍታዉ ከኣ ህዝቢ ቆጽሉ ዘውድቐሎም’ዮም።

ሓደ መንግስቲ ንህዝቢ’ዩ ተሓታትነቱ እንተኢልና ፖለቲካውያን ሓይልታት ከኣ ካብ’ቲ ዓንኬል ኣይወጻን ኢየን።

እንተወሓደ ካብቲ ህዝቢ ዘውድቐለን ኣቃውማ’ኳ ክወጻ ኣይግብአንን። ስለዚ እዚ ዘተ እምበኣር ህዝቢ ኣብ ህዝባዊ ዘተን ፈስቲቫልን 2016 ፍራንክፈርት ጀርመን ልዕሊኡ ቆይሞም ንዝወጹን ንኽወጹ ዝመጣጠሩን ንድምጹ ክሰምዑን ናይ ህዝቢ ተራኡ ንከኽብሩሉን ኒሻኑ ዘምልሰሉን ኢዩ።

o ልዑልነት ህዝቢ ኣብ ሃገርን ሕግን
o ልዑላውነትን ፖለቲካውያን ሓይልታትን
o ግሉጽነትን ተሓታትነትን ፖለቲካውያን ሓይልታት
o ህዝብን ጸጊዕነት ምስ ፍትሓውያን ፖለቲካውያን ትካላት

Paypal ni Hizbawiezete tecle.ghebregergis@t- online.de Teclemariam Ghebregergis IBAN DE63500105175414573205 BIC INGDDEFFXXX ni Hizbawizete

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.