Home Archive ምጽራይ ሕ.ሃ. ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ኤርትራ ረኺቡ

ምጽራይ ሕ.ሃ. ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ኤርትራ ረኺቡ

1170
0
SHARE

ምጽራይ ሕ.ሃ. ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ኤርትራ ረኺቡ

Geneva (8 June 2016) – ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ብዝሰፍሐን ሜላውን መልክዕ ኣብ ናይ ኤርትራ መዳጎኒ ማእከላት፡ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት ከምኡ ውን ኣብ ካልኦት ቦታታት እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ 25 ዓመታት ተፈጺሞም፡ ብመሰረት ረቡዕ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ጸብጻብ ናይ ሕ.ሃ. ኮምሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ።

ገበናት ባርነት፡ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ምስዋር፡ መስቀይቲ፡ ምግፋዕ፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ቅትለትን ካልኦት ኢሰብኣዊ ተግባራትን፡ ከም ኣካል ናይ ሰፊሕን ሜላውን ወፍሪ ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ንምዝራእ፡ ተቓውሞ ህዝቢ ንምግታእን መወዳእትኡ ድማ ንናይ ኤርትራ ሲቪላዊ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታውን ካብ 1991 ዓ.ም ማለት ኤርትራውያን ሰበ-ስልጣናት ቁጽጽር መሬት ኤርትራ ምስ ተረከቡ፡ ዝተፈጸሙ እዮም፡ ይብል እቲ ጸብጻብ።

ኤርትራ፡ መላኺ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር እያ። ኣብ ኤርትራ፡ ነጻ ፈራዲ ኣካል የለን፡ ሃገራዊ ባይቶ የለን፡ ካልኦት ዲሞክራስያውያን ናይ ምሕደራ ኣካላት ውን የለዋን። ካብዚ ናይ ምሕደራን ግዝኣተ ሕግን ባዶነት ዝመንጨወ ናይ ዘይተሓታትነት ሃዋህው ድማ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተፈጸሙ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ኣኽኢሉ። “እዞም ገበናት ሎሚ ውን የጋጥሙ ኣለው፡” ኢሉ ማይክ ስሚዝ፡ ኣቦ-መንበር ኮምሽን ምጽራይ።

“ናይ ኤርትራ ስርዓተ-ፍርዲ፡ ንገበነኛታት ብርትዓውን ግሉጽን መንገዲ ተሓተትቲ ክገብሮም እዩ ዝብል ርጉጽ ተስፋ የሎን። ፈጸምቲ እዞም ገበናት ኣብ ሕጊ ክቐርቡ ኣለዎም፡ ድምጺ ናይ ግዳያት ድማ ክስማዕ ኣለዎ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሕጂ ስጉምቲ ክወስድ ይግብኦ፡ እንተላይ ንኣህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ገበነኛታት (ICC)፡ ን ኣብ ቤት-ፍርድታት ሃገራቶም ዘለዉ ሕጋጋትን ካልኦት ኣገባባትን ብምጥቃም፡ ተሓታትነት ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝፍጸሙ ዘለዉ ግፍዕታት መታን ክረጋግጽ፡” ክብል ስሚዝ ጠቒሱ።

እቲ ጸብጻብ፡ “ኤርትራውያን፡ ኣደዳ ገደብ-ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ብሰንኪ ብህሎኣዊ ገበን ኣባላት ስድራ ዝወርዱ ሕኒ-ሕነኣዊ ስጉምትታት፡ ኣድልዎ ብሰንኪ ሃይማኖትን ብሄርን፡ ጾታዊ ዓመጽን ጾታ-ዝመበገሲኦም ዓመጻትን መቕተልትን ኮይኖም ይቕጽሉ ከም ዘለዉ፡” ብተወሳኺ የብርህ።

ገደብ-ኣልቦ ፕሮግራማት ወተሃደራዊ/ሃገራዊ ኣገልግሎት ብተደጋጋሚ ብኤርትራውያን ከም ቀንዲ ጠንቂ ካብታ ሃገር ምህዳሞም ይጥቀሱ። ኣብ 2015, 47,025 ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮፓ ዑቕባ ሓቲቶም። ብዙሓት ካብኣቶም፡ ነቲ ሓደገኛ ጉዕዞ መዲተራኒያን ብሰንኮፍ ጃልባታት፡ ብደላሎ ሰባት እንዳተመዝመዙ፡ ድሕነት ንምድላይ ዝሰገሩ እዮም።

እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ፡ ብ ሰነ 2015 ኣብ ዝተዘርግሐ ቀዳማይ ጸብጻብ ኮምሽን ምጽራይ ተሰኒዶም ዝነበሩ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእየ ይምልከት።

እቲ ጸብጻብ “ፍሉያት ውልቀ-ሰባት፡ እንተላይ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ እታ ሃገር ዝርከቡ ሰበ-ስልጣናት መንግስቲ፡ እታ ኣብ መሪሕነት ትርከብ ሰልፊ – ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህ.ግ.ደ.ፍ.) – ከምኡ ውን ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ተሰከምቲ ሓላፍነት ናይቲ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ካልኦት ግሉሓት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኖም፡” የለሊ።

እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ፡ “ቤት-ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት ተሰካሚ ሓላፍነት ናይ መብዛሕኦም ጉዳያት ሃውራዊ ማእሰርቲ፡ ግዱድ ማሕዩርን መስቀይቲ ኣብ ወግዓውያንን ዘይወግዓውያንን መዳጎኒ ማእከላትን እዩ፡” ይብል።
ኮምሽን፡ ኣብ ልዕሊ ዝቑጸሩ ውልቀ-ሰባት፡ ተሰከምቲ ሓላፍነት ናይ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምዃኖም ንምእማን ርትዓዊ ምኽንያት ዘለና፡ ጸብጻብ መርትዖ ሰኒዳ ኣላ። እቲ መርትዖ፡ ኣብ ምዱብ ግዜኡ ንዝምልከተን ኣካላት ምሕደራ ክፉት ክግበር እዩ፡ እንተላይ ንቤት-ፍርድታት ሕጊ፡ ጽኑዕ መምርሒታት ምሕላው ድሕነት ናይ መሰኻኽር ብምኽታል፥ መታን ህዝቢ ኤርትራ ፍትሒ ከም ዝረክብ ንምርግጋጽ።

መሰረት እቶም ኣብዚ ጸብጻብ ተገሊጾም ዘለዉ ኣገባባት ኣካይዳ፡ 833 ቃለ-ምስክርነታት ብኤርትራውያን ከምኡ ውን 160 ጽሑፋት ደብዳቤታት፡ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ስራሕ ኮምሽን ምጽራይ፡ ካብ ፍርቂ-2014 ክሳዕ ፍርቂ-2015፡ ዝተቐበልናዮም እዮም።

ኮምሽን፡ ካልኣይ መርመራኣ እናካየደት ኣስታት 45,000 ደብዳቤታት ተቐቢላ። ዝበዝሑ ካብዚኦም፡ ንናይ ኮምሽን ቀዳማይ ጸብጻብ ዝነቕፉ ብእኩብ ዝተጻሕፉ ደብዳቤታትን ጥርዓናትን እዮም።

እዞም ደብዳቤታት፡ ሓባራዊ ቴማታትን ተመሳሳሊ ትሕዝቶን ዘለዎም ኮይኖም፡ ቀጥታዊ ውጽኢት ናይ ብመንግስቲ ዝተጠርነፈ ነቲ ምጽራይ ንምጽላም ዝዓለመ ዘመተ እዮም። ዝተማልአ ትንተና እዞም ደብዳቤታት ድሕሪ ምክያድ፡ ኮምሽን፡ ንመርመራታታ ዝምልከት ጭቡጥ ሓበሬታ ከም ዘይምልኡ ደምዲማ።

እቲ ጸብጻብ፡ “እቲ ኣብ ኤርትራ ሳሕቲ ንዝበጽሕን ነቶም ኣብ ክፋላት እታ ርእሰ-ከተማ ዝተሓጽሩን ብግህዶ ዝረኣይ ግዳማዊ መልክዕ ህድኣትን ንቡርነትን፡ ምስቶም ብቐጻልነት ዝረኣዩ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝገራጮ እዩ፡” ይብል።

እቲ ጸብጻብ ብምቕጻል፡ “እቶም ብ ኮምሽን ተሰኒዶም ዘለዉ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸሙ ዓይነታት ግሉሕ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት … ኣብ ጽርግያታት ኣስመራ ኣይኮኑን ዝፍጸሙ፡ እንታይ ደኣ? ኣብ ድሕሪ ሽፋን መናድቕ መዳጎኒ ማእከላትን ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላትን። መስቀይትን ጾታዊ ዓመጽን ከም ንቡር ኣብ ክፉት ዝፍጸሙ ገበናት ኣይኮኑን፡” ይብል።

ሽሕ’ኳ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ሕቶ እንተቕረበት፡ ኮምሽን ናብ ኤርትራ ንኽትኣቱ ፍቓድ ኣይረኸበትን። ኮምሽን፡ ናብ ኤርትራ በጺሓ ዝደሓረ ርኽበታታን ርእይቶታታን ብቐጥታ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከተቕርብ ድልውነታ ተረጋግጽ።

ተፈጸመ


ምልክታ ን ኣሰናዳቲ፡

ንዝያዳ ሓበሬታ ን ዳን ማክኖርቶን ኣብ [email protected] ወይ +41 79 618 3474፡ ተወከሱ።

ተወሳኺ ንመራኸቢ ብዙሓን ዘድልዩ ነገራት፡ እንተላይ ቪደዮ፡ ቢ-ሮል፡ ስእልታት፡ ምስክርነት ካብ መሰኻኽር፡ ፋክቶግራፊ ኣብ www.ohchr.org/CoIEritrea/ ክርከብ ይከኣል።

ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ከም ኣካል ናይ ዝሰፍሐ ወይ ሜላዊ መጥቃዕቲ ኣንጻር ዝኾነ ሲቪላዊ ህዝቢ ዝፍጸሙ ገበናት እዮም፡ ወላ ብረታዊ ግጭት ኣብ ዘይህልወሉ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ ሰነ 2014 ንመጀመርታ ዝቖመ እዩ።

ቀዳማይ ጸብጻብ ኮምሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ብ 8 ሰነ 2015 ተዘርጊሑ፡ ኣብ ናይታ ሃገር ወተሃደራዊ/ሃገራዊ ኣገልግሎት ፕሮግራማት ዝካየዱ ግሉሓት ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ እንተላይ ዝተናውሐ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ምዃኑ፡ ኣሰቃቒ ኩነታቱን ምጥቃም ክቱባት ን ግዱድ ዕዮን፡ ሰኒዱ።

ኮምሽን፡ ብ ሰነ 2015 ብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንኮምሽን፡ “ኣብ ኤርትራ ሜላዊ፡ ሰፊሕን ግሉሕን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር፡” መምርሒ ሂብዋ። ዕላማ እዚ መርመራ፡ ምሉእ ተሓታትነት ንምርግጋጽ እዩ፡ እንተላይ እዞም ግህሰታት ክሳዕ ደረጃ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝበጽሑ ምስ ዝኾኑ።”

ቃለ-መሕትታት ኣብ 13 ሃገራት ተኻይዶም- ኣውስትራልያ፡ ካናዳ፡ ጅቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጥልያን፡ ኔዘርላንድ፡ ኖርወይ፡ ሽወደን፡ ስዊዘርላንድ፡ ዩናይትድ ኪንግዶም (UK) ከምኡ ውን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ።

ኮምሽን፡ ሰለስተ ዘይሻራውያን ክኢላታት ትሓቁፍ፡ ኣቦ-መንበር ኣቶ ማይክ ስሚዝ (ኣውስትራልያ)፡ ኣቶ ቪክቶር ዳንክዋ (ጋና) ከምኡ ውን ወ/ሮ ሼላ ቢ. ኪታሩት (ማውሪሸስ)፡ ብተወሳኺ ከም ፍልይቲ ልኡኽ ሕ.ሃ. ኣብ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኮይና ተገልግል ዘላ።

ኮምሽን ምጽራይ ጸብጻባ ናብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ንዕለት 21 ሰነ 2016 ከተቕርቦ ተወጢኑላ ኣሎ።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.