Home Eri Inside and Utside

Eri Inside and Utside

ናብ ሬዲዮ ንሰላም ኣብዚ ጠውቑ – Click here to Enter

ደርፊ ቅዋም፡ ብቢንያም ገ/እየሱስ


እዚ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ እዚ ሰረታዊ መበገሲ ቅዋም ኤርትራ ስለ ዝኾነ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ሃንጎፋይ ኢሉ ክቅቦሎ ኢግባእ። መበገሲ ቅዋምና ስለ ዝኾነ ኣብ መስርሕ ሕጋጋትን መሰላት ማሕበራዊ ነገራትን ክማሓየሽን ክዕረይን ክባዛሕን ክዓብን ስለ ዝካኣል ዕቢየትን ምምሕያሽን ዳሕራይ ድሕሪ ለውጢ ንፍትሒ ኣብ ዝተራጋገጸሉን ቅዋማዊ መስርሕ ምስ ጸደቐን ነርክበሉ። ከምዚየን ገረን ኩሉን ሃገራት ዓለም ኣብ መፈለምታ ቅዋመን ካብታ ናይ ኤርትራ ቅዋም ዘይዓቢ ንእሽቶይ ገጻት ዘለዋ ዓንቀጻት ሒዘንየን ጀሚረኖኦ። ምዕባይን ተክኖሎጂ ኣብ ዘስፋፋሓሉ መድረኽ እንዳኸደ ምስ ግዜ ኣብዚ እዋን’ዚ ቅዋመን በኣሽሓት ገጻት ዓንቀጻት ዝሓዘ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ኢዩ ዘለወን። ንሕና ኤርትራውያን ሕጂ ጥራሕ ምስዚ ዘሎ ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ኣብ ግብሪ ንኽሰርሕ ካልእስ ኢትረፍ ንጽዓር። እንተዘይየሎ ኣድህቦና ናብቲ ኣረሜናዊ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ንምጉሓፉ ኣንፈትና እንተጠመትና ያሓይሽ። ኣብ መጻኢ ለውጢ ንፍትሒ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ሹዑኡ’ዩ ክማሓየሽ ዲዩ ክዕረ ክሕሰብ ዘለዎ። ኣብ መጻኢት ቅዋም ሃገረ ኤርትራ ድሕሪ እቲ ለውጢ ምስ መጸ ክሕሰበሉ ንብሎ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ምዕራፍ ተባሂሉ ሰፊሩ ዘሎ ኣባህላ ኢዩ። ቅዋማዊ ሕጊ ምዕራፍ የብሉን ልቢ ወለድ ጽሑፍ ኣይኮነን። ክባሃል ወይ ክግበር ዝግበኦ ንኣብነት፡- ኣክንዲ ምዕራፍ ሓደ >> ዓንቀጽ ሓደ – ሓፈሻዊ ድንጋገታት << ሃገረ-ኤርትራን ክሊ ግዝኣታን >> ተባሂሉ ክጥቀስ ኢካኣል። ኣብትሕቲ እቲ ዓንቀጽ ዘሎ ናብ መወከሲ ጽሑፍ ዓ (ማለት ዓንቀጽ) ዓ 1.1 እዝን እዝን እዝን ወዘተ ዳበለ ናብ ዓ 1.2 – ዓ 1.3 ክሳብ ኣሃዝ ሚታዊት ዳተመዝገበ ኢቅጽል፡ ቀጺሉ ከምኡዳበለ ናብቲ ዝስዕብ ዘሎ ዓንቀጻት ናይዚ ኣብነት’ዚ ተኸቲሉ ክምደፍን ክሕሰበሉን ኮይኑ ኢስማዓና።

—————————————————————————————————————————————————————————————————————————

Playlist with id 16 does not exist!

Playlist with id 3 does not exist!

Playlist with id 4 does not exist!

Playlist with id 15 does not exist!

ሃገርና ኤርትራ ኣምላኽ መድሕነ ኣለም የድሕና ኣብ ኢዱ የምብራ።
ያኣክል ብኣውራጃዊ ሃይማኖታዊ ላግጽን ንስነ ሓሳብ ማእዝን ሰብ ምቅያርን።