Home ዜና ትግርኛ ንሕቶ ዶብ ብሰላም ንምፍታሕ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

ንሕቶ ዶብ ብሰላም ንምፍታሕ ዝምልከት ጋዜጣዊ መግለጺ ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ

1349
0
SHARE

ኽቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ብቀዳምነት ቅንያት ናጽነት ስለ ዝኾነ ንመላእ ህዝብና ዮሃና ንብል። ምስኡ ለጊቡ ድማ  ሰማእታትና ዝዝከሩሉ ግዜ ስለ ዝኾነ፡ ንስድራ ሱዉኣት ሓዘና እናገለጽና ሱዉኣትና ዝሓደጉልና ሕድሪ ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይተተግበረ  መንፈስ ቓልሲ ኣሓዲስና ምስ ህዝብና ኮና ብፍትሒ ዲሞክራሲ ክነተግብሮ ቅሩብነትና ንገልጽ።

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ግዜ ቀዳማይ ሚኒስተርን ፈጻሚት ስራሕ ናይ  መንግስቲ ኢትዮጵያን (ኢሃወደግ) ንሃገሮም ብዙሕ ተስፋ ዝሃበ ዉሳኔታት ከሕልፉን ገለ ከኣ ብግብሪ ክሰርሑሉን ሪኢና። እዚ ዓይነት ተባዕ  ፖሎቲካዊ  ውሳኔታት ንሰላምን ዲሞክራስን ምዕባሌን ኣብ ዞባና ዳርጋ ኣብ ቀድማይ ቦታ ዝስራዕ ታሪኽ’ዩ። ንኹሉ ኣፍሪቓን ዓለማዊ ሰላም ዘርብሕ ስለ ዝኾነ ከኣ ንምጉሶም። ምስኡ ተአሳሲሩ ድማ  ሰሉስ 5 ሰነ 2018  እቲ አብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ናይ ዶብ ጎንጾ፡ብመሰረት ናይ አህጉራዊ ቤት-ፍርዲ ውሳኔ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቀቢልናዮ አብ ምትግባሩ ድማ ድልዋት ኢና ምባሎም ነቲ ዳርጋ 20 ዓመት ዝጸንሔ ናይ ጥፈኣት ደመና ዝቅንጥጥ አዋጅ ንሓድሽ ምዕባሌ ርሒብ አፍደገ ዝኸፍት መግለጺ ኢሂወደግ በአውንታ ተቀቢልናዮ አለና።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተውሲዱ ዘሎ አውንታዊ ምዕብልና ተጠቒሙ፣ እቲ ንነውሕ ግዜ አብ ደውታ ዝጸንሔ ጉዳይ ዶብ ዘላቒ ሰላም ንኽርክብ፡ አብ ዞባና ንዘሎ ተአፋፊ ኩነታት አብ ምህዳእ ብግዲኡ  አውንታዊ መልሲ ክህብን ንህዝቢ ዘማእከለ ሰላም ክእምምን ንጹዉዕ።

ኣብ መደምደምታ ድማ፡  ኩሎም ኤርትራዊ ፖለቲካዊውያን ሓይልታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ከምኡ’ውን ሰፊሕ ሓፋሽ ህዝብና ነዚ ንህዝብን ሃገርን ጅሆ ሕዙ ዘሎ አይ ሰላም አይ ኩናት ፖሊሲ መሊኡ ክስዓር ጸቅጢ አብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ሓቢሮም ከካይዱ ንላቦ። ምኽንያቱ ካብዚ ዘሎ አይ ሰላም አይ ኩናት ተጎዳአይ ቀንዲ ህዝቢ ኤርትራ ነሱ ባዕሉ ሰለዝኾነ፡ ነዚ ሰናይ አጋጣሚ`ዚ እዚ ተጠቂምና አብ ኤርትራ ሃገርና ምሉእ ሰላምን ደሞክራስን ክህሉ ሓቢርና ክንሰርሕ፡ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ፡ጻዊዒቱ የቅርብ። 

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!!

ዘላዓለማዊ ክብሪ ንሱዉኣትና!!! 

ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሄረ ብሌን ኤርትራ/ሆደ፡06/14/2018

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.