Home SACTTISM መቓልሕ ድምጺ ኣልቦ ነብሳት ካርሸሊ (እቶም 3ተ እሙናት ነበር) – 2ይ ክፋል

መቓልሕ ድምጺ ኣልቦ ነብሳት ካርሸሊ (እቶም 3ተ እሙናት ነበር) – 2ይ ክፋል

1546
0
SHARE

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፋይ ንቤ/ማእሰርቲ ካርሸሊ ዝምልከት ሓደ ሰፊሕ ጽሑፍ ፈኒወልኩም ኔረ፡፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ምንባብ ኣዚዩ ኣሰልቻዊ ኣብዝኾነሉ መድረኽ፡ ነቲ ሰፊሕ ጽሑፍ ኣንቢብኩም፡ ካብ መላእ ዓለም ሃነጽቲ ርእይቶታት ንዝሃብኩምኒ ዜጋታት ልዑል ምስጋና የቕርብ፡፡ ሎሚ ድማ፡ ካብቶም ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝተገልጹ እሱራት ፍልይ ዝበለ ዛንታ፡ ዘለዎም ብዛዕባ ሰለስተ እሱራት ካርሸሊ ሓጺር ሓበሬታ ይፍንወልኩም፡፡

ካርሸሊ ሰብ ኩሉ ታሪኽ ዝጾረት ቤት ማእሰርቲ እያ፡፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፋይ ዝተገልጹ እሱራት መብዛሕትኦም ብዘይዋዓልዎ ገበን ዝተቐየዱ’ዮም፡፡ ገሊኦም ድማ ዕምሪ ስልጣን ኢሳይያስ ንኸሕጽሩ ብሓሳብን ብተግባርን ኢዶም ወሰ ዘበሉ’ዮም፡፡ ብመንጽር ጾታ፡ ዕድመ፡ ሃይማኖታዊን ሃገራዊን ኣበርክቶ፡ ንኹሉ ብሕሱም ዝቐዘፈት ቤት ማእሰርቲ ካርሸሊ፡ ኣብ ዘመነ ዕርበት ህግደፍ ድማ እንኮላይ መጉሓፊት “እሙናት ነበር” ኮይና ኣላ፡፡ ኣብ ውሽጢ’ተን 29 ካሜራታት ካርሸሊ ትማል ምስ ኢሳይያስ ዝዕንድሩን ዝጭድሩን ዝነበሩ ሰለስተ “ሰብ ግዜ” ሓለፍቲ ኣብ ጸልማት ተጓሒፎም ኣለው፡፡ ሓጺር ዛንትኦም እንሆ፡

1. ገርግሽ ግርማይ ሙሳ -ሸኽዛይድ (ኣማሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ነበር)

ኣብ 1970ታት ዝተጋደለ፡ ድሕሪ ናጽነት ንተሞኩሮኡን ደረጃ ትምህርቱን ዘይምጥን ጽፍሕታት ብኢሳይያስ እንዳተመጠወሉ ዝጸንሐ፡ እሙን ኣገልጋሊ ኔሩ፡፡ ብፍላይ ኣብታ ብተፈጥራዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ዞባ ዓንሰባ ኣማሓዳሪ ኮይኑ ምስተመዘ ብዙሓት ዜጋታት ክፈልትዎ ጀሚሮም፡፡ መብዛሕትና ብሳጉኡ “ሸኽ ዛይድ” ኢልና ንጽውዖ ገርግሽ፡ ደረጃ ትምህርቱ 7ይ ክፍሊ፡ ብሄሩ ብሌን፡ ተወላዲ ሓሊብ መንተል’ዩ፡፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ቆልዑን ዝኾነ ገርግሽ፡ ንዓመታት ካብቶም እሙናት ሓለፍቲ ሓደ ተቖጺሩ፡ ዝሩብን ዘይዝሩብን ወረታት ለቓቒሙ ንቤ/ጽ ሃገራዊ ድሕነትን ፕረሲደንትን የበጻጽሕ ኔሩ፡፡ ህዝቢ ዞባ ዓንሰባ ኣብ ታሪኹ ክንዲ ገርግሽ ግርማይን ሓላፊ ጸጥታ ን/ዞባ ሃበሮ ነበር ዑስማን እያይን ዘማረሮን ዘጋፍዖን ሓላፊ ዳርጋ የለን፡፡ ክልቲኦም ድማ ተኽስትንፋስ የዕሩኽ ነይሮም፡፡

ገርግሽ ዘይከም ካልኦት ሓለፍቲ ናብ ብልሽውናን ምኽዕባት ሃብትን ደንጉዩ ዝተጸንበረ ሓላፊ ነይሩ፡፡ “ኣብ ዘመን ውራውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ” ከምዝበሃል፡ እቲ ብግርህነቱ ዝልለ ገርግሽ’ውን፡ ደንጊዩ እዩ ናብ ብልሽውና ኢዱ ዝዘርገሐ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ካብ ባጀት መንግስቲ፡ ካብ ኣግሮ-ኢንዱስቱሪታት፡ ካብ ነበርትን ሰብ ማልን ብዙሕ ብላዕ ተቐቢሉ፡፡ በቲ እዋን ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ዞባ ዓንሰባ ዝነበረ እድሪስ ማንጁስን ብክፍሊ ብልሽውና ወ/ሃ/ድሕነትን ኣቢሎም ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ዝመጹ መጽናዕታት ዘረድእዎ፡ ገርግሽ ኣብ ዞባ ዓንሳባ ካብ ብዙሓት ዜጋታት ማእለያ ዘይብሉ ጉቦ ከምዝተቐበለን ንብዙሓት ከምዘጋፍዐን ‘ዩ፡፡

ንኣብነት ኣብ ገምገም ሩባ ዓንሰባ ናይ እንዳያቆት ዝበሃል ጀርዲን ብዶዘር ምፍራሱ፡ ብሚሊዮናት ዝግመት ናይ ምስግና ባይረ ዝተብሃለ ጀርዲን ብዶዘር ምዕናው፡ ኣብ ከተማ ከረን ምምሕዳር ከባቢ 03 (ዓዲሐሸል) ብምስምስ ልምዓት ብዙሓት ኣባይቲ ምፍራሱን ካልኦትን ዝገልጹ ሓበሬታታት ንቤ/ጽ ፕረሲዳንት ተላኢኾም ኔሮም፡፡ ብተወሳኺ ገርግሽ ግርማይ ኣብ ወጻእ ምስ ዝርከቡ ገለ ተቓወምቲ ጉጅለ ብሄረ ብሌን፡ ቴሌፎን ከምዝተደዋወለን ኣብ እንዳመስተ “ህግደፍ ንብሌን ከተዓሻሹ ንዓይ ንሓደ ገርግሽ ሓላፊ ጌሩ” ኢሉ ከምዝተዛረበ ሓደ ጸብጻብ ይሕብር፡፡ ኣብቲ ጸብጻብ ኣብ ሕድሕድ ተግባር ንገርግሽ ዘጋግይዎን ዘዕቑብዎን ሓለፍቲ ተባሂሎም ዝተገልጹ ድማ ብር/ጀነራል ተኽለ ማንጁስን፡ ሓላፊ ምምሕዳርን ፊናንስን ዞባ ዓንሰባ ነበር የማነ ጊሊኡን (ወዲ ጊልኡ) እዮም፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ን/ዞባ ሃበሮ ንብዙሓት ዜጋታት ዘከላበተ፡ ዝኣሰረን ዘጥፍአን ሓላፊ ጸጥታ ን/ዞባ ሃበሮ ነበር ወዲያይ፡ ኣብቲ ዞባ ኣስታት 17 ገዛውቲ፡ ኣብ ከረን ሓደ ቪላ፡ ኣብ ባንኪ ብዝተፈላለየ ኣስማት ዘቐመጦ 8 ሚሊዮን ናቕፋን ካልኦት ትካላትን ከጥሪ እንከሎ ምስ ሸኽዛይድ ብዝነበሮ ጥቡቕ ርክብ ብምጥቃም እዩ፡፡

በቲ እዋን፡ ኣብታ ተኽለ ማንጁስ፡ ገርግሽ ግርማይ፡ ዑስማን እያይ ዝዕንዱሩላ ዝነበሩ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ መወዳእታ ኢሳይያስ ነቶም መጣልዕቱ ሓዲጉ ጠመተ ዝገበረሉ ንሸኽ ዛይድ ጥራይ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ብሓንቲ ብጣስ ወረቐት ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኮይኑ ከምዝተቐየረ ሓበሮ፡፡ ኣቐዲሙ ዕሱማን እያይ ብሕማም እግሪ (ጋንግሪን) ሞይቱ፡፡ የማነ ጊሊኡ’ውን ብትእዛዝ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ፡፡ ሸኽዛይድ ኣብ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ምስ ሰርሐ፡ ኢሳይያስ ንኮ/ል ወልድዝጊ ባህታ (ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ) ኣዚዙ ካብ ኣስመራ ተጨዉዩ ናብ ካርሸሊ ካሜራ ቁጽሪ 08 ኣበን ትርከብ ሓንቲ ሸላ ተጓሒፉ፡፡

2. መብራህቱ ለገሰ (ወዲለገስ)፡

ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብፍላይ ከባቢታት ተሰነይ ንዝጓዓዝ ሰብ፡ ካብ ዝሰምዖም ኣዚዮም ውሩያት ውልቀ-ሰባት ሓደ ነይሩ፡፡ ኣብ ጎላጉል ተሰነይ እቲ ምሩጽን ስቡሕን ዝበሃል መሬት ተዓዲልዎ፡ ብስም “ኣውፋሪ” ን10ታት ዓመታት ምሸላን ካልኦት ኣእካልን እንዳፍረየ ዝጸንሐ እሙን ኣገልጋሊ ህግደፍ ነይሩ፡፡ ወዲ ለገስ ካብ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ብዘይወግዓዊ ደብዳቤ ብኢሳይያስን ሓጎስ ኪሻን፡ ዝተሰነየ ብጣስ ወረቐት ሒዙ ክሳብ 500 ሚሊዮን ናቕፋ ልቓሕ ዝወስድ ዝነበረ ኣውፋሪ ‘ዩ፡፡

ንብዙሓት ዜጋታትና ዋላ “ኣውፋሪ” እንተመሰለ ዳርጋ መብዛሕትኡ ዘንቀሳቕሶ ማልን ንብረትን ዋንነቱ ናይ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ነይሩ፡፡ ኣብ ሕርሻታት ተሰነይ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ዕጡቋት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያን ካብ ሳዋ ዝለኣኹ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልገሎት ኣዋፊሩ ብናጻ ጉልበት እንዳስርሐ ሃብቲ ከካዕብት ጸኒሑ፡፡ ካብ ወደብ ባጽዕ ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ብምእታው ኣብ ተጎለል፡ ዓሊጊደርን መኸሰራትን ከዚኑ ንሱዳናውያን ብምሻጥ ንህግደፍ ምንጪ ወጻኢ ሸርፊ ብምኻን ኣገልጊሉ ‘ዩ፡፡ ብዛዕባ ወዲለገስ ብዝርዝር ሓደ መዓልቲ ከምዝሕብረኩም እንዳገለጽኩ እዚ እሙን ኣገልጋሊ ኢሳይያስ እውን፡ ኣብ መወዳእታ ብወልደዝጊ ባህታ ተጨውዩ ኣብ ካርሸሊ ካሜራ ቁጽሪ 10 ኣብ ትርከብ ሓንቲ ጸልማት ሸላ ተጓሒፉ ኣሎ፡፡

3. የማነ ተስፋይ (ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ነበር)፡

ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ወዲ ለገስ ካብ ባንክ ልቓሕ ክወስድ እንተሎ ናብዚ ሓላፊ ይለኣኽ ነይሩ፡፡ ኣብቲ እዋናት የማነ እቲ ብኣማኢት ሚሊዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ብብጣስ ወረቐት ንወዲ ለገስ ክህቦ ብኢሳያስን ሓጎስ ኪሻን ክእዘዝ እንከሎ፡ እቲ መስርሕ ንፊናንሳዊ ጸብጻባት “ኣይምቹእን” እንዳበለ ይሓትት ነይሩ፡፡ እንተኾነ “ዝተብሃለካ ግበር” እንዳተብሃለ ይምለሰሉ ነይሩ፡፡

የማነ ተስፋይ ኣብ 1970ታት ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ኮይኑ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ናይ መንግስትን ግንባርን ፊናንሳዊ ትካላት ተመዲቡ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝነበሮ በዓል መዚ ‘ዩ፡፡ ካብ ሓጎስ ኪሻ ቀጺሉ፡ ሃገራዊ ፊናሳዊን ቁጠባዊን ሚስጢራት ዝፈልጥ “እሙን” ሓላፊ ነይሩ፡፡ ኣብ እዋን ኩነታት ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ዕድግታት ኣጽዋር ንምፍጻም “ኣባል ሓይሊ ዕማም ወትሃደራዊ ዕድጊታት” ኮይኑ ናብ ሃገራት ሩስያን ዩኩሬንን ዝተጓዓዘ ሰብ እዩ፡፡ በዓልቲ ቤቱ ተጋዳሊት ኣዜብ ተወልደ ‘ውን ካብተን ናይ ኢሳይያስ እሙናት “ኣንስቲ” ሓንቲ ኮይና ኣብ ትሕቲ ምርመርን ስነዳን ህግደፍ ንዓመታት ዝተወሃለሉ ሰነዳትን መዛግብትን ብሓላፍነት ሒዛ ኣላ፡፡ ኣብ ትሕቲ ስነዳን ምርምር ህግደፍ ካብ ዘለው ሰነዳት እቶም ብኢሳይያስ ጥራይ ዝእዘዙ ሚስጢራዊን ተኣፈፍትን ሰነዳት ብሓላፍነት ክትሕሉ ልዕሊ ዘምህረት ዮውሃንስ ዝተኣመነት ሰብ እያ፡፡

ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ የማነ ተስፋይ፡ ን10 ዓመታት ኣብ ክሳራ ንዝኣተዋ 27 ትካላት ህግደፍ ብዘይ ወግዓዊ ኣገባብ፡ ብኢሳይያስን ሓጎስ ኪሻን ተኣዚዙ ኣስታት 3 ቢሊዮን ናቕፋ ካብ ንግዳዊ ባንክ ክምውለን ተገዲዱ፡፡ ኣብቲ መስርሕ ስሩዕ ፊናንሳዊ ጸብጻብ ዘይተገብረሉ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ተጠፋፊኡ ብዝብል ከኣ “ተሓታቲ” ኢኻ ተባሂሉ ክህድዱዎ ጸኒሖም፡፡ ብፍላይ ካብ ንግዳዊ ባንኪ ልቓሕ ክወስዱ ዝፈቐደሎም ኣሕዋቱ ስለዝነበሩ ምስኡ ብምትእስሳር ክሳብ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ክመላለስ ተገይሩ ኔሩ፡፡ ኣብ እዋን ምቕያር ባጤራ ‘ውን ብኸውሊ ብሓንቲ ውልቀ ሰብ ኣቢሉ ናይ ኣዛዚ ክ/ሰ 26 ነበር ብር/ጀነራል ሚኪኤለ ሓንስ (ወዲ ሓንስ) ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ናቕፋ ክቕይር ተረኺቡ ብዝብል ብተወሳኺ ገበን ተጠርጢሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ካብ ሃገር ንከይወጽእ ብኮ/ል የማነ ዓንደማርያም (ሰኮሎቭ) ትምራሕ ጉጅለ ተመዲብዎ ጽዑቕ ክትትል ክግበረሉ ምስ ጸንሐ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፡፡ ድሕሪ ምቕያዱ ዝኾነ ናይ ጸጥታ ኣካል መርመራ ከይገብረሉ ፕረሲደንት ኣዚዙ፡፡ ካብ ዝተተሓዘሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ካርሸሊ ካሜራ ቁጽሪ 11 ኣብ ትርከብ ሓንቲ ሸላ ኣብ ጸልማት ተሓዩሩ ይርከብ፡፡

ክቡራንን ክቡራትን!!

ነዚ ትሕዝቶ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍ ክተንብቡ ከለኹም ምናልባት እዞም ግዳያት ብሰንኪ ዝፈጸምዎ ገበናት ጥራይ ዝተቐየዱ ክመስል ይኽእል፡፡ ሓቂ እዩ! ሰለስቲኦም ‘ውን ከም ሃገሮም ብብልሽውና ዝተቖማጥዑ ምንባሮም ርዱእ’ዩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን መግዛእቲ ህግደፍ ዝተምሃርናዮ ትምህርቲ እንተሎ፡ ብዓይኒ ኢሳይያስ “ብልሽውና” ቅቡል ገበን ምኻኑ’ዩ፡፡ እዞም ሰለስተ ግዳያት ካብ በዓል ፍሊጶስ፡ ተኽለ ማንጁስን ሓጎስ ኪሻን ዝገደዱ ዘረፍቲ ስለዝኾኑ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዘመነ ውራውራ “ስኒ ዘይብሎም” ኣናብስ ስለዝኾኑ ‘ዮም፡፡

ኣነ ከም “ሳክቲዝም” ኩሉ ሻዕ ዘደንጽወኒ፡ ኣብ ሃገርና ኣብ ዘመነ ህግደፍ ማሕበራዊ ሰረተ እምነት ተባሕጊጉ ብባህልና ኮነ ብሃይማኖታዊ ክብርታትና እቲ ክቡር ዝኾነ “ሓዳር” ከይተረፈ ናብ “ሕዳር” ምልዋጡ’ዩ፡፡ ብሰንኪ ኢሳይያስ ዝተፈላለየ ሰሌዳ እንዳተጠቀዓሎም ፈቐዶ ጎድጉዲ ናይ ዝጓሓፉ ገለ ሓለፍቲ ኣንስቲ፡ ድሕሪ ምቕያድ ሰብኡተን ዝመርሕኦ ዓይነት ህይወት ኣዚዩ ዘሕዝን’ዩ፡፡ ትማል… ተጋዳላይ ፎርኦን ወልዱ ናብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ክጓሓፍ እንከሎ በዓልቱ ቤቱ ሰነ-ጥበባዊት ኣብርሀት ኣንከረ (ጓል ኣንከረ) ንጓይላታት ህግደፍ ክተዳምቕ ተራእያ እያ፡፡ ከይጸንሐት ሚኒስተር ቱሪዝም ኣስካሉ መንቀርዮስ ‘ውን ሰብኣያ “ዶ/ር” ሰናይ ምስተኣሰረ ምስኣ’ቶም ክተውደኽድኽ ተራእያ እያ፡፡ ሕጂ ድማ ሰበይቲ የማነ ተስፋይ: ተጋዳሊት ኣዜብ ተወልደ ሰብኣያ ኣብ ጸልማት ካርሸሊ ተደርቢዩ እንከሎ: ምስ ኢሳይያስ ወጊና ኣላ፡፡ ኣብ ሕሱም ዘመነ ህግደፍ ባህልናን ያታናን ተረሲዑ፡ “ሓዳር … ሕዳር” ኮይኑና ኣሎ ዝበልኩሉ ምኽንያት’ውን ብቐረባ ነዚ ስለ ዝተዓዘብኩ’ዩ፡፡

ይሰውረነ!!!

ምንጪ ካብ፡ ሳክቲዚም

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.