ሰላማዊ ሰልፊ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን መሰል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሕቡርታት መንግስታት ዓለም፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እዩ። 27 ጥቅምቲ 2016
29 መስከረም 2016
መግለጺ፡
ንኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡
ብኣሰናዳዊ ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ኒው ዮርክ ዝወጸ መግለጺ።
ኣሰናዳዊ ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ፡ ብልዕሊ 30 ከተማታት ናይ ሰምየን ኣመሪካ ዝቖመት እያ።እዚ ብከተማታት ደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ንዕለት 27 ጥቅምቲ 2016 እዩ።
ዓላማኡ፡ ነታ ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘት መርማሪት ኮሚሽን፡ እተቕርቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸም ዘሎ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንኽቐርቡ ንምድጋፍ እዩ።ሕጊ ኣልቦነት ኣብ ኤርትራ ከብቅዕን እዩ።
በዚ ኣጋጣሚ መዓልቲ፡ ህዝብና ካብ ኤውሮጳን፡ ካናዳን፡ ሕቡራት ስተትስን ተኣኪቡ፡ ምእንቲ ህዝቡ ዓውውው!!!! ኢሉ፡ ብኽያቱን፡ መከራ፡ ስቓይን፡ ፍትሒ ኣልቦነትን፡ ጥምየትን፡ ጉድለት ጥዕና ብምስኣን፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብሰላም ንኸይነብር ይግዛእ ስለ ዘሎ፡ ንመራሕቲ ዓለም ንምግላጽ እዩ።
ብድሓን ምጹ!!!!!!!
ኣውሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ኒው ዮርክ።