Home SACTTISM እዋናዊ ዛዕባ – 2018-06-14

እዋናዊ ዛዕባ – 2018-06-14

1234
0
SHARE

ኣብዚ ዘለናዮ ተኣፋፊ እዋን፡ ኣብ ጭብጥን መርትዖን ዝተደረኸ፡ ጽጹይ ሓበሬታ ንህዝቢ ምዝርጋሕ ኣገዳሲ ምኻኑ እኣምን፡፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ፡ ብዙሓት ዘይተረጋገጸን ዘይጥሉል ሓበሬታ ኣብ ዝፍንውሉ ዘለው ኣብዚ እዋን፡ ንሕና ከም ኤርትራውያን ኣብ ስትራተጅካዊ ሃገራዊ ጉዳያትና ህድእ ኢልና፡ ንነገራት ክንርዳእን ኣመታቱ ክንግንዘብን ይግባእ፡፡ ብዝኾነ ከምቲ ትዕዘብዎ ዘለኹም፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ለውጥታት ይረአ ኣሎ፡፡ ንዓና ብቐጥታ ዝጸልወና እዋናዊ ውሳነ ኣልጀርስ ውን፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ መዘራረቢ ኮይኑ ቀንዩ ኣሎ፡፡ ብዛዕባ እዞም ለውጥታት ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ከይተሓጸርና፡ ብኣህጉራዊን ዓለማዊን መለክዒታት‘ውን ምጥማት የድሊየና ኣሎ፡፡ ብወገነይ ነዞም እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪተ፡ ኣብ ቀረባ ሓደ ሓበሬታ ከምዝፍንወልኩም እንዳዘኻኸርኩ፡ ንሎሚ ገለ ምስዚ ሰሙናዊ ለውጥታት ምትእስሳር ዘለዎም ጉዳያት እፍንወልኩም፡፡

  • ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ጸላኢ ሰናያት ኢሳይያስ ዳርጋ ምስ ኩሎም ጎረባብትና ከምዘናኸሰናን ብመሬት ዝተኸበበት እንኮ ደሴት ከምዝገበረና ዝፍለጥ እዩ፡፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ጥራይ ከይተወሰነ ምስቶም ርእሰ ሓያላት ‘ውን ክወጣወጥ ዝጸንሐ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ካብ ቁጽጽሩ ወጻእ ዝኾነ ኣህጉራዊን ዓለማዊን ጸቕጥታት የጓንፎ ኣሎ፡፡ ነዞም ኣብ ዲፕሎማሲ ኣድሂቦም ዝፍጠሩ ዘለው ስትራተጅካዊ ጸቕጥታት ንምምካት፡ ትማል ካብ “ምክልኻል ናብ ምጥቃዕ” ብምባል ንህዝቢ ከደናግር ከምዘይፈተነ፡ ሎሚ ድማ ናብ ፍጹም ትካቦ ወይ ከኣ ምልማን ተሸሚሙ ኣሎ፡፡ ኣብ ዲፕሎማሲ ክትደፍእን ክትድፋእን ዋላ ንቡር እንተኾነ ኣንፈትን መትከል ኣልቦን ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት ግን ሃገራዊ ረብሓ ንጓኖት ኣሕሊፉ ዝህብ ካብ ምኻንን ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ካብ ምጥሓል ዝሓለፈ መኽሰብ የብሉን፡፡ መትከል ኣልቦ ዲፕሎማሲያዊ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ ድማ ብኣርባዕቲኡ ኣንፈታት ዘስዓቦ ሓደጋታት ኩሉ ዜጋ ዝፈልጦ ‘ዩ፡፡

ንዘመናት “ስርዓት ዋሽንግተን” እንዳተብሃለ መኮማስዒ ናይ ፕሮፖጋንዳ ማሽነሪታት ዝነበረ ርክብ ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ድማ፡ ሓድሽ ኣጀንዳ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ምስ ምዕጻው ዶባት ሱዳን ዝሰዓበ ቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርአ ዘሎ ቅልጡፍ ለውጥታትን ብምትእስሳር፡ ልኡኻት ህግደፍ ብዝተፈላለየ መገድታት ንመንግስቲ ኣሜሪካ ክምሕጸኑ፡ ብጉልባብ ናብ ሴናተራትን ኤምባሲታትን ይመላለሱ ኣለው፡፡ ንኣስታት 10 ዓመታት ኩልኩል ዝነበረ ርክብ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምስ ወከልቲ ኤምባሲ ኣሜሪካ ተሓዲጉ፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ምስ “ኣድማዕቲ” ዝበልዎም ወከልቲ ክራኸቡ ተሓቢርዎም ኣሎ፡፡ ቅድሚ ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ኣብ ኤርትራ ዕላዊ ናይ ስራሕ ዑደት ምፍጻሙ፡ ኣብ ኣስመራ ንፈጻሚት ኤምባሲ ኣሜሪካ ናታሊ ብራውን ንምእማንን ንምልዛብን፡ የማነ ገብረኣብ፡ ሓጎስ ኪሻን ዘመደ ተኽለን ናብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ክመላለሱ ቀንዮም እዮም፡፡ ብትእዛዝ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ናብ ዞባታት መገሻ ተኸልኪሎም ዝነበሩ፡ ኣባላት ኤምባሲ ኣሜሪካ፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ትሕቲ ስቱር ምክትታል ኣባላት ጸጥታ፡ ክገሹ ዝተፈቕደሎም ኮይኑ፡ ፈጻሚት ኤምባሲ ኣሜሪካ ናታሊ ብራውን፡ ምስ ማይክል ቪዜን ቶርንስቤሪ ጆሴፍ ዝትብሃሉ ኣባላታ፡ “ንገስጋስ ምዕባለ መንግስቲ ኤርትራ” ንምዕዛብ ብዝብል፡ ፍቓድ ተዋሂብዋ፡ ናብ ዕደና ወርቂ ቢሻን ዲጋ ዓዲሃሎን ዑደት ክትገብር ተፈቒዱላ’ዩ፡፡ ኣብ ዋሽንግተን ድማ በዓል ዶ/ር ጌዶንን ወ/ሮ ሶፍያን ዝርከብዎ ንገለ “ፈተውቲ መንግስቲ ኤርትራ”ን ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካን ንምእማን መደባት ተሓንጺጹ ‘ዩ፡፡

ካብቶም ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ከቀራርቡና ይኽእሉ ‘ዮም ተባሂሉ ዝተኣምነሎም ወጻእተኛታት ድማ ኮንግረስ ማን ዳና ሮህራባከር፡ ሄርማን ኮሆን፡ ካረንባስን ካልኦት 6 ሰባትን ይርከብዎም፡፡ ነዚ ዕማም ብጓይላን ደበላን ንምትግባር ኣቐዲሙ ሓያሎ ጎስጓሳት ንምክያድ ብማእከላይ ቤ/ጽ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ባጀት ተሰሊዑ ኣሎ፡፡

  • ብካልእ ገጽ ካብ የካቲት 2018 ጀሚሩ፡ ኩሉ ዶባት ብምዕጻው፡ ወትሃደራዊ ቃፍላይ ናብ ዶባት ዘጸግዐ መንግስቲ ሱዳን ‘ውን፡ ነቲ ዞባዊ ሃዋሁ ዚያዳ ጸሊይዎ ኣሎ፡፡ ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ 3 ኣዋርሕ ጥራይ፡ ኣብ ሃገርና ከቢድ ቁጠባዊ ጸቕጥታት ስዒቡ ‘ዩ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምስ መንግስቲ ሱዳን ንምልዛብ ብቐጥታን “ብፈተውቲ መንግስታት”ን ሰለስተ ሻዕ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያዊ ፈተነታት ዝተኻየደ ኮይኑ ዛጊት ዝተረኸበ ኣውንታዊ ውጽኢት የለን፡፡ የግዳስ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታትን ዝርከባ ማሕበረ ኮማት፡ ኣባላተን ከፍልጣን ዘይሕጋውያን ዝበሎም ድማ ክእሰሩን ካብ ሃገር ክወጹን ጌሩ ‘ዩ፡፡ ኣብ ርእሲ ብሰንኪ ምልዋጥ ባጤራ ዝሰዓበ ቁጠባዊ ዝቕባበ፡ ዶባት ሱዳን ምስተዓጸወ እውን ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ሃገርና ዝተፈጠረ ሃሰያ ኣዚዩ ልዑል እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብ ቀረብ ነዳዲ፡ ምሸላን ሽኮርን ዝተፈጠረ ሕጽረታት ኣብ ልዕሊ መሻርፍ ሓይልታት ምክልኻልን መነባብሮ ህዝብን ሓያል ጽዕንቶ ኣሕዲሩ’ዩ፡፡

ኣብ ትሕቲ ሜ/ጀነራል ኣስመሮም ገረዝጊሄር ዝመሓደር ክፍሊ ሎጅስትክስ ምክልኻል ተፈጢሩ ዘሎ ሕጽረታት፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ከቢድ ወጥሪ ፈጢሩ ኣሎ፡፡ ኣብ መላእ ሃገር ፋሕ ኢሉ ንዝርከብ ሰራዊት መሻርፍ ዝዕድላ፡ ኣብ ትሕቲ ስንቂ ምክልኻል ብሓፈሻ 9 ጨንፈራት ዘለዋ ኮይነን፡ ዛጊት መኻዚኖታተን ጥርሑ ይተርፍ ኣሎ፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ስንቂ ምክልኻል (ጎንደራን)፡ ዝርከብ ሃንገር ‘ውን ብሰንኪ ሕጽረታት ጥርሑ ተሪፉ ኣሎ፡፡ ንሰራዊት ከም መሻርፍ ኣብ ዝዕደሉ ቀረባት ሓሩጭ፡ ሽኮር፡ ዓደስ፡ ቀጠፍ፡ ዘይቲ፡ ጀሪካን፡ ፊስቶ፡ ሽዳን ወትሃደራዊ ኣልባሳትን፡ ሕጽረታት ተኸሲቱ ኣሎ፡፡ ብኮ/ል ከሰተ ግርማይ (ወዲ ግርማይ) ዝምራሕ ጨንፈር ስንቂ ‘ውን፡ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ብተኸታታሊ ጸብጻባት ሊኢኹ ኣሎ፡፡ ዳርጋ ኣብ ኩለን ግንባራትን ክፍላተ ሰራዊትን ዝተፈጠረ ሕጸረት መሻርፍ፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ሰራዊት ጽልዋታት ይፈጥር ኣሎ፡፡ ብከሰተ ገብረሃንስ ዝምራሕ ጨንፈር ስንቂ ተሰነይ፡ ኣብ ትሕቲኡ ንኩለን ኣሃዱታት ምዕራብ እዚን፡ ንሳዋን መሻርፍ ዝዕድላ ጥሕኖታት ዘለዎ ኮይኑ፡ ድሕሪ ምዕጻው ዶብ ሱዳን ግን፡ ሓያል ሕጽረት ቀረብ ምሸላ ስለዘጓነፈ፡ ከም ፍታሕ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽሕፈት ውሑድ ዓቕን ዘለዎ እኽሊ ተዓዲሉ ኣሎ፡፡

ብካፒተን ጸጋይ ባህረ ዝጥርነፍ ጨንፈር ስንቂ መንደፈራ ‘ውን፡ ካብ ማይምነ ክሳብ ዑና ጎባይ ንዝርከባ ክፍላተ ሰራዊት 31፡ 19፡ 13፡ 42፡ 53፡ 71፡ ከምኡ ‘ውን መንግስታዊ ጋራዣት፡ ተሃድሶ ሓልሓለን ስለያ ግንባርን መሻርፍ ዝዕድል ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢ ቲቦ ዝርከብ መኻዝኖታት ሕጽረት ቀረባት ከምዘጋጠሞ ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ ኣብ ምብራቕ እዚ ዓዲንፋስ ዝርከብ ጨንፈር ስንቂ ‘ውን፡ ንክፍላተ ሰራዊት 47፡ 38፡ 12፡ 15፡ 16፡ 32፡ 25፡ ብርጌድ 50፡ ዕቑር 67፡ ተሃድሶ ግንባርን ቤ/ጽ ግንባርን መሻርፍ ዘከፋፍል ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሕጽረታት ኣጓኒፍዎ ኣሎ፡፡ ብደረጃ ሃገር ኣብ ገጀረት፡ ሰረጀቓን ተሰነይን ዝተደኮና ጥሕኖታት (ቡኹራ) ‘ውን፡ ብሰንኪ ሕጽረታት ቀረብ ምሸላ ኣብ ሰሙን ንውሑድ ሰዓታት ጥራይ ይሰርሓ ኣለዋ፡፡ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ተኸሲቱ ዘሎ ሕጽረት ቀረባት ንምፍታሕ ዛጊት ዝተወስደ ግብራዊ ስጉምቲ የለን፡፡ ክሳብ ሕጂ ንኩሎም ሓለፍቲ ጨንፈራት “ኣብ ኢድኩም ዘሎ ቆጢብኩም ተጠቐሙ፡፡ ብባሕሪ ካብ ዝኣቱ ጠለባት ቀስብቀስ ክነስዕበልኩም ኢና ዓቕሊ ግበሩ” ዝብል ግብረ መልሲ ተዋሂቡ ኣሎ፡፡

ብሰንኪ ምዕጻው ዶባት ሱዳን ዝሰዓበ ሕጽረት ቀረባት ንምፍታሕ፡ በዓል ሓጎስ ኪሻ ናብ ዱባይን ቻይናን ተጓዓዞም፡ ምስ ነጋዶ ርክባት ይገብሩ ኣለው፡፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ስንቂ ምክልኻል ዝጸንሐ “ብልሽውናን ምጥፍፋእን” ንምጽራይ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጥራይ ብ09 ካብ ዝተዓደገ ምሸላ 52 ሚሊዮን ናቕፋ ከምዝተጠፋፍአ ተገሊጹ’ዩ፡፡ ነቶም ካልኦት ታሕተዎት ሓለፍቲ ንምህዳድን ንምፍርራሕን፡ ኣብ ቀረባ ካብ ጨንፈር ባረንቱ ካፒተን ሃይለን ሙሴን ዝተብሃሉ ሓለፍቲ ዝደስከሉ ኮይኖም፡ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ድማ ናይቶም ሓለፍቲ ተሓዚ መዝገብ ዝነበረ ሓደ ዮናስ ዝተብሃለ ኣባል 5ይ ዙርያ ተኣሲሩ ‘ሎ፡፡

ካብ መሸጣ ዕደናታት ቀጺሉ ከም ቀንዲ ምንጪ ኣታዊ ወጻኢ ሸርፊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝነበረ ዘይሕጋዊ መስርሕ ንግዲ ባጽዕ – ዓሊጊደር ድሕሪ ምዕጻው ዶብ ሱዳን፡ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ፡፡ ብስም ሱዳናውያን ነጋዶ 09 ከም ኣሳላጢ ኮይኑ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብባጽዕ ክኣቱ ዝጸንሐ ንብረትን ሸቐጣ ሸቐጥን እውን ስለ ዝተቋረጸ ኣብ መኸሰራት፡ ተጎለልን ዓሊግደርን ዝነበረ ኮንትሮባንድ ተቋሪጹ ኣሎ፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ሕጽረት ወጻኢ ሸርፊን ምቁራጽ ኣታዊን ሰደድን ኣጓኒፉ ኣሎ፡፡ ብደረጃ መንግስቲ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ሱዳን ብኮንትሮባንድ ናብ ሃገር ብዶባት ክኣቱ ዝጸንሐ ነዳዲ ‘ውን፡ ኣብ ትሕቲ ኮ/ል ተኽለ ረዳኢ (ወዲ ረዳኢን) ነስረዲን በኺት (ወዲ በኺትን) ዝመሓደር ዝነበረ ኮይኑ፡ ንሱ ‘ውን ተቋሪጹ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ ነዳዲ ዝተኸሰተ ሕጽረት ኣዚዩ ከቢድ ብምኻኑ፡ ንቕልጡፍ ፍታሕ በዓል ሓጎስ ኪሻ ናብ ሃገራት ከልጅ ክገሹ ጸኒሖም ‘ዮም፡፡

ብእንጅነር ኣፈወርቂ ተስፋጽዮን ዝመሓደር ኮርፐረሽን ነዳዲ እውን፡ ብደረጃ ሃገር ዝርከብ ክዙን ዓቐን ነዳዲ (Strategic reserve) ዝምልከት ጸብጻባት ኣጻፊፉ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ሊኢኹ እዩ፡፡ ብደረጃ ሃገር እቲ ዝዓበየ ስትራተጅክ ሪዘርቭ ነዳዲ ዝኽዝን ኣብ ነፋሲት ዝርከብ 13 ኣጋንእ (Depot) እውን ሕጽረታት ኣጓኒፍዎ ኣሎ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ባጽዕ (እንዳ ቶታል) ዝርከብ 9 ኣጋንእ፡ ታም ኦይል 5 ኣጋንእ፡ ኣብ ሕርጊጎ ዝርከብ 5 ኣጋንእ ዝነበረ ዓቐን ነዳዲ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ነኪዩ ኣሎ፡፡ ኣጓኒፉ ንዘሎ ሕጽረታት ነዳዲ ንምፍታሕ፡ ብሓደ ገጽ ምስ መንግስቲ ሱዳን ልዝብ እንዳተገብረ ኮይኑ ብካልእ ወገን ድማ ምስ ኣድኖክ (ADNOC- Abu dabi National Oil Company) ዝተብሃለ ናይ ኢማራት ትካል ተወሳኺ ውዕልታት ንምእሳር ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ፡፡ ጎድኒ ንጎኒ እዞም ጻዕርታት ኣብ ዓሰብ ምስ ዝርከቡ ሓይልታት ኪዳን ‘ውን ኣብ ቀረብ ነዳዲ ሓገዝ ክገብሩ ይሓትዎም ኣለው፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ቅልጡፍን ዝተሓላለኸን ዞባዊን ፖለቲካዊን ለውጥታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ኣብዚ ተኣፋፊ መድረኽ፡ ንሕና ኤርትራውያን ንኹሉ የማን ጸጋም ብምርኣይ፡ ሃገራዊ ድሕነትናን ረብሓናን ዘውሕስ ሕርያታት ክንገብር ኣለና፡፡ ኣሻሓት ምዑታት ኣብ ዝኸፈልናሉ ጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወጹ ሓደስቲ ውሳኔታት ኣብ ምቕባልን ዘይምቕባልን ‘ውን ንሓደ ደማሒ ጉጅለ ወይ ድማ ንኢሳይያስ ጥራይ ዝሕደግ ዘይኮነስ ንኩላትና ዘገድስ ሃገራዊ ዋኒን ብምኻኑ፡ በቢዘለናዮ ንዘላቒ ሰለማዊ ጉርብትና ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘውሕስ ውሳነታት ክውሰኑ ጻዕርታት ክነካይድ ኣለና፡፡

ብዝኾነ ስርዓት ኢሳይያስ ዛጊት ብዛዕባ እቲ ውሳነ ዝሃቦ ወግዓዊ ግብረ መልሲ ዋላ እንተዘይሃለወ፡ ካብ ጽባሕ እቲ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ኢሳይያስ ብተኸታታሊ ንሰለስተ መዓልታት ምስ የማነ ገብረኣብን ሓገስ ኪሻን ኣብ ዓዲሃሎ ከምተኣከቡ በዚ ኣጋጣሚ ከሕብረኩም እፈቱ፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ዶባት ንዝርከብ ህዝቢ ንምጽንጻን በቢከባቢኡ ዝተዋፈሩ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ጸብጻብ ምዕዝምዛም ህዝቢ ከዳለው ተሓቢርዎም ኣሎ፡፡ ቀጻሊ ምዕባለታት ከስዕበልኩም እየ፡፡

ወደሓንኩም

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.