Home SACTTISM መደብ ምቅላዕ ምስሉያት ወ ዕሱባት ህግደፍ – ሃገራዊ ድሕነት ዶ …...

መደብ ምቅላዕ ምስሉያት ወ ዕሱባት ህግደፍ – ሃገራዊ ድሕነት ዶ … ሃገራዊ ጥፍኣት ?

1891
0
SHARE

ትማል፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሓደ ህርመት ሰሚሩ ዝሰዓቦ መሪሕነት ህግደፍ፡ ገንሸል ዜጋታትና ጉሒፉ፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነትን ደዊኑ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምስ ኣጥሓለ፡ ህዝቢ ምስ ከዓቦ፡ እንሆ ኣብዘን ናይ መወዳእታ ፍቕዲ ዓመታቱ ድማ፡ ስካሪኮ ምስሉያትን ዕሱባትን ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት፡ ክንዲ ደጋፊ ወይ ከኣ ሰዓባይ ጉጅለ ህግደፍ ምኻን ዘሕፍርን ዘዋርድን እዋን የለን፡፡ ኩሉ እንዳፈለጠ ከምዜፈለጠ ኮይኑ፡ ኣብ ጎደና ቅብጸትን ተስፋ ምቑራጽን ዝተሸመ ጉጅለ ህግደፍ ከኣ፡ ህዝቢ ምስራሕረሖ ነተን ዝተረፍኦ ዓመታት ዕምሪ ከናውሕ፡ ንገለ ንጹጋት እንዳናዳየ ህዝቢ ከደናግር ይፍትን ኣሎ፡፡ መለለዬ ሕላገት ዕርበት ህግደፍ ዝኾኑ ዕሱባቱ ድማ፡ ኣብዚ ዘመን ብሰለስተ ኣግባባት ይውደቡ ኣለው…ብብላዕ፡ ብዘይፍላጥን ብስእነት ተስፋን፡፡

እቶም “ብብላዕ ዝዕሰቡ” ደገፍቲ፡ ንዝኾነ ዜጋ ኣብ ምንጋጋ ህግደፍ ከእትው ዘይሓንኩ፡ ሓላፍነት ዘይስመዖም ብኣጻብዕ ዝፍቀዱ ዜጋታት እዮም፡፡ እቶም “ብዘይፍላጥ ዝዕሰቡ” ድማ “ብነበር ታሪኽ” ተጋግዮም ወይ ከኣ ብጎስጓሳት በዓል ማንኪ ተደናጊሮም ዝጽንበሩ ደቂ ማማ ቆልዑት’ዮም፡፡ እቶም ኣብ ሳልሳይ ሪጋ ዝስርዑ “ብተስፋ ምስኣን” ዝዕሰቡ መጋበርያ ህግደፍ ድማ ወይ ብወለንታ ወይ ከኣ ብግዴታ ኣብ መዋጽኦ ኣልቦ ገበናት ጥሒሎም ሕነ ከይፍደዩ ፈሪሖም እናሻዕ ኣብ ገበን እንዳተቖማጥዑ ዝነብሩ ከም በዓል ሚኪኤለ ኢሳቕ ዝኣመሰሉ ሰዓብቲ’ዮም፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!! ሎሚ ቅድሚ እዋናዊ ዛዕባን ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ጉዳያትን ዘድሃበ 7ይ ክፋል ጽሑፍ ኣወንዚፈ፡ ብዝሓተትኩምኒ መሰረት ብዛዕባ ገለ ንህዝቢ ኣብ ምድንጋር ዝተቐሰቡ፡ ሰዓብቲ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ ሓደ ሓበሬታ ክፍንወልኩም መሪጸ ኣለኹ፡፡ እዞም ሎሚ ዘቃልዖም ሰባት፡ ካብቶም ብብላዕ ዝተዓሰቡ ኮይኖም፡ ኣብ ስርሓት ሚዲያን ብሉይ ፕሮፖጋንዳታት ህግደፍን ዝነጥፉ እዮም፡፡ ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ሚዲያ ዘበርከቶ፡ ማዕረ ማዕረ መሳርዕን መዳፍዕ ህዝባዊ ግንባርን እዩ፡፡ ብሰንኪ ህግደፍን ኢሳይያስን፡ መትከላት ቃልስናን ሕድሪ ስውኣትናን ጥልመት ምስ ሳዕረሮ፡ እቲ ኣብ ሓደ ህርመት ሰሚሩ፡ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተቓለሰ ህዝቢ፡ ብሃልኪ ፕሮፖጋንዳታትን ብዘይትግበሩ መጽብዓታትን ብሓሶትን ተደናጊሩ፡ ሓድነቱ ከጥፍእ ኮነ ተባሂሉ ዳግማይ ስነ-ኣእምራዊ ኩናት ተወሊዕሉ ኢዩ፡፡

በዞም ናይ ኢሳይያስ ናይ ፕሮፖጋንዳ ማሽነሪታት ዘይተምሃዘን ዘይተሰነዐን ታሪኽ ዳርጋ የለን፡፡ ካብ ፍጻመታት መንካዕ ክሳብ የሚን፣ ካብ ቅንጸላ ኢብራሂም ዓፋ ክሳብ ስሌማን ህንዲ፣ ካብ ምንጽልጻል ክሳብ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ካብ ኩናት ደሴት ሓንሽ ክሳብ ባድመ፣ ካብ ምእሳር ኣባላት ጉጅለ 15 ክሳብ ስርሒት ፎርቶ፣ ካብ መትከል “ርእሰ ምርኮሳ” ክሳብ “ዋርሳይ ይከኣሎ”፣ ካብ መደባት ውሕስነት መግቢ ክሳብ ምኽዛን ማያት፣ ካብ ምምዕባል ዓቕሚ ሰብ ክሳብ ወሰኽ ደሞዝ፣ ካብ ሃኮሰኤ ክሳብ ሃማድኤ፣ ካብ ሃማመተኤ ክሳብ ስሉስ ውድባዊ ጉባኤ፣ ካብ ዋይ ፒኤፍ ዲጀ ክሳብ ሽማግለ መኸተ፣…ኮታስ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ዕማማት ጽላት ብጽላት፣ መድረኽ ብመድረኽ ብዙሕ ተሃውቲትሎምን ተዘሪብሎምን እዩ፡፡ እቲ ሓቅን ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነትን ግን ብኣንጻሩን ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦን እዩ፡፡

በቢጽላቱ ንዝካየዱ ህግደፋዊ ጎስጓሳት ድማ፡ ቃላት ኮሓሒሎም፡ ምስልታት ሰኒዖም፡ ብዝወቀቡ ስነ-ጥበባዊ ኣገባባት ዝዋስኡ ዕሱባት በቢእዋኑ ተራእዮም ‘ዮም፡፡ እቶም እሙናት ተሰሚዮም ትማል ምስኡ ዝነበሩ ጎስጎስቲ ከም ቃንጫ መጺዩ ምስተፍኦም ከኣ፡ ናብ ስደት ምስ ተቐሰቡ ሕጂ’ውን ህግደፍ ሓደሽቲ “ኣፈኛታት” ክውድብ ህርድግ ይብል አሎ፡፡

ካብዞም ኣብ ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ዘይንቡር ታሪኽ ክምህዙ ዝውዕሉ፡ ብታሪኽ እንዳማቶም ተበሊጾም፡ ንገሊኦም እንዳኻሓሉ፡ ንገሊኦም እንዳጠቀኑ ዝነብሩ፡ ውሑጅ ዘጋፍዖም ኣባላት ዝርከብዎ ሓይሊ ዕማም ምስሉያት ሓደ፡ ኣብ መርበባት ኢንተርኔት ዝዋሳእ ጉጅለ “ሃገራዊ ድሕነት” እዩ፡፡ እዛ ጉጅለ ከም ውልቀ ሰብ ተመሲሉ ቀጻሊ ብዛዕባ ህግደፍን ኣብ ሃገራዊ ድሕነት ዝብል ፔጅ

ኣብ ደገ ንዝነብር ዜጋ፡ ብፍላይ ከኣ ንኣባላት YPFDJ፡ ንምኹስኳስን ሓበሬታ ንምስናቕን፡ ብዝብል ዝተበጋገሰት ጉጅለ “ሃገራዊ ድሕነት” ኣበጋሲኣ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኮይኑ፡ ነቶም ክጽሕፉ ይኽእሉ ዝበሎም መንእሰያት ኣኪቡ፡ “ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካየድ ዘሎ ስዕረት ብከመይ ንምክቶ?” ብምባል ዝተወሰነ ስልጠና ብምሃብ ብዝወደቦም ኣባላት ዝተዳለወት ፔጅ ‘ያ፡፡ እቶም መንእሰያት መብዛሕትኦም ኣብ ቀዳመ- ሰምበት ምስኡ ኩዕሶ ዝጻወቱን “ተካእቲ ወለዶ” ተባሂሎም ንነብሶም ዘእመኑን ብገለ ውን ዝተኣመነሎምን እዮም፡፡ ኣብ ሞንጎኦም ተስፋአለም ገብረስላሰ (ጫረ)፡ ሳምሶም ብርሃነ፡ ህዝባዊ መንግስትኣብ፡ ምሕረትኣብ መድሃኔ፣ ኤፍሬም ሃብተጽዮን (ወዲ-ገደ)ን ካልኦት ኣብ ደገ ዝዓበዩ ብቋንቋ እንግሊዝ ክምክቱ ተባሂሎም ዝተኣመነሎም ኮይኖም ጠለባቶም ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍን ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ይማለአሎም፡፡

ካብዚኣቶም ተስፋለም ጫረ ኣብ ኤረቲቪ ኣዳላዊ መደብ ጥበባት ኮይኑ ስለዘገልግል ብዙሕ ዘለልዮ እዩ፡፡ ቅድሚ ምኽፋት ፔጅ ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ተስፋለም ጫረ፡ ናይ ተቓወምቲ ብዝሒን ትሕዝቶን ናይ ፌይስቡክን ናይ ቲዊተር ኣካውንትን ድሕሪ ምጽናዕን ምዝርዛርን፡ ነፍሰወከፍ “ተቓላሲ” ልዕሊ ሓደ ኣካውንት ብምውጻእ ክቃለስ ከምዝግባእ ተላቢዩ፡፡ ደሓር ከኣ የማነ ስሩዕ ቤ/ጽ ተፈሊዩሎም ዘድሊ ጠለባት ተማሊእሎም ካብ ህዝቢ ተኸዊሎም ዝሰርሕሉ ቦታ ኣመቻችኡሎም፡፡

እዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ መንእሰያት፡ ምስ ማንኪ፡ ኪሻ፡ ቻርሊን ዘምህረትን ጥቡቕ ናይ ስራሕ ርክብ ዘለዎም ኣባላት ኮይኖም መንነት ነፍሰወከፎም ከምዚስዕብ እዩ፡

  1. ተስፋለም ገብረስላሰ ገብረማርያም (ጫረ)፡ ብ1973 ኣብ ወኪ ተወሊዱ፡ ኣብ ማይተመናይ ዝዓበየ፡ ኣባል 6ይ ዙርያ ሃ/ኣገልግሎት’ዩ፡፡ ኣብ ምስንዳእ መጽሄት ተዓጠቕ ከም ኣባል ቦርድ ብምኻን ክነጥፍ ጸኒሑ፡፡ ኣብ ሳዋ ንነፍሲ ወከፍ ሓለፊ ብዝገብሮ ዝነበረ ዘይእደን ኣስተዋጽኦ፡ ምጽፋፍ ጸብጻባት፡ ምእካብ ኣዚዩ ደቀቕቲ ሓበሬታታት ብዛዕባ ነፍሲወከፍ ኣባል ወይ ውን ፍርይ ዝበለ መቀናቕንቲ ከምኡ ውን ምልኻዕ ወረን ይልለ፡፡ ንዝመጸ ሓላፊ ተገዛኢ ባህሪ ስለዘለዎ ድማ፡ ኩላቶም ሓለፍቲ ሳዋ ብተዘማዲ ብጽቡቕ ይዝክርዎ፡፡ ብሕልፊ ግን ንበዓል ብርጋዴር ጀነራል ነጋሽ ተስፋጽዮን፣ ኮረኔል ደበሳይ ግደ፣ ኮረኔል እዝራ ወልደገብሪኤል ብቐንዱ ንሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ ዝነበሮ ውልቃዊ ኣገልግሎት ይልለ፡፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ሓለፍቲ ብስሩዕን ዘይስርዑን ካብ ኢንተርኔት ሓበሬታ እንዳኣከበ ውን፡ ብዛዕባ ኤርትራ ብተቓወምቲ ዝጸሓፍን ዝበሃልን ይምግብ ኔሩ፡፡ ጫረ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ዓምዲ “ዕላል ምስ ታሪኽ” ዝብል ጀሚሩ ነዊሕ ከይከደ ክቋረጽ ተጌሩ፡፡ ነታ መደብ ምስቲ ሓበሬታ ናይ ምኽዛን ባህሪኡ ብምትእስሳር ከዳልዋ ዝተዓደሎ ኮይኑ፡ ዳርጋ ብዛዕባ ነፍሲወከፍ ዝፈለጥ ተጋደላይ፡ ሕማቕ ሓበሬታ እንዳኣከበ ነታ መደብ ናብ ወረ ክልውጣን፡ “እገለ ኣብ ኩናት ሃዲሙ፣ ኣውራጃውነት ተነቒፉ ኔሩ፣ ምስ ጓል ዝምድና ኔርዎ” ወዘተ እንዳበለ ኣስማት እንዳረቖሐ ይጥቅን ኔሩ፡፡ኣብ ወርሒ 7/2008 ናብ ሚኒስትሪ ዜና ተመዲቡ ዓሊ ዓብዱ ክሳብ ዝሃድም መጋበሪኡ ኮይኑ ልዕሊ ጊሊያ ተገዚእዎን ተደፊኡን እዩ፡፡ ኣብ ሚ/ሪ ዜና ዓሊ ንዝደለዮም ሰባት እንዳጉልሐ፡ ንዘይደለዮም ድማ ኣንጻሮም ከምዚዝረብ እንዳገበረ፡ ብዙሕ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ጽሒፉ፡፡ ንሱ ጥራይ ዘይኮነ ተዛማዲ ናይ ተኣማንነት ብልጫ ስለ ዝረኣየሉን ብዘይዝኾነ ስክፍታ ንሰባት ከጸልም ስለዘይሰግእን ድማ፡ ዓሊ ዓብዱ ክህረም ንዝደለዮ ስነ-ጥበበኛን ሓላፊን ቀዳማይ ተጸዋዒ ጫረ እዩ ኔሩ፡፡ ብኸምዚ ድማ ዓሊ ዓብዱ ንኢሳያስ ጸጋይ፡ ዓብደላ ጃብርን ክሃርም እንከሎ ብድሕሪ መጋረጃ ዝጽሕፎ ጫረ ‘ዩ፡፡ጫረ፡ በቲ ናይ ምቅብባልን ኣዚዩ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ናይ ምእካብን ባህሪኡን፡ ኣብ ጠመተ እንዳ ጸጥታ ውን ኣቲዩ ኢዩ፡፡ ኣብ ሓደ እዋን እንዳ ጸጥታ ኣንጻር መንግስቲ ዝዳለው ጽሑፋት ንምምካት መደባት ምስ ሰረዐን፡ ኣብ ምእሳር ኣባላት “ሬዲዮ ባና”ን፡ ካብ ጸሓፍቲ ንጫረን ካልኦት 7 ኣባላት ወዲቦም ኔሮም፡፡ ጫረ ውን ነቲ ብኮ ተጠቒሙ ክሳብ ሕጂ ምስ ሓላፊ ወጻእ ስለያ ኮረኔል ጋይም ተስፋሚካኤል፡ ሓለፊ ክፍሊ ምክትታል ብልሽውና ኮረኔል የማነ ዓንደማርያም (ሰኮሎቭ) ካልኦትን፡ ጥቡቕ ርክብ መስሪቱ ብዛዕባ ማሕበረ ሰብ ስነ-ጥበብ፡ ኣብ ወጻእ ዝርከቡ ጸሓፍትን ጋዜጠናታትን ወረ ኣብ ምቅብባል ይሰርሕ እዩ፡፡ብሕልፊ ብዛዕባ ክጽለሙ ንዝድለዩ ሰባት ኣብ ምጽሓፍን፡ ምስ መሻርኽቲ ህግደፍ ዝኾና መርበባት ኣብ ምድላውን ውን ቀጻሊ ይነጥፍ ‘ዩ፡፡ ኣብ 2016 ኣብ መርበብ ሓበሬታ ራይሞክ ብማንኪ ተኣዚዙ “ሳክቲዝም ወያነ” ዝብል ሓደ ጽሑፍ’ውን ዘርጊሑ ኔሩ፡፡ ኣብዚ እዋን ከኣ ጎኒ ንጎኒ ሰርሓት ሚ/ሪ ዜና ሓንቲ ካሜራ ተሓንጊጡ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ሃገርና እንዳተንቀሳቐሰ ኣሳእል ስኢሉ፡ ኣብ ፔጅ “ሃገራዊ ድሕነት” ክጽሕፍን ክጥቅዕን ዝውዕል ቀንዲ ወኪል ህግደፍ ኮይኑ ኣሎ፡፡
  1. ህዝባዊ መንግስትኣብ፡ ወዲ ስውእን ምሩቕ ፖለቲካል ሳይንስ ኣብ ኣስመራ ዩንቨርሲቲ ኮይኑ፡ ኣብ ኮርያ ተማሂሩ ድሕሪ ምምላሱ ሕጂ ፍሉይ ጸሓፊ ሓጎስ ኪሻ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ህዝባዊ ካብ ጋዜጣ ሰቲት ኣትሒዙ (ዳሕራይ ከኣ ሓዳስ-ኤርትራ) ይጽሕፍ ስለዝኾነ፡ ሕጂ ሓደ ካብቶም “ተካእቲ ወለዶ” ተባሂሎም ነብሶም ዘዕሽውን ምሉእ መዓልቲ “ኤርትራ ጽቡቕ ኣላ” እናበሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወረ ክነዝሑ ዝውዕሉን ‘ዩ፡፡ ኣብ ቲዊተር ድማ ነፍሲወከፍ የማነ ቻርሊ ቲዊት ዝገበራ ምግዋሕን፡ ንኤርትራ ጽቡቕ ከምዘላ ዘምስል ስእልታት ኣብ ምዝርጋሕን ይነጥፍ፡፡ 
  2. ሳምሶም ብርሃነ፡ ከም ህዝባዊ ምሩቕ ፖለቲካል ሳይንስ ናይ ዩንቨርሲቲ ኣስመራ ኮይኑ፡ ብተመሳሳሊ ውን ወዲ ስውእ ስለዝኾነ፡ እዛ ሃገር “ልዕሊ ማንም ትብጸሓና” ካብ ዝብሉ ሓደ እዩ፡፡ ንሱ’ውን ኣብ ሃገረ ሆላንድ ተማሂሩ ድሕሪ ምምላሱ፡ ኣብ ሚ/ሪ ሃገራዊ ልምዓት ይሰርሕ ኣሎ፡፡ ሳምሶም ኣቐዲሙ ምስ የማነ ቻርሊ ይሰርሕ ስለዝነበረ፡ ነታ ጉጅለ ጠርኒፉ ምስ የማነ ማንኪ ዝተራኸበ ንሱ’ዩ፡፡
  3. ምሕረተኣብ መድሃኔ፡ ኣብ ዩንቨርስቲ ኣስመራ ብሶሲዮሎጂን ኣትሮፖለጂን ድሕሪ ምምራቕ ናብ ኮሚሽን ምጥያስ ተመዲቡ፡፡ ድሕሪ ምዕጻው’ቲ ኮሚሽን ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ህግደፍ ዝተቐየረ ዕባይ ቤ/ቲ ሰውራ ‘ዩ፡፡ ንሱ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኤውሮጳ ተማሂሩ ምስተመልሰ ናብ ስልጣን ገጹ ዝተጸገዐ ኮይኑ ካብቶም ውሑዳት ተረባሕቲ ሓደ’ዩ፡፡

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ምስዞም ክብ ኢሎም ዝተገልጹ ኣባላት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ዝነጥፉ ካልኦት 6 ኣባላት ከምዘለው እንዳሓበርኩ፡ እዞም ኣባላት ብዙሕ ትርጉም ዘለዎም ስለዘይኮኑ ካብ ምቅልዖም ከምዝተቖጠብኩ ክሕብረኩም እፈቱ፡፡ እቶም 4 ግን ብዝረኸብዎ ጠመተን ናብ ሓለፍቲ ብምቅርራቦምን ንነብሶም ከም ተረከብትን ሓለፍትን ጌሮም ዘእመኑ እዮም፡፡ ብዓይኒ ሓቂ ብወገነይ ብዙሕ ትርጉም ስለ ዘይሃብኩዎም፡ ነዞም መንእሰያት ናይ ምቅላዕ መደብ ኣይነበረንን፡፡ ብዙሓት ተኸታተልቲ መንነት ኣዳለውቲ ፔጅ “ሃገራዊ ድሕነት” ንኽገልጸልኩም ብዝሓተትኩምኒ መሰረትን እቶም ኣዳለውቲ ውን ምእንቲ ህዝቢ ክፈልጦም ሎሚ ኣቃሊዐዮም ኣለኹ፡፡ ሃገር ብሃገራ ድነ ጸልማት ለቢሳ ክንሳ፡ ንበዓል ማንኪ ተኣማሚኖም ናይ ምጽሓፍ ባህሪያዊ ትዕድልቶም ተጠቒሞም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መርበባትን ሚዲያታትን ዝዋስኡ፡ ጅምር ፕሮጀክታት እንደሰኣሉ፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ከምዘሎ እንዳምሰሉ፡ ታሪኽ እንዳኸወሉን እንዳዛብዑን፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ሕዱር ጽልኢ እንዳጋፍሑ፡ ህዝቢ ከደናግሩ ዝፍትኑ ምስሉያት ሰዓብቲ ህግደፍ እምበኣር እዚኦም ‘ዮም፡፡

 

By SACTTISM

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.