Home ዜና ትግርኛ መስመርካ ሲሒትካ ትኸዶ ጉዕዞ መንገዲ ዓወት ኣየምጽእን’ዩ፡ መንገዲ ባርነት ግን ያሃንጽ፡

መስመርካ ሲሒትካ ትኸዶ ጉዕዞ መንገዲ ዓወት ኣየምጽእን’ዩ፡ መንገዲ ባርነት ግን ያሃንጽ፡

1189
0
SHARE

መስመርካ ሲሒትካ መታን ከይትጓዓዝ ቀዳምነት መለለይኻ ዝኸውን ኣርማ ባንደራኻን ህዝቢ ዘላዓዕል ምንቅስቓስ ሃገራዊ ቻርተር ክህልወካ ኣለዎ።

ሃገራዊ ቻርተር ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስማዊ ዝሓዘ ኣሉታዊ ኢዩ ነይሩን ዘሎን። ናዓና ንኤርይትራውያን ተሞክሮ ናይ ቃልሲ ዳኣ ያሃልወና’በር ከምቲ ን 30 ዓመት ብረታዊ ተጋስድሎና ተቃሊስና ዋላ ተታዓወትና ብልክዕ መስመር ቃልሲ ሒዝና ስለ ዘይተጓዓዝና በንጻሩ ሃሰያ ናይዚ ሕጂ ድሕሪ ናጽነት ኣጓኒፉና ዘሎ ኩነታትና እነሆ ሃሲዩና ንርኦ ኣለና።

መስመርካ ሲሒትካ ትኸዶ ጉዕዞ ሙሉእ ዓወት ከምዘየምጽእ ገናውን ኣይተማሃርናን ኣለና ንመስል።

ብረታዊ ተጋድሎ ንበሎ፡ ለውጢ ንምምጻእ ቃልሲ ንበሎ ብሃገራዊ ደረጃ መስመርና ስሒትና ኢና ንጓዓዞ። ሃገራዊ ምንቅስቓስ ምስ ባህላዊ ጉዳያትናን ዓዳውን ኣውራጃዊ ካርታናን ሓዋዊስና ሃገራዊ ቃልስና ፈላሊና ዘይምሓዝና ኢዩ እቲ ጸገም።

ሃገር ማለት ህዝቢ’ዩ፡ ህዝቢ ማለት ከኣ ሃገር’ዩ። ንሓደ ህዝቢ እዚ’ዩ ባህልኻ፡ ከምዚ’ዩ ሃይማኖትካ፡ እዚ’ዩ ኣውራጃኻ፡ ማሕበራዊ ዓድኻ እንዳበልካ ኣይኮንካን ናይ ለውጢ መስመር መቐይሮ ከተምጻሉ። ህዝቢ ማሕበራዊ ናብራ ሂወቱ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝነብሮ ናብራ ስለ ዝኾነ መነባብሩኡ ኢፈልጥ’ዩ። ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰፈኖ ለውጢ ከተምጻሉ እንተኰንካ ንፖለቲካኻ ክጥዕመካ ስማዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣወንታዊ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ዝሓዘ መትከል ዘለዎ ኢኻ ፍትሓዊ ለውጢ ተምጽኣሉ።

 ብዛዕባ ባህላዊ መደብን፡ ኣውራጃውን ዓዳዊ እምነታትን ኣብ ፖለቲካ ቻርተርካ ከም መደብ ክኣቱ የብሉን። (ኣውራጃታትና ከምቲ ስርዓት ኢሰያስ ንምቁጽጻር ክጥዕሞ ኣብ 6 ጎዛዚዋ ዘሎ ሃገርና፡ ኮምኡ ዓይነት ትጎዘ ማልት ግን ኣይኮናን። ኣውራጃታትና ግርማ ኤርትራ ስለ ዝኾና ከምቲ ዘለዎኦ መለለይ ሃገር ኢየን ክትንከፋ የብለንን። ኤርትራዊ ሄጋ ግን ኣብ ዝደለዎ ክነብር መሰሉ’ዩ፡ ንወዲ ኣውራጃ ጥራሕ’ዩ ዝግበኦ ዝባሃል ነገር የለን።)

ዓደይ ወዲዓደይ ዝብል ዱሑር ዝንባሌታት ክጠፍእ ጥራሕ ኢዩ ዘለዎ መታን ማሕበራዊ ፍትሒ ክነግስ። ብድሕሪኡ’ዩ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝሰፈኖ ቁጠባዊ ዲሞክራሲ ምስተሃነጾ ድሌት ህዝቢ ዘርዊየሉን መነባብሮኡ ዝማሓየሽሉን ኩነታት ባይታ ምስ ተፈጥረሉ ኣብ መላእ ሃገር ምዕሩይ ዝርገሐ ዘለዎ ብሕጋዊ ዕዳጋ ዝሰርሕ ንኣዋፈርቲ ኣብ ዕዳጋ ውድድር ዘታባብዕን ምዕሩይ ዝተመዛዘነ ቁጠባዊ ዕብየትን ዘረጋግጽ። ቁጠባዊ ዲኮክራሲያዊ ስርዓት ምስ ተሃንጸ እቲ ዱሑር እምነታት ናይ ወዲ ዓደይ ኣንነታዊ ዝንባሌ እንዳቓሃመ ጠፊኡ ናብ ምዕባሌ ጎደና ዝምርሽ።

ኤውሮታውያን ከምቲ ናህና ኣንነታዊ ዝንባሌ ዘይነበሮምን ኣይኮነን ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኣብ ህንጸት ሃገርን ህዝብን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ማሕበራዊ ፍትሒ ተጠቒሞም’ዩም ነዚ ሕጂ ምዕባሌ በጺሖሞ ዘለዉ ክበጽሕዎ ዝኻኣሉ። ዓይነት ዓሌታዊ ሕብሪ ጻዕዳ ወይ ጸሊም ስለ ዝኾንካ ኣይኮነን ንዱሑርነትካ ዱሑር ዘብሎ። ንቕሓትን ኣካዳማዊ ትምህርትን ናብ ህዝብኻ ምስፍሕፋሕ ጥራሕ’ዩ። 

ናዓና ንኤርትራውያን ብሰንኪ ዱሑር ዝንባሌና ንለውጢ ንኸነምጽእ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ሱቕኢሉ ኣይኮነን ን26 ዓመት ህዝቢ ተበታቲኑ ናይ ሓደ ርብዒ ዘመን ናይ መንእሰይ መጻኢ ዕድሉ ባኺኑ ሓንቲ ክንገብር ኣይካኣልናን። ሓደ ጸላኢና ክንሱ ተጠርኒፍና ፍትሓዊ ለውጢ ከነምጽእ ዘይምኽኣልና ሒዙና ዘሎ እቲ ኣንነታዊ ዝንባሌ እዩ ሓላሊኹ ንኸይነድምዕ ሕልናና ሒዙና ዘሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዜጋ ስለ ሰሪጹ ስለ ዘሎ’ዩ ኢሰያስ ነቲ ባሪያትና መዝሚዙ ዝጻወተልና ዘሎ።      

ከምቲ ዝተጠቕሰ መስመርና ሲሒትና ገና ንጉዕዞና ተታሒዝናዮ ስለ ዘለና ሓደ ካብቲ ነካይዶ ቃልሲ ኣብ ጉዳይ ባንደራ እንተኾነውን ንፍትሓዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ምንቅስቓስ፡ ካብቲ ዝገዝኣካ ስርዓት ኢኹን ዲክታተራዊ መላኺ ካብኡ ዝፈሊየካ ኣርማ ናይ ቃልሲ ባንደራ ክህልወካ ኣለዎ።

ብህዝቢ ዝጸደቐት ባንደራ ሃገር ዋላ እንተኾነትውን፡ ከምዘላታ ኣርማ ኮይና መለለይ ገለ ምልክት ኣርማ ትገብረላ ናይ ለውጢ ኣምጻኢት ምዃና።

ኣብ ናይ ኤርትራውያን ጉዳይ ግን ብህዝቢ ዘይተመረቐት ባንደራ ምስቲ ውልቀ-መላኺ መፋላልዮ ዘይብልካ ባንደራ እንተምበልበልካያ መስመርካ ሲሒትካ ጥራሕ ኢኻ ዘለኻ።

ልክዕ’ዩ ኤርትራ በዚ ዘላቶ መለለይ ባንደራ ውልቀ-መላኺ ዋላ ቢኢደ ወነንኡ ንዓለም ናይ ኤርትራ ባንደራ እዚኣያ ኢሉ እንተኣላለያ ንፍተዋ ንጽላኣያ ንሳያ፡ ክሳብ ናይ ህዝቢ ምርጫ ኮይኑ ለውጢ ዝመጽእ። ኣብ ፍትሒ ንምምጻእ ንእተኻይዶ ቃልሲ ክሳብ ዘለኻሉ መድረኽ ምስዚ ስርዓት እዚ ዝፈልየካ ባንደራ ናትካ ክህልወካ ግን መሰልካ’ዩ። 

ሓደ ካብዚ እነካይዶ ንለውጢ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዘይፍለ ገጋ መስመር፡ ጉዳይ ሰላማዊ ሰልፊ እውን ኣሎ። ጉዳይ ባንደራ ጥራሕውን ኣይሎነን። እቲ ንጭርሖ ሰለዳታት ዝውቀጡ ጹሑፋት ከም ዘለዎ ደለ ምኾነ፡ እቲ ብሞጉሉሕ ነዳምጾ ብትግርኛን ብዓረብን ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ሃገርና እንተትኸውንሲ ሕራይ ጽቡቕ። ኣብ ሃገር ስደት ግን ንመን ከነስምዕ ኢናሞ ብትግርኛን ዓረብን ነቃልሖ። ናዓና ንኤርትራውያን ንጉዳይና መን’ዩሞ ዘይፈልጦን ዘይርደኦን።

ንመዳኽርቲ ናይቲ ስርዓት እንተኾይኑ፡ ንሶምውን ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ኣይኮነን ጠፊእዎምውን ኣይኮነን፡ ኮነ ኢሎም ዝሓንገዱ ዳኣ’በር።

እቲ ከነካይዶ ሰላማዊ ሰልፊ ክኸውን ዝግበኦ ካብቲ ስርዓት ዝፈሊየና  ቀዳምነት ናይ ደልይቲ ፍትሒ ባንደራ ዘይምሓዝና። ካልኣይ ቀንድን ኣገዳስን ህዝቢ ዓልም ብጉዳይና ኣቃልቦ ሂቡ ኣድህቦ ዝገብረኩ ብጉቡእ ተረዲኡ መታን ከቕልበሉ ጉዳይና ብትግርኛን ዓረበኛን ነጉልሖ ድምጽና ዘይኮነስ፡ በቲ ንነብሮ ሃገር ናይቲ ሃገር ቋንቋ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ። ከኡውን ብእንግልዘኛ። በዚ ኣገባብ እዚ ብዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ መስመሩ ልክዕ’ዩ ዝወቅዕ። 

ኣብ ዝመጽእ ናይ ለውጢ መድረኽ ምስቲ ንምስርቶ ግዚያዊ መንግስቲ ቀዳምነታት ቀዳማይ ክስራዕ ዝግበኦ ሃገራዊ ቅዋም ዝተነደፈ ንድፊ መስሪትካ፡ በቲ ዝነበረሞ ኣብ ግብሪ ዘይዋዓለ ሃገራዊ ቅዋም ዝቖመ 23 ግንቦት 1997 ዝተመስረተ ኣብ ስራሕ ክውዕል ዝውሰኽ ወሳሲኽካን ዝእለ ኣላሊኻን የሐዲካን ብሃገራዊ ቻርተር ዝምራሕ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሶ ሃገራዊ ባይቶ ምትካል’ዩ።

ግደ ህንጻ ሃገራዊ ባይቶ፡

  • ብኣባላት ባይቶ ማሕበራዊ ጉዳይ ቀዋሚ ኮሚቴ (Social Affairs Standing Committee) ዝቆመ ቻርተር፡
  • ብኣፈ ጉባኤ ዝምራሕ ምስ ጸሓፊ ክፍሊ ባይቶ ዘለዎ ቅርጺ፡
  •  ምስ ኣማኸርቲ ኮሚቴን ኣብ ምጽሓፍ ተሓጋገስቲ ባይቶን፡
  • ናይ ስራሕ ወሃብቲ ባይቶ፡

ኣብቲ ባይቶ ዝዋሃብ ኮፍ መበሊ ዘጣቓለለ ኣብ ቅድሚት ናይቲ ተጋባእቲ ጉባኤ ዝስርዑ መናብር።

  • ብየማን ሸነኽ ዲዩ ብጸጋም ወገን መናብር ነቶም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ቦታ ይዋሃቦም፡
  • ጎኒ ጎኑ ወይ ማዕረማዕሪኡ ናይቶም ሰበ-ስልጣናት ዝተመሳሰለ ሸነኽ ከኣ ነቶም ወከልቲ ሓለፍቲ ኣውራጃታት ናይታ ሃገር ቦታ ይዋሃቦም፡
  • ዝተረፈ ቅርጺ ናይቲ ባይቶ ዝተፈላለየ መናብር ነቶም መራሕቲ ሰልፍታት ፓርቲከኛታትን ካልእን ዘጣቓለለ ቦታታት ቦታ ይዋሃብ

 ንታዓረ ጥራሕ እንተተዓሪና’ዩ ኩሉ ጸገምና ዝዕረ።

ኣታ ወዲ ተዓረ፡ ብወዲ ቱኳቦ ማሃሪት ዝኾነት ደርፊ ምስማዓ ጽቡእ’ዩ።

  

መርበብ ንሰላም.ኮም  

 

 

 

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.