መስፉን ሓጎስ!!!!!
ተጋዳላይዶ! ወይስ መጽናታይ?
እስከ ክሓተካ፡ ኣንታ ሓወይ ተጋዳላይ
ኣብ በርኻ ምእርግካ ከም ህበይ ዘላላይ
ዓላማ ዘይብልካ ኣጽነትካዮም ህዝበይ
ኣብ ምንትምንታይ እዚ ኹሉ እከይ
ንመንሞ ምሒርካ ላዕላይ ኮነ ታሕታይ
ሃገርና ባዲማ ቅድም ኮነ ዳሕራይ ።
ብዙሕ ተብሂሉ ኣየ ጎበዝ! ኣየ ብጽሕና!
ንኻርነሽም ድምበዛን ኣምሰልካያ ጅግና
ኮለነል፡ ጀነራል ንኸብዶም፡ ዝብሉ ይጥዓመና
ታሪኾም ሓተላ። ዘይሓልፍ ናብ ደቅና
መሬት ተሕድግ ኣብ ባሕሪ ፍልፍል ሰሎሙና
ንዕጸ ፋርስ፡ ንጫት፡ ተነቕሉ ሓረስቶት ዓድና
ነዚ ድዩ ነጻነት ኣምጺእካስ ከተጽንት ሃገርና።
ብመስፍን ሓጎስ ኣየወ ክንደይ ተዓለለ
ከይተረጋገጸ ክንደይ ስምካ ዘይተላዕለ
ብባዶ ሰለስተ ዝናኻ ሰማይውን ተሰቕለ
ኣቦ ስንኩላን፡ ኣቦ ተጋዳላይዶ! ዘይተባህለ
ሓላያይ ናይ ኩላቶም ናይ ሓሶት ወሓለ
ብዝተገብረ ምንቅስስቃስ ክንደይ ዘቐንጸለ
ታሪኹ ንኽሕሉ ማእከል ዝሰፍር ከምሓኸለ።
ዕርክነትካ ምስ ሓረስታይ ከመይ ነበረ
ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣዕሚቑ ከይመኸረ
ሓተትካሉዶ! እንታይ ስንቂ ከም ዝቛጽረ
ብሃንደበት ቀልጢፉ ኣብ ጉድጓድ ዝሰፈረ
ካብ ሰዳሖ ዒላ ጀሚርካ፡ ገዛ ገዛ እና ዞረ
ናትካ ታሪኽ ኣሎ ገና ብዙሕ ዘይተዘርዘረ።
ሓቂ ንኸምስል ምስ ጂ 15 ዝፈረመ
ስደት ምስ ወጸ ንዓለም ዘገረመ
ብመስፍን ብዙሕ ሰብ ኣጉረምረመ
ኣብ ስደት ዝነብር ንኽሪኦ እና ተገረመ
ደጊሙ ንኸይ ሓሰብ ብኣፉ ተገዝመ።
እዚ መስፉን እዚ ትሑት ቃሉ
ዝፈጸመ ፈጺሙ ዝብል ኩሉ ኣሉ
መትሓዚ ዘይርከቦ ነቲ መርዛም ቃሉ
ሓቂ ንኸምስል ከም ተመን ተጠቕሊሉ
ሓሸው! ሓሸው! ዘይብል ዝነብር ተዳሂሉ
እንጀራ ልምኖ ዝምገብ፡ ገንዘብ ከም ዘይብሉ
በጊዕ ንኽመስል ዝኽደን ቆርበት ናይ ተዃሉ
ንሰልፊ ህዝቢ ኣብ ቅድሚኡ ኣኸቲሉ
ካድራት ጀብሃ ነበሩ ኩላቶም ወሓላሉ
ኣባልት ሰልፊ ህዝቢ፡ ቃላትኩም ተጠቕሊሉ
እስከ ንገሩና ዝነበር ምሕዝነትኩም ብኹሉ
ይነብር ህዝብና ከይተኻሕሰ ተበዲሉ።
ፍትሒ ይንገስ
ሃይለ ገብረትንሳኤ፡ ዘብሄረ ሰራየ!!!
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 26 ሕዳር2016