Home ዜና ትግርኛ እዝጊ ይምሓርካ ዘይበሃል ሕማም! ካልኣይ ክፋል

እዝጊ ይምሓርካ ዘይበሃል ሕማም! ካልኣይ ክፋል

1240
0
SHARE

እዝጊ ይምሓርካ ዘይበሃል ሕማም!

ካልኣይ ክፋል
ረድኢ መሓሪ /ኣለና/
 11 መስከረም 2016
 ቶሮንቶ

ርሑስ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ንኤርትራውያን ኣመንቲ ክርስትና

 ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሰላምን ራህዋን ክረክብ እንተኾይኑ ድማ፡ እዚ ስርዓት እዚ ካብ ሰራውሩ ክብርቆቕ ኣለዎ። ከምቲ ወሓለ ሰበይቲ፣ ‘ኣይቡቕለይ ኣይግለተይ’ ትብሎ፤ እዚ ስርዓት እዚ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራን ንሰውራ ኤርትራን፤ ኣይቡቕሉ ኣይግለቱ ኢዩ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ እዚ ስርዓት እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ትግርኛ ዚዛረብ ጓና ኢዩ። ከምዚ ገርካ ፈላሊኻ ዘይምርኣይ፡ ንደምበ ተቓውሞ ናብ ግብ ዝበለ ጸልማት መንገዲ ሸሚሙዎ ይርከብ ኣሎ። ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ፍልም 60ታት፡ 70ታት፡ 80ታትን ተስዓታትን ክሳብ ሎሚን ነናቱ ፋይላት ኣለዎ።

ነዚ ፋይላት እዚ ብግቡእ ምግንጻልን ምንባብን ድማ፡ ውሕልነት ይሓትት። ንዘመነ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ንታሪኽ ህዝባዊ ግንባርን ነቲ ኣብ 1994 ዝተፈጥረ ህግደፍን ኣብ ሓደ መልወሲ ኣእቲኻ ከተዳውሶ ምፍታን፡ ዝዓበየ ጌጋ ኢዩ። ብዙሓት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ዓበይትን ንኣሽቱን ተቓለስቲ፡ ከምዚ ዓይነት ብወዛ ስለዝገበሩ፡ ከምቲ ደቂ እስራኤል ሕግታት እግዚኣብሄር ስለዘይተኸተሉ ን40 ዓመታት ዕንክሊል ዝበሉዎ፡ ደምበ ተቓውሞ’ውን ንሕግታት ታሪኽ ስለዝሰሓቱ፣ ን30 ዓመታት ኣብ ሓደ ዓውዲ ዕንክሊል ክብሉ ይነብሩ ኣለዉ። ስርዓት ኢሳይያስ ጸዊኻ ዘይውዳእ፡ ብቶናት ገበናት ዝመልአ መሕደር ገበነኛታት ኢዩ። ንገበናት ስርዓት ህግደፍ ክከላኸል ዝኽእል ሰብ ድማ የለን።

መቐጸልታ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይብሱል ኣከያይዳ ድማ፡ ነዞም ሎሚ እንርእዮም ዘለና መናፍቓን ክወልድ ክኢሉ። ዘሕዝን ኢዩ! ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት፡ ብዛዕባ ኣብ ሚድያታት ዝግበር ዘሎ ኣዕናዊ ጎስጓሳት ኣብ ገጻት ፈይስ-ቡክ ጽሒፈ እየ። እዚ ከኣ ናተይ ውልቃዊ ርእይቶ ኢዩ። ቀንዲ ጉዳይ ጽሑፈይ ድማ፡ ነቶም ኮነ ኢሎም ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘመራስሑ ዘለዉ ኣዝዮም ውሑዳት ልኡኻት ዘተኮረ ኢዩ። እዚ ጎስጓስ እዚ ምስ ግዜ ዝመጸ፡ ዕላማ ዘለዎ ስራሕ ኢዩ። ግዜ በሊዑ ከኣ፡ ከም ብላይ ጨርቂ ክድርበ ኢዩ። ነዚ ኣዕናዊ ወፍሪ እዚ መን ኢዩ ዚዝውሮ፡ ግዜ ከብርሆ ኢዩ። ግን ከኣ እዚ ርእሰ ማል ዝኽፈሎ ዘሎ ወፍሪ ኢዩ። መን ኢዩ ኣበጊስዎ፡ በዓል መን ይከታተልዎ ኣለዉ፡ ከመይ ዝበለ ወፍሪ ኢዩ? ብመዓልቱ ክበርህ ኢዩ። ወላ’ኳ ብዙሓት ኣብ ሰንኮፍ ዝጸንሑን ተስፋ ዝቖረጹን ዘዳምቕዎ እንተሃለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ክብርታቱ ዘለዎ ጥቡቕ ዝምድናን ኣብ ስዉኣቱ ዘለዎ ኣኽብሮትን ብምንጽጻር፡ ዘውቅዮ ነገር የለን። እቲ ምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሕላገቱ ዝጠፍኦ ህዝቢ ኣይኮነን። 
 እዚ ፕሮጀክት እዚ፡ ከም ውሕጅ ጎላጉል ንነዊሕ ዓመታት ዘገም እናበለ ክመጽእ ዝጸንሐ፡ ዋናታት ካብ ማዕዶ ብሪሞት ኮንትሮል ዝቆጻጸርዎ ብካሪክለም ዝተሓንጸጸ ፕሮጀክት ኢዩ። ሎሚ ከኣ ብጋህዲን ዓው ብዝበለ ድምጺን ናብ ኣእዛንና ይቃላሕ ኣሎ። ወላ’ኳ ክብሪን መንነትን ህዝቢ ኤርትራ ንምርኳን ዝተበገሰ ውጥን እንተኾነ፡ ነጠብጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ ኢዩ። መራሕቱ ኣዝዮም ውሑዳት ኢዮም። ካብቲ ሰውራ ዝተጓዕዘሉ መዋእል ንዝነበሩ ጉድለታት ከም ቡኮ ተጠቒሞም፡ ብጅምላ ንሰውራ ኤርትራ ምጽላምን ምቕንጻልን የካይዱ ኣለዉ።

እዞም ሰባት፡ ብዝኾነ ተኣምር ካብ መንገዶም ዝምለሱ ኣይመስሉን ኢዮም። እዚ ከኣ ናይ ገዛእ ርእሶም ውሳኔን ዕላማን ኢዩ። ሒዞሞ ዘለዉ መንገዲ ኣዝዩ ዘይሃገራዊ ኢዩ። ንተጋዳላይ ከም ሽፍታ፡ ንስንኩልን ስዉእን ዝኽሕድ ግናይ ፍልስፍና ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ወላ’ኳ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ጭኮና ህግደፍ እንተሃለወ፡ ሓደ መዓልቲ ክርህዎ ኢዩ። እዚ ከም ነጠብጣብ ዝናብ ኣብ ውቅያኖስ ዝወርድ ዘሎ ጸለመ ከኣ ብመዓልቱ ከኽትም ኢዩ። እዚ ኣዕናዊ ፍልስፍና እዚ፡ ንዝኾነ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይውክል ኢዩ። ገበናት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግዜ ገድሊ ምጽብጻብን ብኡ እህህ ምባልን፡ ንዕኡ ከም መለለዪ ወሲድካ “ፎእ ገድሊ ኤርትራ” ምባል ናይ ነገር ጣቋ ኣይመስለንን። ብድሕሪ ናጽነት፡ ብፍላይ ከኣ ብድሕሪ ምቛም ህግደፍ ዝተፈጸሙ ገበናት’ከ ብከመይ ይጸብጸቡ? ብዓቢኡ ዒራዒሮ ዝወሓጠቶም ደቀባት ክንደይ ኢዮም? ክንደይ መራሕቲ ሃይማኖትን ንጹሃትን ኢዮም ኣብ ግዜ ህግደፍ ጠፊኦም ዘለዉ? ካልኦት’ከ ክንደይ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣለዋ? ጸሓይ ምስ በረቐት’ከ ክንደይ ህዝቢ ኢዩ ተረሽኑ? ኣብ ግዜ ኲናት ምስ ወያነ፡ ክንደይ መንእሰይ ኢዩ ብተመልከተለይ ዝተረሸነ? ውድብ ህዝባዊ ሓይልታት /ደሓር ህዝባዊ ግንባር/ ኢሳይያስ ማዕረ ቁመቱ ገይሩ ዝሰርሖ ክዳን ኢዩ። ካብታ ናብ ዓላ ዝተጸንበረላ መዓልቲ ክሳብ ሎሚ ከኣ፡ ደም ኤርትራውያን እናሰተየ ዝነብር ዘሎ ሕሱም ኣራዊት ኢዩ ። 
 ብዛዕባ ጉዕዞ ሰውራ ኤርትራ /1961-1991/ ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ቅንጸላ ብዙሓት ኣብቲ ውድብ ዝነበርናን ዝነበሩን /ኣስማት ከይዘርዘርኩ/ ገሊጽናዮ ኢና። ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከም ዝበሃል፡ ብሰንኪ ኢሳይያስን መጫፍርቱን ዝገበርዎ ገበን፡ ንኩሉ ተጋዳላይ ግዳይ ምግባሩ ዘወጻጽእ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ዝገለጽኩዎ፡ ኣብቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝተኻየደ ርሱን ቃልሲ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ። በዚ ከኣ ’ዞም ሰባት ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ሽፍታ ኢልናዮ ኣለና እንተ ደኣ ኢሎም፡ ምርጫኹም ኢዩ ክብሎም እደሊ።
 ነዚ ብዝምልከት ብዙሕ ተዘሪቡን ተተንቲኑን ኢዩ’ኮ። ታሪኽ እኩብ ድምር ፍጻሜታት ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ፡ ፈተውቱ ጥራይ ዘይኮኑስ ጸላእቱ’ውን ዝምስክርዎ፤ ዓለም ዝፈልጦን ዝምስክሮን ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ ኢዩ። ብዙሕ ግዜ ከም ዝተዘርበን ዝተጻሕፈን፡ ኣብ ውሽጢ ሰውራ ኤርትራ ተሓቢኦም ዝነበሩ ቫይረስ፡ ንኩሉ መልክዓት ታሪኽና በሪዞሞ ኢዮም። /ነዚ ሓቂ እዚ ንምፍላጥ ኣቀዋውማ ህግደፍ 1994 ተመልከት።

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!
ሞት ክናና ንኢሳይያስ!!

ይቕጽል …

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Denna webbplats använder Akismet för att minska skräppost. Lär dig hur din kommentardata bearbetas.